ህንድን ፓኪስታንን ብክሊ ኣየር ይማጎታ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ህንዲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ብነብሰ ቅትለት ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቃት ናይ ኣየር ደብዳብ ከም ዘካየደት ኣፍሊጣ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ፡ ቪጃይ ጎክሃለ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ባላኮት ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ ክሕብር እንከሎ፡ ኣብቲ ፓኪስታን ተመሓድሮ ክፋል ናይ ካሽሚር ምዃኑን ዘይምዃኑን ግን ኣየነጸረን።
ፓኪስታን ብወገና፡ ከም ግብረ መልሲ ናይ ኲናተ ነፈርቲ ከም ዘበገሰት ሓቢራ።
እዚ ከምዚ ዓይነት ምንቅስቃስ፡ ነዘን ኒዩክለር ዝዓጠቃ ክልተ ጎሮባብቲ ሃገራት ናብ ዝለዓለ ምፍጣጥ ከየዕርገን ስክፍታታት ኣሎ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ቪጃይ ጎክሃለ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንጉጅለ ዕጡቃት 'ጃይሽ እ ሞሓመድ' (JeM) ዕላማ ዝገበረ ምንባሩ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብቲ ብህንዲ ዝምሓደር ