'ብልጽግናን ስልጣንን' እናተመባጽዑ ኣካላት ሰብ ንምሻጥ ሰባት ዝቐትሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሴራሊዮን፡ ምስ ስርዓታት ሽሕር ብዝተኣሳሰር ብዝመስል ቅትለት፡ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ስንባደ ኣለዉ። ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ነቶም ብድሕሪ ንግዲ ክፍሊ ኣካላት ደቂ ሰባት ዘለዉ ሰባት መን እዮም ዝብል መርሚሩ ኣሎ።
መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ንገለ ኣንበብቲ ዘሰክፍ ኰይኑ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝርዝር ነገራት ዝሓዘ እዩ።

ኣደ ናይቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ከም ኣካል ናይቲ ብሽሕር - black magic - እዩ ተቐቲሉ ተባሂሉ ዝጥርጠር ወዲ 11 ዓመት ቈልዓ፡ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ናብ ፍርዲ ዝቐረበ ሰብ ብዘይምህላዉ ኣዝያ ተሃስያ ትርከብ።
"ቃንዛ ኣለኒ፣ ውላደይ ቀቲሎም፡ ሕጂ ድማ ስቕታ ጥራይ እዩ ዘሎ፡" ክትብል ሳላይ ካሎኮህ ንቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ተዛሪባ።
ወዳ ፓፓዮ፡ ኣገደስቲ ኣካላቱ - ኣዒንቱን ሓደ ቅልጽሙን ሓዊሱ ክፋላት ኣካላቱ ተኣልዩ ከም ዝተረኽበ ገሊጻ።
ኣብ ዕዳጋ ዓሳ ክሸይጥ ምስ ወጽአ ኣይተመልሰን። ስድራኡ ንኽልተ ሰሙን ደለይዎ - ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ዝተቘርጸ ሬሳኡ ኣብ ዒላ ረኺቦሞ።
"ወትሩ ንደቅና ክጥንቀቑ ንነግሮም ኢና። ዕዳጋ ኣብ እትኸዱሉ፡ ናብ ሓደ ኩርናዕ ኣይትኺዱ ወይ ካብ ዘይትፈልጡዎም ሰባት ህያባት ኣይትቀበሉ ንብሎም። ኣብዛ ሃገር ብተደጋጋሚ እዩ ዘጋጥም፡" ትብል ካሎኮ።
እዚ ኣብ ማእከላይ ሴራልዮን ኣብ እትርከብ ማከኒ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ብዙሕ ግዜ ምስ ሽሒር ዝተኣሳሰር፡ ብ'ጁጁ' ዝፍለጥ፡ ሰበስልጣን ፈጺሞም ዘይተኸታተሉዎ ወይ ብግቡእ ዘይተመርመረ ቅትለት ዝምልከት ጸብጻባት ይስማዕ።
ኣብ ጉዳይ ፓፓዮ፡ ፖሊስ "ልማዳዊ ቅትለት" ምዃኑ'ውን ኣየረጋገጹን - እዚ ማለት፡ ሓደ ሰብ ክፋላት ኣካላቱ ብዘይሕጋውያን ጁጁ ብዘካይዱ ሰባት 'magic' ንዝብሉዎ ልምዲታት ንኽውዕል ክቕተል እንከሎ እዩ።
እዚ ተግባር ዝፍጽሙ ሰባት፡ ክፍሊ ኣካላት ወዲ ሰብ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ምውዓል፡ ከም ብልጽግናን ስልጣንን ዝኣመሰሉ የምጽእ እዩ ዝብል ናይ ሓሶት መብጽዓታት ይህቡዎም።
