እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ከንቲባ ናጋሳኪ ድሕሪ 80 ዓመት መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምብ ንዩክለሳዊ ኲናት ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ
ከንቲባ ከተማ ናጋሳኪ ኣብ ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ናይቲ ጃፓናዊት ከተማ ዘዕነወ መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለምና ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ሺሮ ሱዙኪ ነቲ ፍጻመ ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሰላም ኣዋጅ፡ "ኣብ መላእ ዓለም ዝረኣዩ ግጭታት ቀስ ብቐስ ይሕይሉ ኣለዉ፡" ኢሉ።
ንሱ ኣስዒቡ፡ "በዚ ኣካይዳ እንተ ቀጺልና፡ ኣብ መወዳእታ ንነብስና ናብ ንዩክለሳዊ ኲናት ክነእትዋ ኢና፡" ኢሉ።
እቲ ብ9 ነሓሰ 1945 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ንመወዳእታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከም ዘቀላጠፈ ዝገልጽዎ ተንተንቲ፡ ኣስታት 74,000 ሰባት ከም ዝቐተለ ይግለጽ።
ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ብዙሓት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ብሕማም ሉኪሚያ ወይ ካልእ ከቢድ ጐድናዊ ሳዕቤናት ጨረርታ ከም ዝተሳቐዩ ድማ ይፍለጥ።
እቲ ቅድሚ 80 ዓመት ኣብ ጃፓን ንኸተማ ሂሮሺማ ዒላማ ዝገበረ ብ6 ነሓሰ ዝተፈጸመ ፈላማይ ኣቶሚክ ቦምባ፡ ኣስታት 140,000 ዝግመቱ ሰባት ዝቐተለ እዩ።
እቲ ዝዓበየን ዝሓየለን ቦምባ ናጋሳኪ፡ ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ንመላእ ሕብረተሰብ እታ ከተማ ዝደምሰሰ ኰይኑ ኣብታ ዳግም ዝተሃንጸት ከተማ ብናይ ሕልና ጸሎት'ዩ ተጀሚሩ።
ማንታ ደወል ካቴድራል ናጋሳኪ እውን ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ንፈለማ እዋን ብሓደ ድምጺ ተደዊለን፣ እዚ ድማ ንዓለም ሰላም ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ከም ኣካል ናይቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ውህብቶ ማይ ብተንቀሳቓስን ምሳልያውን ምልክት ዝቐረበ ኰይኑ ቅድሚ 80 ዓመታት ቆርበቶም ዝነደደ ግዳያት ማይ ለሚኖም ከም ዝነበሩ ንምዝኽኻር ዝዓለመ'ዩ ተባሂሉ።
ሎሚ ወኪል ናይቶም ዝደሓኑ ሰባት ሓዊሱ ተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ወለዶታት ነቶም ብንዩክለሳዊ ባርዕ ዝጠፍኡ ግዳያት ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽ ማይ ኣቕሪቦም።
ሱዙኪ ኣብቲ እዋን "ብ9 ነሓሰ 1945 ኣብ ልዕሊ እዛ ከተማ ኣቶሚክ ቦምብ ተደርብዩ፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ "ድሕሪ 80 ዓመት ዓለምና ከምዚ ክትከውን እያ ኢሉ መን ክሓስብ ይኽእል? ካብቲ 'ሓይሊ ብሓይሊ ዝካየድ' ግብረ መልሲ ደው ነብሎ፡" ኢሉ።
ካብቲ ቦምባ ዝተፈንጀረሉ ቦታ 3 ኪ.ሜ ጥራይ ርሒቑ ዝነበረ ወዲ 93 ዓመት ሂሮሺ ኒሺዮካ፡ ነቲ ዝረኣዮ ራዕዲ ኣዘንትዩ።
"እቶም ሽዑ ካብ ሞት ዘምለጡ ዕድለኛታት'ውን እንተዀነ በብቝሩብ ሓሚሞም ተወዲኦም'ዮም፡" ከም ዝበለ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ጠቒሱዎ'ሎ።
"ዋላ'ኳ እቲ ኲናት እንተ ተዛዘመ፡ እቲ ኣቶሚክ ቦምብ ግን ዘይርአ ራዕዲ ኣምጺኡ'ዩ።"
ጓል 50 ዓመት ነባሪት ናጋሳኪ ኣትሱኮ ሂጉቺ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "እዞም ፍጻመታት ናይ ሕሉፍ እዮም ኢልና ኣብ ክንዲ ምሕሳብ፡ እዚኦም ዝተፈጸሙ ናይ ሎሚ ሓቃዊ ፍጻመታት ምዃኖም ክንዝክር ኣለና፡" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዓለም ካብ ዝለዓሉ ደማዊ ግጭታት፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ ቓዛ ዝመደበሩ ጕጅለ ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይርከብዎም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናጋሳኪ ስክፍታታት ጸጥታ ብምጥቃስ፡ ንእስራኤል ኣብቲ ዓመታዊ ዝኽሪ ክትዕድማ ከም ዘይትደሊ ምግላጻ ክትዕ ፈጢሩ ከም ዝነበረ ዝዝከር'ዩ።
ኣብዚ ዓመት፡ እቲ ከንቲባ እስራኤል ከምኡ'ውን ሩስያን ቤላሩስን ከም ዝተዓደማ ገሊጹ።
ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝእግድ ኣህጉራዊ ስምምዕ፡ ውዕል ምኽልካል ንዩክለሳዊ ኣጽዋር፡ ኣብ 2021 ኣብ ግብሪ ወዒሉ።
ልዕሊ 70 ሃገራት ነቲ ውዕል ኣጽዲቐንኦ እኳ እንተዀና፡ ንዩክለር ዝውንና ሃገራት ግን ንዩክለሳዊ ኣጽዋረን ከም መከላኸሊ ኢና እንጥቀመሉ ብዝብል ምኽኒት ተቓዊመንኦ።
ጃፓን እውን ነቲ እገዳ ካብ ዝነጸጋ ሃገራት ኰይና ጸጥታኣ ብናይ ኣመሪካ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ውሑስ ከም ዝዀነ ጠቒሳ።