ግደ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ብኸመይ ይግለጽ?

ፕረዚደንት ሶማልያን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ - መጀመርታ እዚ ዓመት - 2024 ምስታ ናጽነታ ዝኣወጀት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብዝፈረመቶ ውዕል ተጠቃምነት ኣፍደገን ገማምግምን ባሕሪ፡ ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ ዝምድናኣ ምስ ሶማልያን ሓርፊፉ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።

ድሕሪ እዚ ስምምዕ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ንኵነታት ዝምድናአን ዘንጸባርቕ ምልውዋጥ ቃላት፣ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብፍላይ ብወገን ሶማልያ ዝተፈላለየ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ከካይዳ ተራእየን እየን። ሰበስልጣን ሶማልያ፡ ንኢትዮጵያ ልኡላውነት ሃገር ብምጥሓስ ብተደጋጋሚ ክኽሱ ተሰሚዖም።

ብኣንጻሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን፡ ሃገሮም ንሓድነትን ልኡላውነትን ሶማልያ "መስዋእቲ" ምኽፋላ ገሊጾም።

ነዚ ብሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝቐርብ መግለጺ ዝነጽግ መግለጺ መንግስቲ ሶማልያ ግን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ወጺኡ ኣሎ።

እቲ ብመገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ሶማልያ ከም ዓቃብ ሰላም ዝተዋፈረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንጥፈታት ኣልሸባብ ከስፋሕፍሕ ምኽንያት ኰይኑ እዩ ብምባል ዝኸስስ እዩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ግዝኣታ ክወጽእ ብተደጋጋሚ ክትሓትት ዝጸንሐት ሶማልያ፡ ነቲ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ዘብቅዕ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ንምትካእ ዝዋፈር ሓይሊ ኣየነይቲ ሃገር ከምዝኸውን ባዕላ ክትውስን ምዃና ገሊጻ'ላ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘተኮረ ተልእኾ ብምንቃፍ፡ ካብተን ኣብታ ሃገር ሰራዊተን ዘዋፈራ ሓሙሽተ ሃገራት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝተፈልየ፡ "ንጥፈታት ኣልሸባብ ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ፡ ዘመዝገቦ ለውጢ ድሩት እዩ” ኢሉ።

ኣብ ትካል ቻታም ሃውስ ተመራማሪን ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዶክተር ኣቤል ኣባተ፡ "ሰበስልጣን ሶማልያ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ ዘሎ ነገራት ዝኣምኑሉ ኣይመስለንን፤ ገለ ካብቶም ዝተጠቕሱ ጉዳያት ኢርትዓውነት ዝጐድሎም ምዃኑ ይንበብ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“እዚ ስምዒት ዝተሓወሶ መገለጺ ብኣጋጣሚ ዝመጸ ኣይኰነን” ዝብል ዶክተር ኣቤል፡ “ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተገብረ ዘይውዱእ ስምምዕ እቲ ዝዓበየ ምኽንያት'ዩ" ይብል።

ኣተሓሒዙ መግለጺ መንግስቲ ሶማልያ ክልተ ነገራት ዘርኢ እዩ ክብል የብርህ እቲ ተመራማሪ።

ንሱ፡ መግለጺ መንግስቲ ሶማልያ፡ ነቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ይጽናሕ ዝብል ጐስጓሳት ይዓግት እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ጉዳይ ልኡላውነት ከም ቀይሕ መስመር ከቐምጥ ስለዝደለየ እመስለኒ ይብል።

ወሲኹ፡ መግለጺ ሶማልያ፡ "ከም መግለጺ ቍጥዐ ንስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን እየ ዝወስዶ” ይብል።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓቂ ጠንቂ ዳግመ ምሕያል ኣልሸባብ ድዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጸሉ እዋን ካብ ዝኣተዎ መብጽዓታት ሓደ፡ ነቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዕቝዳት ነታ ሃገር ሓሚሱ ዝጸንሐ ኣልሸባብ ታሪኽ ክገብሮ እየ ዝበሎ እዩ።

እቲ ዓስራይ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ኣብዚ ክልተ ዓመት ኰይንዎ ዘሎ ዘመነ ስልጣኑ ንኣልሸባብ ከጥፍእ ኣይከኣለን፤ ብኣንጻሩ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብ ሞቓድሾ ከይተረፈ ቦምባታት ይፍንጅር ኣሎ።

እቲ ኣብዚ እዋን ንሶማልያን ሶማላውያንን ስግኣት ኰይኑ ዝቕጽል ዘሎ ኣልሸባብ ንጥፋታቱ ዘሐየለ ምስ ምውፋር ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብታ ሃገር ምዃኑ ብምትሕሓዝ መንግስቲ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ይኸስስ።

እዚ ክሲ ግን ብሰበስልጣን እታ ሃገር ጥራይ ዝቐርብ ኣይኰነን። ካልኦት ነጻ ተንተንቲ እውን ምስዕራርን ምሕያልን ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ምስ ምውፋር ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣዛሚዶም ክገልጽዎ ይስምዑ እዮም።

ሓደ እዋን ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተንታኒ ግጭትን ጸጥታን ፕሮፌሰር መድሃኔ ታደሰ፡ “ሕብረት እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ ከነጥፍእ ኢልና ኣቲና ኣልሸባብ ፈጢርና” ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

ዓብዱላሂ ሓሰን ዝተባህለ ውልቀሰብ ኣብ 2009 ኣብ ዝጸሓፎ ዓንቀጽ እውን፡ “ሰራዊት ኢትዮጵያ ነታ ሃገር ምቍጽጻሩ ኣልሸባብ ካብ ሶማላውያን ደገፍ ክረክብ ኣኽኢልዎ እዩ” ክብል ጠቒሱ ነይሩ። “ብዙሓት ሶማላውያን ኣልሸባብ ዝኽተሎ ጽኑዕ ጅሃዳዊ ዝንባለ ብዘየገድስ ከም ሓቀኛ ሓይሊ ተቓውሞ እዮም ዝቘጽርዎ።”

ዶክተር ኣቤል ብወገኑ፡ “ብዙሕ ግዜ ብሰበስልጣን ሶማልያ ኣልሸባብ ውጽኢት ወራር ኢትዮጵያ እዩ ዝብል መግለጺታት ንሰምዕ ኢና” ይብል።

"ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ህላወ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣልሸባብ መንእሰያት ንኽምልምል ምቹእ ኵነታት ክፈጥረሉ ዝኸኣለ እመስለኒ” ዝበለ እቲ ተመራማሪ፡ ምውፋር ወተሃደራት ኢትዮጵያ ናብታ ሃገር “መልክዕ ሃይማኖትን ወራርን ክሕዝ ተጻዒሩሉ እዩ፤ ኣልሸባብ ድማ ብገለ መንገዲ ተዓዊቱሉ እዩ፡” ክብል ኣረዲኡ።

“እንተዀነ ምስ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታውን ማሕበራውን ኵነታት ሶማልያ ብምግንዛብ፡ ኵሉ ጸገማት ምስ ዘይተሰዓርነት ኣልሸባብን ህላወ ሰራዊት ኢትዮጵያን ክተሓሓዝ የብሉን” ክብል ይውስኽ።

ዶክተር ኣቤል፡ ምምስራትን ምስፍሕፋሕን ኣልሸባብ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምትእስሳሩ ቅኑዕ ከምዘይኰነ እውን የመልክት።

ወተሃደራት ኣሚሶም ኣብ ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ኣሚሶም ኣብ ሶማልያ

“ሶማልያ ብሰንኪ ምምጻእ ኣልሸባብ ኣብ ጸገም ከምዘላ ዘስምዕ ብዙሕ ትረኻ ኣሎ” ብምባል ዶክተር ኣቤል፡ “እዚ ንምባል ግን ሶማልያ ቅድሚ ምውፋር ሰራዊት ኢትዮጵያ ከመይ እያ ነይራ? ህሉው ኵነታት ሶማልያ እንታይ ይመስል? ዝብሉ ነገራት ብግቡእ ምፍታሽ ኣገዳሲ እዩ” ኢሉ።

“መንግስቲ ሶማልያ ካብ መዓስ ጀሚሩ ነታ ሃገር ከመሓድር ምኽኣል ስኢኑ? ካብ መጀመርታ 1990ታት ኣትሒዙ ኵነታት ሃገር ከመይ ነይሩ?” ዝብሉ ጉዳያት ኣብ ግምት ክኣትዉ ከምዝግባእ እውን ጠቒሱ።

እቲ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ “ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዋላ'ኳ ናይ ገዛእ ርእሱ ድሩትነት እንተለዎ፡ ምስ ሰራዊት ካልኦት ሃገራት ብምንጽጻር ተዛማዲ ሰላም ኣብ ምፍጣር ብዓለምለኻዊ ትካላት ዝተመስከረሉ'ዩ” ኢሉ።