ኣብታ 8.9 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ሓደ ክኢላ ስነ ሕማም ጥራይ እዩ ዘሎ፤ ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ገበነኛታት ንምድላይ ዘድሊ መርትዖታት ምእካብ ኣይከኣልን።
ኣብ ሴራሊዮን፡ ኣብ ጥንቆላ ዘሎ እምነት እውን ኣዝዩ ሱር ሰዲዱ ስለ ዘሎ፡ ብዙሓት ኣባላት ፖሊስ ከይተረፈ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ጉዳያት ክከታተሉ ይሰግኡ።
ጕጅለ ቢቢሲ ኣፍሪካ ኣይ፡ ክልተ 'ጁጁ' ኢና ዝበሉ ሰባት ክረክብ ክኢሉ፤ እዚኦም ነቲ ልምዲ ንምፍጻም ዝኸውን ክፍሊ ኣካላት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ነጊሮምዎም።
ክልቲኦም ኣካል ናይቶም ዓበይቲ መርበባት ምዃኖም ገሊጾም፣ ሓደ ድማ ኣብ መላእ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓያላት ዓማዊል ከም ዘለውዎም ይዛረብ። ቢቢሲ ነዚ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ሓደ ኣባል እታ ጕጅለ መርመራ፡ ብሕቡእ ዑስማን ዝብል ስም ተጠቒሙ፡ ሰብኣዊ መስዋእቲ ብምግባር ስልጣን ክረክብ ዝደሊ ፖለቲከኛ ኰይኑ ቀሪቡዎም።
መጀመርታ ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ጥቓ ዶብ ጊኒ ዝርከብ ርሑቕ ከባቢ ዞባ ካምብያ ተጓዒዝና፤ ነቲ ጁጁ ዝበሃል ሰብኣይ ኣብቲ ምስጢራዊ መቕደሱ - ምስ ዓማዊሉ ዝመኽረሉ ጽዑቕ ጫካታት ዘለዎ ከባቢ - ክንረኽቦ ማለት እዩ።
ንነብሱ ካኑ እናበለ መንነቱ ንምሕባእ ምሉእ ገጹ ብቀይሕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተሸፊኑ፡ ብዘለዎ ፖለቲካዊ ምትእስሳራት ይጅሃር ነበረ።
"ምስ ገለ ዓበይቲ ፖለቲከኛታት ኣብ ጊኒ፡ ሰኔጋልን ናይጀርያን ይሰርሕ ነይረ፣ ጕጅለ ኣለና። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ግዜ መረጻ፡ ለይቲ፡ እዚ ቦታ ብሰባት ዝመልአ'ዩ፡" ክብል ይገልጽ።
እዋን መረጻ፡ ገለ ሰባት ብሰንኪ ልዑል ሓደጋታት ጭውያ ከም ሓደገኛ እዋን ስለ ዝቝጸር፡ ወለዲ ንደቆም ፍሉይ ክንክን ክገብሩ መጠንቀቕታ ዝህብሉ እዋን እዩ።
ካኑ፡ ኣብ ካልኣይ ምብጻሕ ዝያዳ ርእሰ ተኣማንነት ብምፍጣር፡ ንዑስማን መርትዖ ንግዲ እዩ ዝበሎ - ርእሲ ሰብ - ኣርእይዎ።
"እዚ ትርእዮ ዶ ኣለኻ? እዚ ናይ ሓደ ሰብ እዩ። ኣነ ኣድሪቐሎም። ርእሲ ጓል ኣንስተይቲ እዩ። እቲ ሰብ ነዚ ሎሚ ወይ ጽባሕ ክወስዶ እየ ዝጽበ ዘለኹ።"
ብድሕሪ መቕደሱ ንዝነበረ ጉድጓድ'ውን እናርኣዮ፡ "ኣብዚ ቦታ እዚ ኢና ኣካላት ደቂ ሰባት ንሰቅል። ኣብዚ ኢና ንሓርድ፡ እቲ ደም ድማ ኣብኡ ይፈስስ... ዓበይቲ ራእስታት ከይተረፉ፡ ስልጣን ምስ ዝደልዩ፡ ናብዚ ይመጽኡ፣። ኣነ ዝደለይዎ እህቦም።"
