እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰባት ተቐቲሎም
ሓደ ዕጡቕ ብመኪና ናብ ቤተክርስትያን ሚቺጋን ኣትዩ ተዅሲ ብምኽፋቱን እቲ ህንጻ ብምንዳዱን ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ሓያሎ ድማ ከም ዝቘሰሉ ፖሊስ ገሊጹ።
ካብ ዲትሮይት ንሰሜናዊ ምዕራብ 100 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ግራንድ ብላንክ፡ "ኣማኢት" ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ጸሎት እንከለዉ እዩ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።
እቲ ጃኮብ ሳንዶርድ ዝተባህለ ወዲ 40 ዓመት ጥርጡር፡ ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣብ መዓሸጊ መካይን ናይቲ ቤተክርስትያን ብጥይት ፖሊስ ተቐቲሉ።
ሰብመዚ ነቲ ፍጻመ "ብዕላማ ዝተገብረ ዓመጽ፡" ብምባል ይምርምሩዎ እኳ እንተ'ለዉ፡ ንምንታይ ከምኡ ከም ዝገበረ ግን ብንጹር ዝተፈልጠ የሎን።
ኣርባዕተ ግዳያት ብጥይት ከም ዝሞቱ ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ግራንድ ብላንክ ዊልያም ሬንየ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ዝተፈጥረ ባርዕ ኣብቲ ህንጻ ዓቢይ ዕንወት ከም ዘውረደን ገለ ሰባት ድማ ከም ዘይተረኽቡን ቺፍ ሬንየ ገሊጹ።
ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ "ኣማኢት" ሰባት ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ ጸሎት እንከለዉ ናብ ውሽጢ ህንጻ ብመኪና ድሕሪ ምእታው ብዙሕ ጠያይቲ ናብቶም ሰባት ከም ዝተኰሰ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ፖሊስ ብቕጽበት ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ምስቲ ውልቀሰብ ተዅሲ ከም ዝገጠሙን ሃሪሞም ከም ዝቐተሉዎን ገሊጹ።
"እቲ ባርዕ መዓስን ብኸመይን ከም ዝተናኸሰ ብልክዕ ንምፍላጥ ንጽዕር ኣለና፡" ዝበለ እቲ ሓላፊ ፖሊስ፡ "እቲ ጥርጡር ኰነ ኢሉ ከም ዝወልዖ ኢና ንኣምን፡" ኢሉ።
ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ግራንድ ብላንክ ዊልያም ሬንየ፡ እቶም ተሳተፍቲ ጸሎት ኣብቲ ቤተክርስትያን ንዝነበሩ ህጻናትን ቈልዑን ንምድሓን ዝገበሩዎ "ጅግንነት" እውን ንኢዱ።
መርመራ ዘካይዱ ኣካላት፡ ካብ ምንታይ ነቒሉ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ንምፍላጥ ኣብ ንብረትን ሞባይልን እቲ ጥርጡር ፍተሻ ይገብሩ ኣለዉ።
ወሃቢት-ቃል ፖሊስ ግዝኣት ሚቺጋን ኪም ቬተር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ምፍርራሕ ቦምባዊ መጥቃዕቲ ከም ዝነበረን ፖሊስ ክኣልዮ ከም ዝኸኣለን ሓቢራ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ መብርሂ ከም ዝተዋህቦ ብምግላጽ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ ነቲ ፈደራላዊ መርመራ ክመርሖ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ንኣመንቲ ክርስትና ኣመሪካ ዒላማ ዝገበረ ካልእ መጥቃዕቲ፡" ክብል ገሊጹዎ።
ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ ፓም ቦንዲ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ "ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ኣምልኾ ቦታ ዝፍጸም ዓመጽ ልቢ ዝሰብር እዩ። ምእንቲ ግዳያት ናይዚ ዘስካሕክሕ ትራጀዲ ኣብ ጸሎት ተጸንበሩኒ፡" ኢላ።
ኣመሓዳሪት ሚቺጋን ግሬቸን ዊትመር ነቲ ፍጻመ ብምዅናን፡ "ኣብ ዝዀነ ቦታ - ብፍላይ ኣብ ሓደ ናይ ኣምልኾ ቦታ - ዝፍጸም ዓመጽ ተቐባልነት የብሉን፡" ብምባል ነቲ ኵነታት ትከታተሎ ከም ዘላ ገሊጻ።