ህንድን ፓኪስታንን ናብ ኑክሌራዊ ኲናት ክኣትዋ ተቓሪበን ነይረን- ፖምፐዮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ህንድን ፓኪስታንን ኣብ ለካቲት 2019 ናብ "ኑክሌራዊ ረጽሚ" ክኣትዋ "ቀሪበን" ነይረን ክብል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ማይክ ፖምፐዮ ኣብ ዘሕተሞ ሓድሽ መጽሓፍ ገሊጹ።
እቲ ወጥሪ፡ ህንዲ ኣብ ውሽጢ ፓኪስታን ንዝነበሩ ዕጡቓት ዒላማ ዝገበረ ወጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ'ዩ ተፈጢሩ ነይሩ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ካሽሚር ዝነበሩ ወተሃደራት ህንዲ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ንምሃብ ዝተወስደ'ዩ።
ኣብቲ እዋን፡ ፓኪስታን ክልተ ነፈርቲ ውግእ ህንዲ ሃሪማ ከምዘውደቐትን ሓደ ኣብራሪ ከምዝማረኸትን ኣፍሊጣ ነይራ።
ክልቲአን ሃገራት ብምልኡ እቲ ኣሰሓሓቢ ዞባ ካሽሚር ከምዝግብአን'የ ዝምጉታ፡ እንተኾነ ግን ነናተን ክፋላት ጥራይ'የን ተቖጻጺረን ዘለዋ።
ፓኪስታን ንተነጸልቲ ዕጡቓት ካሽሚር ትድግፎም'ያ ክትብል ህንዲ ትኸስስ። ኢስላማባድ ግን ነቲ ክሲ ትነጽጎ።
እተን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝዓጠቓ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ 1947 ካብ መግዛእቲ ብሪጣንያ ናጻ ድሕሪ ምውጽአን ኣንጻር ሓድሕደን ሰለስተ ኲናት ኣሕሊፈን'የን። ብዘይካ ሓደ ካብኦም ከኣ ብዞባ ካሽሚር ዝተላዕሉ'ዮም ነይሮም።
ፖምፐዮ፡ ኣብታ 'ፈጺመ ስድሪ ኣይህብን፡ ነታ ዘፍቅራ ኣመሪካ እቃለስ' (Never Give An Inch: Fighting for the America I Love) እትብል መጽሓፉ'ዩ ነቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ኣዘንትዩ ዘሎ።
"ንሕንሕ ህንድን-ፓኪስታንን ክሳብ ክንደይ ናብ ኑክሌራዊ ረጽሚ የምርሕ ምንባሩ ዓለም ብዝግባእ ትፈልጦ ኣይመስለንን"።
"እቲ ሓቂ ኣነዉ'ን፡ ክሳብ ክንደይ ምንባሩ ብልክዕ ኣይፈልጦን'የ፡ ኣዝየን ተቓሪበን ምንባረን ጥራይ'የ ዝፈልጥ" ኢሉ።
ፖምፐዮ፡ "ምስ ሰሜን ኮርያውያን ብዛዕባ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምልዛብ" ኣብ ሃኖይ (ቬትናም) ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ እንከሎ "ፈጺመ ዘይርስዓ ለይቲ" ክብል ዝገለጾ ኩነታት ተፈጢሩ።
ኣብቲ እዋን "ህንድን ፓኪስታንን፡ በቲ ኣብ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ኣብ ዶባተን ዘሎ ምስሕሓብ ዞባ ካሽሚር ብዝተሓሓዝ ንሓድሕደን ከፈራርሓ ጀሚረን" ይብል።
እቲ ልዕሊ 40 ወተሃደራት ህንዲ ዝቐተለ "እስላማዊ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ. . .ናይ ፓኪስታን ልሕሉሕ ፖሊሲ ጸረ-ሽበራ ዕድል ዝፈጥረሉ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ" ክብል ፖምፐዮ ጽሒፉ'ሎ።
