ትግራይ፡ ናይ ጽልእን ዓመጽን ዘረባ ዝገትእ ኪነታዊ-ብልሒ ዘማዕበሉ መንእሰያት ሽልማት ረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, STS
ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ኪነታዊ ብልሒ ዝነጥፉ መናእሰይ፡ ናይ ፅልእን ዓመፅን ዘረባ ንምግታእ ብዝሰርሑዎ ምህዞ፡ ሽልማት ተዓዊቶም።
ትካል እቶም መናእሰይ፡ ናይ ጽልእን ሓሶት ዘረባታትን፡ ከለልን ክዓግትን ዝኽእል ሞዴል ቋንቋ ትግርኛ ዝቀጥም ኪነታዊ-ብልሒ (AI) ኣማዕቢሉ።
ነዚ ድማ፡ "ሰላም ከባብያዊ ምግባርን ግዳያት ምስታፍን" ዝብል ኣርእስቲ ብምሃብ ናብቲ ካብ 43 ሃገራት ዝመጽኡ መንእሰያት መሃዝቲ ዝተረኸብሉን፡ ልዕሊ 70 ፕሮጀክታትን ዝተወዳደርሉን ውድድር ብምቕራብ'ዩ ነዚ ሕርያ በቒዑ።
እቲ ብሓውሲ ምርጫ ህዝቢ፡ ሽልማት ዝረኸበ ትካል እቶም መናእሰይ፡ 'ቀፃልንን ዘተኣማምንን ልምዓት 2025' ኣብ ዝብል ዘፈር እዩ ተሳቲፉ ተዓዊቱ ዘሎ።
መስራቲን ኣካያዲ ስራሕን፡ 'ዘተኣማምን ተክኖሎጅያዊ መፍትሒታት' (Sustainable Technology Solutions)፡ ገብሩ ግደይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ በዚ ሽልማት ዝተሰምዖ ፍናን ልዑል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቴክኖሎጅያዊ ምህዞታት ብምጥቃም ኣብ ሰላምን ሕውየትን እታ ብዂናት ዝተሃሰየት ትግራይ እወታዊ ኣበርክቶ ክህልዎም ከም ዘተስፉ ተዛሪቡ።
ነዚ መድረኽ ሽልማት ዘዋደደ፡ ፋውንደይሽን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን (JWF) ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እዚ ፕሮጀክት ካብ 28 ሃገራት 4,317 ድምጺ ብምርካብ፡ "ብግጭት ዝተሃስዩ ማሕበረሰባት ኣብ ከባቢኦም ሰላም ንምምጻእን ትምህርቲ ንምድንፋዕን ብዝገበሮ ዘተባብዕ ጻዕርታት ልዑል ዓለማዊ ደገፍ ረኺቡ፡" ኢሉ።
እቲ ትካል ብተወሳኺ፡ ፕሮጀክት ኣብ ህንጸት ሰላምን ዘተኣማምን ልምዓትን ንዝገበሮ ኣበርክቶ ንምጽንባል ድማ፡ ናይ ኣፍልጦ ምስክር ወረቐትን ገንዘባዊ ሽልማትን ከም ዝብርከተሉ ኣመልኪቱ።
እቲ ፕሮጀክት፡ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከባ ማእከላት ተመዛበልቲ ሰላም ንምድንፋዕ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ንተቓላዕቲ ማሕበረሰባት ከም ደቂ ኣንስትዮ፡ መንእሰያትን ስንኵላንን ዝጸሉ ናይ ጽልኢ ዘረባ፡ ግጉይ ሓበሬታ ሓሶት ሓበሬታን ንምዕጋት ዝዓለመ እዩ።
እዚ ብኪነታዊ-ብልሒ ዝምራሕ ሞዴል ብምጥቃም፡ ማሕበረሰባዊ ዓውደ መጽናዕትታት፡ ድጂታዊ ጐስጓሳትን ኣብ ሰላም ዘተኰረ ትሕዝቶን ምርኵስ ብምግባር፡ ጐዳእቲ ትረኻታት ከለልን ክዓግትን እዩ።
ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ካብ 82 ትካላት ንዝመጽኡ 306 ውልቀሰባት ብቐጥታ ከሳትፍን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ድማ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ውሽጢ እቶም ብግጭት ዝተጸልዉ ሰባት ምትእምማን፡ ጽንዓትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ንምዕባይ ንልዕሊ 710,000 ሰባት ክጸሉን ትጽቢት ይግበር።