እዚ ይዅን ግን፡ “ብመንጽር ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፡ ምስ ኣሚሶም ሓቢርካ ኣብ ምስራሕ፡ ምስ ካልኦት ሰራዊተን ዘዋፈራ ሃገራት ኣብ ሓደ እዚን ዕላማን ተሓባቢርካ ምስራሕ ዝኣመሰሉ ነገራት ድሩትነት ነይርዎ እዩ” ይብል።

ብኣንጻሩ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ንሶማልያ ዝገበሮ ውዕለት ክጠቕሱ ይስምዑ እዮም።

ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ቅድሚ 7 ኣዋርሕ ኣብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ሞቓድሾ ኮፍ ክብል ዝገበረ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ እዩ” ክብል ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ፊልድ ማርሻል፡ “ሰራዊት ኢትዮጵያ ጽባሕ እንተወጺኡ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ሞቓድሾ ዝጸንሕ ኣይመስለንን” እውን ኢሉ።

“[ሰበስልጣን ሶማልያ] ሰራዊት ኢትዮጵያ ዋላ ሓንቲ ከምዘይገበረሎም እዮም ዝዛረቡ፤ እዚ ግን ውዕለት ኣልቦነት እዩ” ብምባል፤ ልዕሊ ፍርቂ መሬት ሶማልያ ብሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከም ዝሕሎ’ውን ኣመልኪቱ።

ሶማልያን ኢትዮጵያን ትማሊን ሎሚን

ኢትዮጵያን ሶማልያን ካብ 1960ታት ጀሚረን ኣብ ኲናት እየን ነይረን። ብፍላይ ዓባይ ሶማልያ ናይ ምፍጣር ሕልሚ ዝነበሮ ፕረዚደንት ስያድ ባረ ኣብ እዋን ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ምስ ኢትዮጵያ ኲናት ገጢሙ እዩ።

ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሶማልያ ሓዪሉ ሕልሚ ስያድ ባረ ምስ ፈሸለን ካብ ስልጣን ምስተገለፈን፡ ጉዳይ ቀጻልነት ሶማልያ ከም ሃገር ኣብ ሕቶ ኣተወ። እቲ ናይ ሽዑ ኲናት ሓድሕድ ድማ መበገሲ ናይዚ ሕጂ ዓዘቕቲ እታ ሃገር ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ድሕሪ ውድቀት ማእከላይ መንግስቲ ጐይቶት ኲናት ኣብ መን ሓየለ ንሓድሕዶም ኣብ ከቢድ ክርፍስ ኣትዮም፤ በዚ ድማ መንግስትነት እታ ሃገር ሒዙ ቪላ ሶማልያ ክኣቱ ዝኸኣለ ኣይነበረን። ከም ውጽኢቱ ኣብ ሶማልያ መንግስቲ ከይህሉ፡ ዓሌታውያንን ሃይማኖታውያንን ጕጅለታት ክስስና ምኽንያት ኰይኑ።

ካብዞም ዕጡቓት ጕጅለታት ሕብረት እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ እናዓበየ ብምኻድ ንብዙሓት ዞባታት ሶማልያ ክቈጻጸር ክኢሉ ነይሩ። ትንሳኤ እቲ ጕጅለ ከም ስግኣት ዝረኣየት ኢትዮጵያ፡ ሰራዊታ ናብ ሶማልያ ብምውፋር፡ ነቲ ሕብረት ኣዳኺማ ካብቲ ዝሓዞ ግዝኣታት ክወጽእ ገይራ እያ።

ድሕሪ’ዚ ስጕምቲ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዓቃቢ ሰላም ናብ ሶማልያ ሰዲዱ። ቅድሚ 18 ዓመታት ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽአ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ኣብ ሶማልያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ኣዋፊሩ።

እቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተባሂሉ ዝወፈረ ሓይሊ ዓቃብ ሰላም ግን እንሆ 18 ዓመታት ኰይኑ ገና ኣብ ሶማልያ ሰፊሩ’ሎ።

እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ስሙ ካብ ኣሚሶም ናብ መሰጋገሪ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ - ኣትሚስ [ATMIS] ዝቐየረ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም፡ ዝመጽእ ጥሪ ተልእኾኡ ከብቅዕ እዩ።

