10 መሰጥቲ ሓቅታት ብዛዕባ ፕላኔት መሬት

ዓለማዊ መዓልቲ መሬት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓለማዊ መዓልቲ መሬት 22 ሚያዝያ ይኽበር።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንፕላኔትና ንምኽባር ነዛ ዕለት ዝመረጸላ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ 22 ሚያዝያ 1970 ዘጋጠመ ፍጻመ ንምዝካር ኰይኑ፡ 20 ሚልዮን ሰባት ኣብ ጐደናታት ከተማታት ኣመሪካ ወጺኦም ብዛዕባ እቲ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዘስዕቦ ዝነበረ ከባብያዊ ዕንወት ተቓውሞኦም ዘስምዕሉ እዩ።

ብዛዕባ እታ 'ዓድና' ኢልና እንጽውዓ ፕላኔት ገለ መሳጥቲ ሓቅታት ንርአ፤

1. መሬት ምልእቲ ክቢ ኣይኰነትን

ፕላኔትና መብዛሕትኡ ግዜ ከም ምልእቲ ክቢ እያ ትውከል፣ ልክዕ ቅርጻ ግን ከምኡ ኣይኰነን። መሬት ኣብ ከባቢ ዋልታታት ምጥሙጥ ዝበለት ኰይና፡ ቅርጻ ብዝያዳ ዱባ ዝዓይነቱ ክቢ [oblate spheroid] ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ከምቲ ኣብ ካልኦት ፕላኔታት ዝረአ፡ ጽልዋ ስሕበትን ምሕምባብ ዝፈጥሮ ሓይልን፡ ኣብ ዋልታት ምፅባብ ኣብ ከባቢ ቅናት ምድሪ [ኢኳተር] ድማ ምግፋሕ የስዕብ።

በዚ መኽንያት ድማ፡ ሰንጣቒት መሬት ኣብ ቅናት፡ ካብቲ ካብ ሓደ ዋልታ ናብቲ ካልእ ዋልታ ዘሎ ቍመት ኣስታት 43 ኪ.ሜ ይዓቢ።

2. ልዕሊ 70 ሚእታዊት መሬት ብማይ ዝተሸፈነ እዩ

ዳርጋ ሰለስተ ኢድ ገጽ መሬት ብማይ ዝተሸፈነ ኰይኑ፡ ብመልክዕ በረድ፡ ረግረግ፡ ቀላያት፡ ሩባታት፡ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ይሽፍኖ።

ማይ ኣብ ምድሪ ብመልዕ ጋዝ፡ ፈሳሲን ደረቕን ይርከብ፤ ኣስታት 97 ሚእታዊት ግን ኣብ ውቅያኖሳት ጨዋም ኰይኑ ይርከብ።

ፈልሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

3. ህዋ ካብ መሬት ኣስታት 100 ኪ.ሜ ልዒሉ ይጅምር

ዶብ ከባቢ ኣየርን [ኣትሞስፈር] ጠፈርን/ህዋ [ስፐይስ] ] ብመስመር ካርማን ዝፍለ ኰይኑ፡ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 100 ኪ.ሜ ርሒቑ ይርከብ።

ኣስታት 75 ሚእታዊት ክብደት ከባቢ ኣየር፡ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ክሳብ 11 ኪ.ሜ ኣብ ዘሎ ይርከብ።

4. መሬት ሓጺናዊ ሕመረት ኣለዋ

መሬት ኣብ ስርዓተ ጸሓይ ዝጸዓቐትን ሓምሻይቲ ዝዓበየትን ፕላኔት እያ።

ውሽጣዊ ክፋል መሬት ኣስታት 1200 ኪ.ሜ ራድየስ ዘለዎ ጽኑዕ ክቢ ምዃኑ ይግመት።

ብቐንዱ ካብ ክብደቱ 85 ሚእታዊት ዝግመት ሓጺንን፡ ኣስታት 10 ሚእታዊት ናይቲ ሕመረት ዝሕዝ ኒከልን ዝቘመ እዩ።

5. መሬት እታ እንኮ ህይወት ዘለዋ ፕላኔት እያ

መሬት ኣብ ኣድማስ [ዩኒቨርስ] እታ እንኮ ህይወት ዝርከበላ ፕላኔት እያ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ኣብ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ዓይነታት እንስሳታት ይነብሩዋ፤ እዚ ካብቲ ጠቕላላ ንእሽቶ ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ እዩ ዝግመት።

ኣብ 2011 ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብ ዓለም ብሓፈሻ ኣስታት 8.7 ሚልዮን ዓይነታት እንስሳታት ከምዘለዉ ገሚቶም።

መሬት ቅድሚ ኣስታት 4.5 ቢልዮን ዓመታት ከምዝተፈጥረት ዝግመት ኰይኑ፡ ኣካላውን ውሽጣውን ባህርያት መሬት፡ ኣብ ልዕሊኣ ንኣማኢት ሚልዮናት - ወይ'ውን ንቢልዮናት ዓመታት ህይወት ክህሉ ኣኽኢሉ እዩ።