መስራትን ኣካያዲ ስራሕን ገብሩ ግደይ፡ እዚ ሞዴል 10 ምድባት ናይ ጽልኢ ዘረባ ከም ዘለዎ ኣብሪሁ።
እዚኦም፡ "ብቐጥታ ምጽራፍ፡ ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ጾታ መሰረት ዝገበሩ፡ ስነ-ሓሳብ ወይ ፖለቲካን ወለዶን መሰረት ዝገበሩ ጸርፊታት ኣለዉ። ነዚኦም ፈልዩ ከለሊ ዝኽእል እዩ፡" ኢሉ።
እቲ ሞዴል ኪነታዊ-ብልሒ፡ ብትግርኛ ጽሑፍ ተቐቢሉ ብትግርኛ እዩ ዝምልስ።
ኤስቲኤስ ብ2023 (ኣ.ኤ) ክምስረት እንከሎ፡ ኣብ ትግራይ ድሕሪ እቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ፡ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን ተነጽሎን ንዝዀና ደቀንስትዮ ዝሕግዝ ፕሮጀክት ኪነታዊ-ብልሒ ሰሪሑ እዩ።
እዚ ምስ ዩኤስኤይድ ብምትሕብባር ዝተሰርሐ ፕሮጀክት ምዃኑ ዝጠቅስ ገብሩ፡ "ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሐን ደቀንስትዮ ተነጽሎ እናበጽሐን ሓሳበን ንምግላጽ ይጽገማ ስለ ዝነበራ፡ ንዐአን ንምትብብዕ፡ ንምሕዋይ ብኪነታዊ-ብልሒ ተሓጊዘን፡ ብዛንታ መልክዕ ሓሳበን ዝገልጻሉ እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።
ኣብዚ ፕሮጀክት ድማ 50 ደቀንስትዮ ብምስልጣን ፡ ስነ-ልቦናዊ ሕውየት ክረኽባ፡ ኪነታዊ-ብልሒ ተጠቒመን ብኸመይ ዛንታ ክጸውያ ይኽእላ ዝብል ዓሰርተ ቪድዮታት ክፈርያ ገይርና ኢና ክብል ተዛሪቡ።
"በዚ ኣገባብ፡ እቲ ዝበጽሐን መጥቃዕቲ ተሰኒዱ እዩ፤ ድምጸን'ውን ክስማዕ ገይርና ኢና፣ ኣብ ኬንያ መጺእና እውን ኣርኢና ኢና። እቲ ጸገማትን ታሪኽን መሃዛይ ብዝዀነ መልክዑ ክቐርብ ገይርና ኢና። ደቀንስትዮ ብሞራል ከይሞታ፡ ዘለወን ጾታዊ መጥቃዕቲ ተጻዊረን ክወጽኣ ገይርና ኢና፡" ኢሉ።
ብሰንኪ እቲ ንኽልተ ዓመታት - ካብ ሕዳር 2020- 2022 - ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለዉ ልዕሊ 60,000 ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ከም ዝተሰደዱ ይፍለጥ።
ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኵሎም ወገናት፡ ንገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝዳረጉ ጾታዊ ዓመጻትን ቅትለትን ከም ዝፈጸሙ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንጺን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።
እቲ ኲናት ደው ካብ ዝብል ልዕሊ ክልተ ዓመታት ገይሩ'ሎ፤ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ግን ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለያ ግዝያዊ ማእከላት መዕቈቢ ተመዛበልቲ እዮም ዝርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







