ኢትዮጵያ፡ 248 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ካብ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ክትረክብ እያ

ፈጻሚ ቦርድ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ (ኣይ.ኤም.ኤፍ)፡ ኢትዮጵያ ካልኣይ ምዕራፍ ናይቲ ን48 ኣዋርሕ ዝዝርጋሕ ልቓሕ፡ 248 ሚልዮን ዶላር ክትረክብ ዘፍቅድ ገምጋሙ ከም ዝወድአ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ዝተኻየደ ገምጋምን ዛዛሚን ዘተ ፈጻሚ ቦርድ፡ ምክትል ኣካያዲ ስራሕን ኣቦ መንበር እቲ ቦርድን ኒገል ክላርክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሰበስልጣን [ኢትዮጵያ] ብምወላ ዝድገፍ መደባቶም ኣብ ምትግባርን ማክሮ-ቍጠባዊ ዘይምዕሩይነት ንምፍታሕን ዝነኣድ ምዕባለታት ምርኣይ ቀጺሎም ኣለዉ፡" ኢሉ።

ዕዳጋ ሸርፊ ወጻኢ ክፉትን ተዓጻጻፊን ምግባር፡ ብፖሊሲታት ማክሮ-ቍጠባ፡ ዕዳጋ ሸርፊ ወጻኢን ፖሊሲታትን ተሳንዩ ጽቡቕ ይግስግስ ከም ዘሎ ኣረዲኡ።

በዚ መሰረት፡ እዚ መደብ ልቓሕ ብጠቕላላ ኣስታት 1.6 ቢልዮን ዶላር ኰይኑ፡ እዚ ኣብ ካልኣይ እብረ ዝተጠቕሰ መጠን ገንዘብ ብቕልጡፍ ክልቀቐላን፡ እታ ሃገር ንዘላቶ ቍጠባዊ ቅልውላውን ሕጽረታት ገንዘብን ከቃልልን፡ ኣብ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ምምዕባል ብሕታዊ ጽላትን ገንዘባዊ ጽገናታትን ኣበርክቶ ክገብር ትጽቢት ይግበር።

እዚ ዝተናውሐ መደብ ልቓሕ ኣይ.ኤም.ኤፍ ንኢትዮጵያ፡ ብ29 ሓምለ 2024 ዝጸደቐ ኰይኑ፡ ብጠቕላላ ክሳብ 3.4 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ።

እዚ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ማክሮ-ቍጠባዊ ዘይምዕሩይነት ንምስትኽኻልን ዘቤታዊ ቍጠባ ንምድንፋዕን ዝዓለመ ምዃኑ፡ እቲ ትካል ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኡ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመሰረት እቲ ዝተገብረ ገምጋም፡ ኣሃዛዊ መዐቀኒታት ኣፈጻጽማ ከም ዝተማሉ ኣፍሊጡ።

እንተዀነ፡ እቲ መንግስቲ ዝተለሞ መርበባት ማሕበራዊ ድሕነት [ሴፍቲ ነት] ካብቲ ዝተዓለመ ዝወሓደ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ትካል፡ መብዛሕትኡ መደባት ድሕነት ንምስፋሕ ምስ ጉዳይ ባጀት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ኦዲት ዝተገበረሎም ሕሳባት ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብግቡእ ንምዝዛም ምእንቲ ክከኣል ድማ እቲ ገደብ ግዜ ክሳብ መወዳእታ መጋቢት 2025 ከም ዝተናውሐ ኣፍሊጡ።

ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብዚ ቀረባ እዋን ኣትሒዙ ዝተገብረ ምምዕርራይ ዕዳጋ ሸርፊ ወጻኢ ናእዳኡ ብምግላጽ፡ "ሰበስልጣን ብቕዓት ዕዳጋ ንምሕያል ርኡይ ስጕምቲታት ፖሊሲ ብምውሳዶም፡" ኣሰራርሓ ዕዳጋ ሸርፊ ወጻኢ ይመሓየሽ ከም ዘሎ ኣቐሚጡ።

ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ድማ ጽኑዕ ገንዘባውን ፋይናንሳውን ኵነታት ንምፍጣርን ንምዝማንን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣብቲ ገምጋም ከም ዝሰፈረ ተመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብን [ኣይኤምኤፍ] ባንኪ ዓለምን ኣስታት 10.7 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ንምርካብ፡ ዋጋ ባጤራኣ ብተዛማዲ ኣብ ወጻኢ ዕዳጋ ምስ ዘሎ ቀረብን ጠለብን ካልኦት ባጤራታት ንኽምርኰስ ከም ዝፈቐደት ይዝከር።

እቲ ስጕምቲ፡ ብር መንግስቲ ብዝውስኖ ውሱን ሸርፊ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዕዳጋ ብዘሎ መጠን ክሽረፍ ዘፍቅድ እዩ።

ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ሸርፊ ወጻኢ ሓደ ካብቶም ብፖሊሲ ጽገና (ሪፎርም) ዝተኣታተዉ ለውጥታት እዩ።

ለውጢ ምሕደራ ሸርፊ ወጻኢ ኣብ ዝተገለጸሉ መዓልቲ፡ ዋጋ ብር ኢትዮጵያ ምስ ዶላር ኣመሪካ ብ30 ሚእታዊ ከም ዝነከየ ተገሊጹ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብር ኢትዮጵያ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ብ57.93 ሚእታዊ ተዳኺሙ።

እቲ ነዚ ፊናንሲያዊ ስጕምትታት እታ ሃገር ናእዳኡ ዝገለጸ ኣለቃሒ ትካል -ኣይኤምኤፍ - ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምዝርጋሕ መርበባት ማሕበራዊ ድሕነት፡ ኣብ እዋን ከምዚ ዝበለ ጽገናዊ ለውጢታት፡ ኣብ ልዕሊ ተቓላዕቲ ዝዀኑ ወገናት ክስዕብ ንዝኽእል ጽልዋ ኣብ ምቅላል ሓጋዚ ምዃኑ ብምምልካት፡ እቲ ፋይናንስያዊ ትካላት መንግስቲ ንምሕያል ዝግበር ዘሎ ገስጋስ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

መጠን ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ክፉት ምግባሩ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ምስ ኣህጉራዊ ትካላት ፋይናንስ ዘየሰማምዓ ካብ ዝነበረ ዓበይቲ ገንዘባዊ ፖሊሲታት እዩ።

ኣብዚ ሓድሽ ገምጋማዊ ጸብጻቡ ድማ እቲ ትካል፡ ምስ ልቓሕን ኣተሓሕዛኡን ዝምልከት ዝቐረበሉ ፋይናንስ መረጋገጺታት፡ ከምኡ'ውን ዝተገብረ ናይ ምትዕርራይ ጻዕርታት ምስ ፖሊሲታት፡ ጠለባትን መለክዒታትን ኣይኤምኤፍ - IMF ዝሳነ እዩ ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዕዳጋ ኣክስዮን ወይ'ውን 'ስቶክ ማርኬት' ብሓድሽ መልክዕ ዳግም ከም ዝጀምረት እውን ይዝከር።

እታ ኣብ ኣፍሪቃ ሓምሻይ ዝዓበየ ቍጠባ እትውንን ሃገር፡ እቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝጸንሐ ዕዳጋኣ፡ ንዕዳጋ ወጻኢ ክፉት ክትገብሮ መደብ ከም ዘለዎ ይፍለጥ።