'ንጽገ፡ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሞንትሪያል ክርእያ ተስፋ እገብር' - ፕረዚደንት ዩሲኣይ ዴቪድ ላፖርተንት

ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ደቀንስትዮ ትሕቲ 18 ዓመት፡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ጽገ ካሕሳይ፡ ንብዙሓት ዘደነቐ ውጽኢት ከተመዝግብ ተራእያ።

መበል 98 ሻምፒዮና ዓለም፡ ካብ 21 ክሳዕ 28 መስከረም 2025 ንፈለማ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ - ርዋንዳ - ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ።

ጽገ፡ ነቲ ዓቐበት ዝበዝሖ 74 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ውድድር ብሽክለታ፡ ብሰለስተ ካልኢት ጥራይ ድሒራ ሻብዐይቲ ብምውጻእ፡ ብኣዝዩ ዝነኣድ ውጽኢት ውድድራ ዛዚማ።

እዚ ድማ፡ ኣብቲ ውድድር ብኣፍሪቃውያን ካብ ዝተመዝገበ እቲ ዝበለጸ ውጽኢት እዩ። ጽገ፡ ድሕሪ እቲ ውድድር ንጀረሚ ፎርድ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ እቲ ውድድር በዳሂ ከም ዝነበረ እያ ገሊጻ።

"ምስ ዓበይቲ ጋንታታት ምውድዳር ናይ መጀመርታይ ምስ ምዃኑ ጽቡቕ እዩ - ፈታኒ ነይሩ። ግን ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ቀዳሞት ብምእታወይ ሕጕስቲ እየ፡" ኢላ።

ፕረዚደንት ማሕበር ዓለምለኸ ቅድድም ብሽክለታ፡ ዴቪድ ላፖርተንት፡ ብብቕዓት ጽገ ከም ዝተደነቐ ንጸሓፊ ስፖርት ቢቢሲ ጀረሚ ፎርድ ኣብ ዝሃቦ ቃል ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ናብ መዛዘሚ መስመር እቲ ውድድር ብምምጻእ እንቋዕ ደስ በለኪ ክብላ'ውን ተራእዩ።

"ብሓቂ ዘደንቕ እዩ ነይሩ፤ ሰለስተ ኪሎሜትር ምስ ተረፎ ክትዕወት ትጽቢት ነይሩና፤ ግን ኣብ ኮብልስቶን ወዲቓ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣዝያ ብርትዕቲ ኰይና ተመሊሳ። ስለዚ፡ ዓወታ ቀዳመይቲ ካብ ምውጻእ ዝረሓቐ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ፡ "ኣፍሪቃዊት ተቐዳዳሚት ብኸምዚ ደረጃ ምርኣይ ዓብይን ዘደንቕን እዩ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሞንትሪያል ክትምለስ ተስፋ እገብር፡" ክብል ተዛሪቡ።

ጽገ ካሕሳይ፡ ኣብቲ ውድድር ካብኡ ንላዕሊ ውጽኢት ከተመዝግብ እኳ ትጽቢት እንተ ነበራ፡ በቲ ዘመዝገበቶ ውጽኢት ኣዝያ ሕጕስቲ ምዃና ትገልጽ።

"ኣብ ሜዳልያ ክኣቱ እየ ምድላው ገይረ ነይረ፤ ግን ብደረጃ ዓለም ምስ 10 ቀዳሞት ብምእታወይ ኣዝዩ ደስ ኢሉኒ'ዩ። ኣፍሪቃውያን እንተ ሰሪሕና ካብዚ ንላዕሊ ከም እነምጽእ እኣምን፣ እንተ ሰሪሐ ከም ዝዕወት ድማ ርግጸኛ እየ፡" ክትብል ተዛሪባ።

ኣብዚ ውድድር ኢጣልያዊት ፒጋሎ ቻንታልን ስዊዘርላንዳዊት ኣንጃ ክሮስማንን ብቕጽበታዊ ውድድር ብፓውላ ኢስቲዝ ተበሊጸን ብቕደም ተኸተል ካልኣይትን ሳልሰይትን ኰይነን ኣትየን።

ነዚ ውድድር ንምክያድ ኣብ መበገሲ ውድድር ካብ ዝተረኸባ 72 ተቐዳደምቲ፡ እተን 15 ነዚ ውድድር ክውድእኦ ዘይምኽኣለን ጽንኵርነት ናይቲ ውድድር ዘርኢ'ዩ።

እዛ ካብ ክልል ትግራይ ዝመጽአት መንእሰይ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ንዝካየዱ ውድድራት ብሽክለታ ዓብሊላቶም እያ ጸኒሓ።

ምስቲ ኣብ 2023 ካብ ቅድድም ብሽክለታ ዝተሰናበተ ተቐዳዳሚ ዎርልድ ቱር ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚ ጽጋቡ ገብረማርያም ክትሰርሕ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ንሱ፡ ንጽገ ምስ ማእከል ፕሮግራም ኣፍሪቃ 2025 ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (UCI) ከም ዘራኸባ ይግለጽ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ኣብ ትግራይ ንሓሙሽተ መዓልቲታት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዙር ትግራይ፡ ጽገ ዓብሊላቶ ተራእያ እያ።

ኣብቲ ውድድር፡ ኣርባዕተ መድረኻት ክትዕወት እንከላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ (23 ክሳዕ 29) ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ቱር ዲ ላቬነር ፌምስ ትሕቲ 23 ዓመት ደቀንስትዮ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ተሳቲፋ ነይራ።

እዚ ውድድር ናይ ዓቐበትን ናይ ግዜን ውድድራት ሓዊሱ ዝተፈላለዩን በዳህቲ መድረኻት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ዞባውን ሃገራውን ጋንታታት ዝሳተፋሉ እዩ።

ዕላምኡ ድማ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ተቐዳደምቲ ናብ ወሳኒ ናይ ዕብየት መድረኻት ንኽጽግዓን መጻኢ ዓለምለኻዊ ውድድራት ዘለወን ተውህቦ ከለልያን ምሕጋዝ እዩ።