ዑስማን፡ መሓውር ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝደሊ ምስ ኣነጸረ፡ ካኑ ናብ ንግዲ ኣትዩ፤ "ዋጋ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ 70 ሚልዮን ልዮን [$3,000] እዩ፡" በለ።

ንዝዀነ ሰብ ኣብ ሓደጋ ከየእቱ ስለ ዝተጨነቕና፡ ዳግማይ ምስ ካኑ ኣይተራኸብናን።
መታለሊ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ንሕና ግን መርትዖታትና ንፖሊስ እቲ ከባቢ ኣረኪብና።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ደቂ ተባዕትዮ ጁጁ ሓድሓደ ግዜ ንነብሶም 'ባህላዊ ሓካይም' ኢሎም ይጽውዑ።
እዚ ስም እዚ ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣትክልቲ እቲ ከባቢ ዝስራሕ ባህላዊ መድሃኒት ንዝጥቀሙ ፈወስቲ ዝወሃብ ስም እዩ።
ኣብ 1990ታት ብኣረሜናዊ ኲናት ሓድሕድ ዝተሳቐየት ሴራልዮን፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ማእከል ለበዳ ኢቦላ ከም ዝነበረት ይፍለጥ።
መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ 2022 ኣስታት 1000 ምዝጉባት ሓካይም ነይሮምዋ።
እዚ ድማ ምስቲ 45 ሽሕ ባህላዊ ሓካይም ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።
መብዛሕትኦም ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ሰባት፡ ኣብዞም ፈወስቲ ዝምርኰሱ ኰይኖም፡ ኣብ ጉዳይ ጥዕና ኣእምሮ ከይተረፈ ባህላዊ መድሃኒታትን መንፈሳውነትን ተጠቒሞም ይሕክሙ።
ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ባህላውያን ፈወስቲ ሴራሊዮን ሸኩ ታራዋሊ፡ ከም በዓል ካኑ ዝኣመሰሉ "ሰይጣውንቲ" ጁጁ ደቂ ተባዕትዮ ስም ባህላዊ ፈወስቲ የበላሽው ኣለው ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ኣለዎ።
"ዝጠፍአ ምስልና ንምዕራይ ኣዚና ንጽዕር ኣለና። እቲ ተራ ሰብ ስለ ዘይርድኦ፡ [ንዅላትና] ከም ሕማቓት ናይ ባህሊ ሓካይም ይርእዩና። ሓደ ዝበስበሰ ዓሳ ነቲ ዕስለ ዓሳ ከጥፍኦ ይኽእል'ዩ... ፈወስቲ ኢና፡ ቀተልቲ ኣይኰናን፡" ክብል ንቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ተዛሪቡ።
ሚስተር ታራዋሊ ብሓቂ ምስ መንግስትን ካልእ ዘይመንግስታዊ ትካልን ብምዃን ሕሙማት ዝሕክም ክሊኒክ ባህላዊ መድሃኒት ክኸፍት ይጽዕር ኣሎ።
መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ እቲ ልማዳዊ ቅትለት ዘለዉ ሰባት፡ ሃረርታ ስልጣንን ገንዘብን ዘለዎም ሰባት እዮም ኢሉ ይኣምን።
"ሓደ ሰብ መራሒ ክኸውን ምስ ዝደሊ... ኣካላት ደቂ ሰባት የውጽእ። ነዚ ከም መስዋእቲ ይጥቀመሉ። ንሰባት የቃጽል፡ ሓሙኽሽቱ ንስልጣን ይጥቀመሉ፣ ዘይቱ ንስልጣን ይጥቀመሉ።"