6. ስሕበት ኣብ ኵሉ ቦታታት ምድሪ ማዕረ ኣይኮነን

ፕላኔትና ብሓቂ ምልእቲ ክቢ ስለዘይኮነትን ካብዚ ሓሊፉ ድማ እቲ ክብደት ኣብ ኵሉ ብማዕረ ስለዘይተዘርግሐ ኣብ ሓይሊ ናይቲ ስሕበት ፍልልያት ኣሎ።

ስለዚ ንኣብነት ካብ ቅናት ምድሪ ናብ ዋልታታት ገጽና ምስ እንኸይድ፡ ጻዕቂ ስሕበት በብቕሩብ ይውስኽ።

እንተዀነ፡ እቲ ፍልልይ ኣብ ሰብነት ደቂ ሰባት ዝስትውዓል ኣይኰነን።

መሬት ኣዝዮም ተጻረርቲ ነገራት ዝሓቘፈት ፕላኔት እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

7. መሬት ኣዝዮም ተጻረርቲ ነገራት ዝሓቘፈት ፕላኔት እያ

ፕላኔትና ብፍጹም ኣንጻር ብዝዀኑ ነገራት ዝመልአት እያ።

ዝተፈላለየ ጂኦግራፍያዊ ከባቢታቱን ከባቢያዊ ኣየርን ዳርጋ ኵሉ ዞባ ነናቱ ፍሉይነት ኣለዎ።

ኣብ ምድሪ ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ሙቐት ዝበዝሖም ከባቢታት ኣለዉ።

እንተኾነ፡ እቲ ዝለዓለ ሙቐት ዝተመዝገበሉ ቦታ፡ ብ10 ሓምለ 1913፡ ኣብ ኣመሪካ - ደዝ ቫሊ [Death Valley] 56.7C ዝተመዝገበ መጠን ሙቐት እዩ።

ኣብቲ ካልእ ጫፍ ድማ ኣንታርክቲካ ኣላ። ኣብ መደበር ቮስቶክ ብ31 ሓምለ 1983፡ እቲ ሙቐት ናብ ኣሉታ [-] 89.2C ወሪዱ ነይሩ።

8. ኣብ ምድሪ እቲ ዝዓበየ ማእከል ፍጥረታት

ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣውስትራልያ ዝርከብ [Great Barrier Reef ] ዝበሃል ማእከል፡ ኣብዛ ፕላኔት ብፍጥረታት ዝመልአ ዝዓበየ ዝተፈልየ ቦታ ኰይኑ፡ ክሳብ ካብ ጠፈር ክርአ ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ።

ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ፡ ልዕሊ 2000 ኪ.ሜ ዝዝርጋሕ ኰይኑ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዓይነታት እንስሳታት ባሕሪ ዝነብሩሉ እዩ።

ኣብ 1981 ድማ ብዩኔስኮ ሓድጊ-ዓለም ተባሂሉ ተመዝጊቡ።

መሬት ኣብ ስርዓተ ጸሓይ እታ እንኮ ንጡፍ ቮልካኖ ዘለዋ ፕላኔት እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

9. መሬት ኣብ ስርዓተ ጸሓይ እታ እንኮ ንጡፍ ቮልካኖ ዘለዋ ፕላኔት እያ

ምንቅስቓስ እዞም ኣብ ውሽጢ መሬት ዝንፍኽፈኹ ጽላታት፡ መልክዓ-ምድሪ ዝቕይሩ እዮም።

እቶም ጽላታት ኣብ ምፍጣር ኣኽራናት፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪን እሳተ ጎመራታትን እውን ኣስተዋጽኦ ኣለዎም።

ዑደት ናይዞም ጽላት እዚኣቶም፡ ንሙቐት መሬት ኣብ ምቁጽጻር እውን ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ።

እዚ ድማ ብቐዋሚ ካብ ምሕዳስ ውቅያኖስ ኣቢሉ፡ ከም ካርቦን ዳይኦክሳይድ ዝኣመሰሉ ሓደገኛ ባእታት ኣብ ዳግመ-ምጥቃም ኣበርክቶ ይገብር።

10. መሬት መከላኸሊ ሽፋን ኣለዋ

ማግኔታዊ ሓይሊ መሬት፡ ኣንጻር ቀጻሊ መጥቃዕቲ ካብ ጸሓይ ዝምንጭዉ መርዛም ከሚካላት ይከላኸል።

እዚ ሽፋን እዚ ካብ ውሽጣዊ ሕመረት መሬት ክሳብ እቲ ምስ ጸሓያዊ ንፋስ ዝራኸበሉ ዶብ ይዝርጋሕ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ማግኔታዊ ሓይሊ ንገለ እንስሳታት መንገዶም ንኽረኽቡ እውን ኣንፈት ብምሕባር ይሕግዞም፤ ብሶላ -ኮምፓስ - እንተተጠቒምና ንዓና ንደቂ ሰባት እውን ይሕግዘና።