ብልሽውና ንምውጋድ ምኒስተር ክትከውን ዝተመዝዘት ኣብ ዓለም ፈላሚት ኪነታዊ-ብልሒ (AI)

ብምስሊ ባህላዊ ክዳን ዝለበሰት ኣልባንያዊት ጓለንስተይቲ ዝቐረበት ኪነታዊ ብልሒ ምኒስተር

ምንጪ ስእሊ, ADNAN BECI/AFP

ቀዳማይ ምኒስተር ኣልባንያ ኤዲ ራማ፡ ንህዝባዊ ዕድጊ (ጨረታታት) እትከታተል ፈላመይቲ ኪነታዊ-ብልሒ ምኒስተር፡ ኣብ ካቢነ መንግስቱ ከም ዝሸመ ኣፍሊጡ። እዛ ኪነታዊ-ብልሒ ድማ ነቲ ዕድግታት "ካብ ብልሽውና ናጻ" ከም እትገብሮ ቃል ኣትዩ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንራብዓይ ግዜኡ ኣብ ግንቦት ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ኣብቲ ምስ ኣባላት ማሕበራዊ ሰልፉ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ እዩ ነታ ሓዳስ ኣባል ካቢነ ምኒስተራቱ ኣላልዩዋ።

እዛ ምኒስተር፡ "ዲኤላ" ዝተሰምየት ኰይና፡ ብኣልባንኛ "ጸሓይ" ማለት እዩ።

"ዲኤላ ብኣካል ዘይትርከብ ብኺነታዊ-ልብሒ ዝተፈጥረት ቀዳመይቲ ኣባል መንግስቲ እያ፡" ይብል ራማ።

ዲየላ፡ ኣብ ዝካየድ መንግስታዊ ዕድግታት ንዅሉ ውሳነታት ክተካይድ ሓላፍነት ክወሃባ እዩ። "ካብ ብልሽውና ሚእቲ ሚእታዊት ናጻ ክኸውንን ነፍስወከፍ ብጨረታ ናብ መንግስቲ ዝኣቱ ገንዘብ ግሉጽ ክኸውንን፡" ከም እትገብሮ ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ካብ ግብራውነቱ ንላዕሊ ምሳሌኣዊ እዩ። ምኽንያቱ፡ ቅዋም ኣልባንያ ምኒስተራት መንግስቲ ብውሕዱ 18 ዓመት ዝዕድሚኦምን ብኣእምሮ ብቝዓትን ክዀኑ ኣለዎም እዩ ዝብል።

እንተዀነ፡ ካብ ሰባት ንላዕሊ ኪነታዊ-ብልሒ ርኡይ ረብሓታት ኣለዎ።

ብዛዕባ መንግስቲ ዘደናግር ሓበሬታ ዝዘሩቕ ኣይክህሉን እዩ። ንሳ እትሓቶ ሓይሊ ኤለክትሪክ ጥራሕ እዩ። ዓቢይ ናይ ዕድጊ ብልሽውና ድማ ኣይህሉን።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ህዝባዊ ዕድጊ ዘገልግል ናይ መጀመርታ ምሉእ ሞዴል ኪነታዊ-ብልሒ ንምስራሕ፡ ምስ ኣልባናውያንን ዓለምለኻውያን ዝቘመ ብሉጽ ጕጅለ ንሰርሕ ኣለና፡" ኢሉ።

"ኣብ ዕድጊ ክህሉ ንዝኽእል ኵሉ ጽልዋ ከነወግድ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ነቲ መስርሕ ኣዝዩ ስሉጥ፡ ውጽኢታውን ተሓታትነት ዘለዎን ክንገብሮ ኢና።"

ዲያላ ቅድሚ ከም ምኒስተር ኰይና ምሻማ፡ ካብ ጥሪ ኣትሒዛ ብምስሊ ባህላዊ ክዳን ዝለበሰት ጓለንስተይቲ ኣብቲ ሰነዳትን ኣገልግሎታትን ዝህብ ኤለክትሮንያዊ መድረኽ ዕማማታ ከተካይድ ጸኒሓ እያ።

ክሳዕ ሕጂ 36,600 ድጂታላዊ ሰነዳት ኣብ ምቕራብ ሓጊዛ። ብተወሳኺ፡ ኣስታት 1,000 ኣገልግሎታት ከም ዝሃበት ወግዓዊ ኣሃዛት ናይታ ሃገር ይሕብሩ።

እዚ ንራብዓይ ግዜኡ ስልጣን ዝሓዘ ራማ፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ሓድሽ ካቢነ ምኒስተራቱ ናብ ባይቶ ሃገሩ ከቕርብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳራት ኣንጻር ብልሽውና ዝካየድ ቃልሲ፡ ኣልባንያ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ንኽትጽንበር ቀንዲ ቅድመ-ዅነት እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኤዲ ራማ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ምኒስተር ኤዲ ራማ

መስራቲት ባልካን ካፒታል ዝዀነት ኣነይዳ ባጅራክታሪ ቢችያ፡ ራማ መብዛሕትኡ ግዜ ጽገና ምስ ድራማ ስለ ዝሓዋውስ፡ ንሰባት ምሳሌኣዊ ጥራሕ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣለዎም። 'ኪነታዊ-ብልሒ ምኒስተር' ኣብ መንግስታዊ ዕድጊ፡ ግሉጽነትን ምትእምማንን ዘመሓይሽ ሓቀኛ ስርዓት እንተዀይኑ፡ ጠቓሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ትዛረብ።

ክኢላታት ጸረ-ብልሽውና'ውን፡ ኪነታዊ-ብልሒ ብልሽውና ንምንካይ ዘለዎ ተኽእሎ ይርእዩ ኣለዉ።

"ኪነታዊ ብልሒ ሓድሽ መሳርሒ ደኣ ይዅን'ምበር፡ ብትኽክል ፕሮግራም እንተ ተገይሩ ብኢንተርነት ጨረታ ከተቕርብ ከለኻ፡ ሓደ ኩባንያ ነቲ ቅድመ-ዅነትን መዐቀኒታትን ዘማልአ እንተዀይኑ ብንጹር ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ፡" ይብል ብዛዕባ ብልሽውና ምዕራባዊ ባልካን ዘጽንዕ ዶክተር ኣንዲ ሆክሳጅ ካብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን።

ራማ እዚ ሓሳብ ናይ ጐስጓስ መዳይ ከም ዘለዎ ኣይከሓደን። እንተዀነ፡ ድሕሪ'ቲ ጸወታ ዝመልኦ ምርኢት ሓቀኛ ዕላማ ከም ዘሎ እዩ ዝዛረብ።

"ካልኦት ኣባላት ካቢነ ምኒስተራትን ሃገራዊ ትካላትን ብዝተፈለየ መንገዲ ክሓስቡን ክሰርሑን ከም ዘለዎም ጸቕጢ ዝገብር እዩ። ካብዛ ምኒስተር ዝጽበዮ ዝዓበየ ረብሓ እዚ'ዩ፡" ይብል።

ብሓጺሩ ምኒስተራት ክጥንቀቑ ይግባእ፡ ኪነታዊ-ብልሒ ንስራሖም እውን ክፈታተን ክጅምር ይኽእል እዩ።

ራማ ነታ 2.8 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ባልካን ክሳዕ 2030 ክመርሓ እዩ ዘቋምት ዘሎ።