ኣብታ ዝበዝሑ ሰባት ኣስላም ወይ ክርስትያን ምዃኖም ዝንገረላ ሴራሊዮን ብዝሒ እቲ ዝፍጸም ልማዳዊ ቅትለት ኣይተፈልጠን።
"ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ልማዳዊ ቅትለት ከም ፍሉይ ወይ ንኡስ ምድብ ቅትለት ብወግዒ ኣይተወስደን፡" ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣቤሪስትዊት ዓባይ ብሪጣንያ ተመራማሪ ዝዀነ ኢማኑኤል ሳርፖንግ ኦውሱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ገሊኦም ከም ሓደጋታት፡ ብሰንኪ መጥቃዕቲ እንስሳ ዘገዳም ዝመጽእ ሞት፡ ነብሰ ቅትለት፡ ተፈጥሮኣዊ ሞት ተባሂሎም እዮም ዝምዝገቡ... መብዛሕትኦም ገበነኛታት - ምናልባት 90% - ኣይእሰሩን እዮም።"
ኣብታ ዕጸፋርስ ብምጥቃምን ካልእ ገበናትን እትፍለጥ ዋተርሉ ተባሂላ እትጽዋዕ ከባቢ ርእሰ ከተማ ፍሪታውን ምስ ዝነብር ካልእ ጥርጡር ኣቕራቢ ክፍሊ ኣካላት ተራኺብና።
"በይነይ ኣይኰንኩን፤ ኣብ ትሕተይ ዝሰርሑ ክሳብ 250 ዝበጽሑ ናይ ባህሊ ሓካይም ኣለዉኒ፡" ኢሉ።
ንሱ፡ ንነብሱ ኢዳራ ኢሉ ዝጽውዕ ኰይኑ፡ ዑስማን ምስጢራዊ ካሜራ ሒዙ ይቐድሖ ነይሩ።
"ንሕና ዘይንሰርሓሉ ክፍሊ ሰብ የለን። ዝደለናዮ ፍሉይ ክፍሊ ኣካላትና ምስ ጸዋዕና፡ ድሕሪኡ የምጽእዎ። ነቲ ስራሕ ንኽፈል፡" ይብል ኢዳራ።
ኣስዒቡ ድማ ገለ ካብ ተሓባበርቱ ከመይ ጌሮም ሰባት ኣብ ምሓዝ ንፉዓት ምዃኖም ገሊጹ። ምስ ዑስማን ንኻልኣይ ግዜ ምስ ተራኸቡ ድማ፡ ምሸት ምሸት ቀጻሊ ግዳይ ዝኸውን ሰብ ንምርካብ ክንወጽእ ኢና ናይ ዝብሉ ሰባት ናይ ድምጺ መልእኽቲ ኣስሚዑዎ።
ዑስማን ነዚ መደብ ከይፍጽም እኳ እንተነገሮ፡ ድሒሩ ግን ጋንትኡ ግዳይ ኣለልዩ ዝብል ሓበሬታ ካብ ኢዳራ ምስ በጽሖ ምስ ኮሚሽነር ፖሊስ ኢብራሂም ሳማ ተራኺብና።
እንተዀነ፡ ፖሊስ ብዘይ ተሳትፎ ናይቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንፖሊስ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስርሒታት ዝሕግዝ ሚስተር ታራዋሊ ከም ዘይሰርሑ ገሊጹ።
"ሓደ ፍሉይ ሓደገኛ ጠንቋሊ ከም ዘሎ ስለያዊ ሓበሬታ ምስ ረኸብና፡ ምስቶም ባህላውያን ፈወስቲ ኢና ንሰርሕ፡" ይብል ሓጋዚ ተቘጻጻሪ ኣሊዩ ጃሎ።
ኢዳራ ምስ ተታሕዘ - ካራ ሒዙ ኣብ ናሕሲ ተሓቢኡ ምስ ተረኽበ - ሚስተር ታራዋሊ፡ ኣዕጽምቲ ሰብ፡ ጸጉሪ ሰብን ካብ መቓብር ዝወጽእ ሓመድ ዝመስል ኵምራታትን ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ነቲ መርትዖ ንምርካብ ክምርምሮ ጀሚሩ።
እዚ ድማ ፖሊስ ንኢዳራን ካልኦት ክልተ ሰባትን ንምእሳር እኹል እዩ ነይሩ።
ኣብ ሰነ ብጥንቆላ ከምኡ'ውን ኣብ ልማዳዊ ቅትለት ዝጥቀሙሉ ባህላዊ ኣጽዋር ሒዞም ተኸሲሶም።