ከም ኣካል መስርሕ ምስሓብ ወተሃደራት ካልኦት ሃገራት ካብ ሶማልያ፡ ቍጽሪ ናይቶም ኣብታ ሃገር ዝተዋፈሩ ሰራዊት ናብ 2 ሽሕ ክንኪ ተገይሩ ጸኒሑ እዩ።

ሶማልያ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ነዚ ዓቃቢ ሰላም ንምትካእ ኣብ ዝዋፈር ዓቃብ ሰላም ሓይሊ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ክህልዉ ከምዘይትደሊ ኣሚታ’ላ።

እቲ መግለጺ፡ ነተን ሰራዊት ዘበርክታ ሃገራት ዝምልከት ውሳነ “ምስ ሃገራዊ ረብሓን ልኡላውነታን ሶማልያ ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ” ብምባል፡ ቀጺሉ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።

እዚ መግለጺ ሶማልያ ዝወጸ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ናብተን ኣብ ሶማልያ ዓቃቢ ሰላም ሓይሊ ዘዋፈራ ሃገራት ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ብሩንዲን ጅቡቲን ድሕሪ ምብጽሑ እዩ።

ሰራዊት ግብጺ

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF DEFENCE [EGYPT]

መግለጺ ስእሊ, ምውፍራ ሰራዊት ግብጺ ናብ ሶማልያ ንኢትዮጵያ ካብቲ ዘሻቕላ ጉዳይ እዩ

ብጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ ዘላ ግብጺ፡ ንዝቕጽል ተልእኾ ሰራዊታ ከተበርክት ድሌት ከምዘለዋ ገሊጻ እያ። ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኸኣ ንተገዳስነት ግብጺ ብሓጐስ ከምዝቕበሎ ኣፍሊጡ።

ዶክተር ኣቤል “ኣብ ልኡላውነትን ጉዳያት ወጻኢን ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝህብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ስለዝዀነ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ሓድሽ መሓውር ክህሉ ኣይደልን እያ ዝብል መርገጺ ዝዀነ ሕጋዊ ሃጓፍ ዘለዎ ኣይመስለንን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንሱ ወሲኹ፡ “እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኣየነይቲ ሃገር እያ ሰራዊታ ዘይተበርክት ዘይኰነስ፡ ኣየኖት ሃገራት እየን ሰራዊት ከዋፍራ ዝብል እዩ ክኸውን ዘለዎ” ይብል።

ዶክተር ኣቤል፡ “ምትዅታዅ ዝኸውን መንግስቲ ሶማልያ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዘይምድላዩ ዘይኰነስ፡ ኢትዮጵያ ከም ስግኣት እትርእየን ሃገራት ወተሃደራተን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ዝትክኣ እዩ” ክብል ይገልጽ።

ኣተሓሒዙ፡ “ካልኦት ኣካላት ናብቲ ከባቢ ክዕደሙ እንከለዉ፡ ኵነታት ጸጥታ ጐረባብቲ ሃገራት ብኸመይ ክጽሎ ከምዝኽእል ብስፍሓትን ዕምቈትን ክሕሰበሉ ይግባእ” ክብል ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ፡ “ብዙሓት ኣካላት መን ብኸመይ ክትሳተፍ እያ? እዚ ንጉዳይ ጸጥታ ኢትዮጵያን ጐረባብቲ ሃገራትን ከይጸለወ ብኸመይ ክግበር ይኽእል? ኣብ ዝብል ጉዳይ ኣድሂቦም ብዝግባእ ክሓስቡሉ የድሊ።”

ኣብ ሶማልያ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት ግብጺ ዝፈጥሮ ስግኣት ክገልጽ እንከሎ ዶ/ር ኣቤል፡ “ምዕስካር ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ ማለት ኢትዮጵያ ነቲ ከባቢ ብደቂቕ ክትከታተሎ፣ ኵነታት ጸጥታ ከባቢ ዶባታ ከተሐይል፣ ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ሰራዊት ኣብ ምህናጽ ምዕላምን ከተካይድ ከገድዳ እዩ፡” ይብል።

እቲ ተመራማሪ፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ቅድሚ 150 ዓመታት ኣብ ግጭት ከምዝኣተዋ ብምጥቃስ፡ “ሕጂ ንመጀመርታ ግዜ፡ ሰራዊት ግብጽን ኢትዮጵያን ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ናብ ቀጥታዊ ግጭት ክኣትዉ ተኽእሎ ኣሎ፤ ንእሽቶ ጌጋ ብኸመይ ናብ ከቢድ ውግእ ከብጽሕ ከም ዝኽእል ካብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ርኢና ኢና” ይብል።