በቲ መጥቃዕቲ ዝተቖጥዐት ህንዲ ብወገና፡ ኣንጻር እቶም ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ ፓኪስታን ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዳ። "ኣብ ዝቐጸለ ጭርጭር-ዓበደ ፓኪስታናውያን ሓንቲ ነፋሪት ሃሪሞም ብምውዳቕ፡ ሓደ ህንዳዊ ኣብራሪ ማሪኾም"።
ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ምስ ሓደ ስሙ ዘይጠቐሶ "መዘና" ክዘራረብ፡ ለይቲ ኣብ ሃኖይ፡ መሳርሕቱ ኣበራቢሮሞ።
"ፓኪስታናውያን፡ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኑክሌራዊ ኣጽዋሮም የዳልዉ ከምዝነበሩ ኣሚኑ ነይሩ። ህንዲ ብወገና ናታ ምድላዋት ትገብር ምንባራ ሓቢሩኒ" ይብል ማይክ ፖምፐዮ ኣብ መጽሓፉ።
"ዋላ ሓደ ከይገብር ሓቲተዮ፡ ሓደ ደቒቕ ሃበና ነገራት ክንፈትሕ ኢለዮ"።
እቲ ጸሓፊ፡ (ሚኒስተር) ጉዳያት ወጻኢ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝነበረ፡ ኣብ መጽሓፉ ከምዝበሎ፡ ምስቲ "ኣብቲ ዝነበርናሉ ሆቴል ዝነበረና ውሑስ ናይ መራኸቢታት ማእከል" ዝነበረ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጸጥታ ጆን ቦልተን ኮይኑ ክሰርሕ ጀሚሩ።
ናብቲ "ንብዙሕ እዋናት ዝረኽቦ ዝነበርኩ" ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ፓኪስታን ጀነራል ቃማር ጃቨድ ባጅዋ ብምድዋል፡ "ነቲ ህንዳውያን ዝበሉኒ ነጊረዮ"።
"ሓቂ ኣይኮነን ኢሉኒ። ዝኾነ ክግምቶ ከምዝኽእል፡ ህንዳውያን ኑክሌራዊ ኣጽዋር የዳልዉ ስለዘለዉ'ዮም ከምኡ ዝብሉ ዘለዉ ኢሉ ኣሚኑ። ገለ ቁሩብ ሰዓታት ወሲዱልና። ሳላ'ቶም ኣብ ኒውደልሂን ኢዝላማባድን ዝነበሩ መሳርሕትና ዘካየድዎ ዝንኣድ ስራሕ ግን ንክልቲኦም ወገናት ንኑክሌራዊ ኲናት ከምዘይተዳለዉ ከነእምኖም ኪኢልና" ይብል።
"ሓደገኛ ሳዕቤን ንምግታእ ከምቲ ኣብታ ለይቲ ዘካየድናዮ ስራሕ ዝኾነት ሃገር ኣይምገበረትን" ይብል ፖምፐዮ።
ህንዲ ትኹን ፓኪስታን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ፖምፐዮ ዝገለጾ ኩነታት ርእይቶ ኣይሃባን።
እቲ ኣብ 2019 ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ኣብ ፓኪስታን ዝመደበሩ 'ሰራዊት መሓመድ' (ጀስ ኢ-መሓመድ) ዝተባህለ ጉጅለ ዘካየዶ'ዩ ነይሩ። ህንዲ ግብረመልሲ ክትህብ ምዃና ኣጠንቂቓ ነይራ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ 1971 ዘካየድኦ ኲናት፡ ህንዲ ንፈለማ እዋን ኣብ ውሽጢ ፓኪስታን መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ። ብዙሓት ዕጡቓት ከምዝቐተለት ህንዲ ገሊጻ ነይራ።
ፓኪስታን ግን፡ ነቲ ህንዲ ዝወሰደቶ መጥቃዕቲ "ዘይሓላፍነታዊ" ክትብል'ያ ገሊጻቶ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