እንተዀነ፡ ገበን ከም ዘይብሎም ብምእማን፡ ካብኡ ንደሓር ድማ ተወሳኺ መርመራ ክሳብ ዝግበር ዋሕስ ተፈቒዱሎም።

ብዛዕባ ካኑ ካብ ፖሊስ ካምብያ መልሲ ሰሚዕና ስለ ዘይንፈልጥ፡ ብዛዕባ እቲ ክሲ ብቐጥታ ንምሕታት ብቴሌፎን ጻዕሪ ተገይሩ፤ ግን ኣይሰለጠን።
ብዙሓት ጕዳያት ክትትል ከይተገብረሎም ዝተርፉ ኣጋጣሚታት ኣሎ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ፍሪታውን ሓደ መምህር ዩኒቨርሲቲ ደሃዩ ጠፊኡ፤ ድሒሩ ድማ ሬሳኡ ኣብቲ ፖሊስ ኣብ ዋተርሉ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ባህላዊ ሓኪም እዩ ዝብሎ ተቐቢሩ ተረኺቡ።
እቲ ጉዳይ ኣብ ነሓሰ 2023 ብዳኛ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እኳ እንተኸኣለ፡ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተላዕለን ብፖሊስ ዝተኣስሩ ሰባት ብዋሕስ ከም ዝተፈትሑን ክልተ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ስድራ ነዚ ጸብጻብ ታይሰን ኮንተህ፡ ፍትሒ ንምርካብ ተመሳሳሊ መሰናኽላት የጋጥሞም ኣሎ።
ኣብ ግንቦት፡ ቢቢሲ ነዚ ጕዳይ ኣብ ዝምርምረሉ ዝነበረ እዋን፡ ጓል 28 ዓመት ጓል ሓፍቲ ኣቦኡ ፋጡማታ ኮንተህ ኣብ ማከኒ ተቐቲላ።
እታ ኣደ ክልተ ቈልዑን ሰራሒት ጸጕሪ ርእሲን ዝነበረት፡ ድሕሪ ዕለተ ልደታ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ሬሳኣ ኣብ ወሰን ጽርግያ ተደርብዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ድማ፡ ካልኦት ክልተ ሬሳታት ከም ዝተረኽቡ ሓደ ነባሪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሓያሎ ናይ ቅድሚት ኣስናና ስለ ዝጠፍአ፡ እቲ ሕብረተሰብ ልማዳዊ ቅትለት ምዃኑ ክኣምን ገይርዎ።
ሓዘንተኛ፡ ስድራቤት፡ ፈተውታን መሳርሕታን ኣብቲ ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ መስጊድ ንቀብሪ ኣብ ዝተኣከቡሉ ዝነበሩ እዋን፡ "ፈጺማ ክፋእ ዘይገበረት ሰብ እያ ነይራ። ኣዝያ ሰላማዊትን ጻዕራምን እያ ነይራ፡" ክትብል ሓንቲ ሓዘንተኛ ተዛሪባ።
ንቕትለት ፋጡማታ ዝደረኸ ነገር ፈጺምና ኣይንፈልጦን ንኸውን።
እቶም ስድራቤት ሬሳኣ ንምርመራ ናብ ፍሪታውን ንኽጓዓዝ ገንዘብ ከፊሎም - ሰበስልጣን ክገብርዎ ዓቕሚ ዘይነበሮም ነገር - እንተዀነ እቲ መርመራ ሬሳ ውዱእ ኣይነበረን።
ክሳብ ሕጂ'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የለን።
እዞም ክስተታት፡ ኣብ ከም በዓል ማከኒ ዝኣመሰሉ ድኻታት ማሕበረሰባት ፍርሕን ራዕድን ይፈጥሩ እዮም ዘለው።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







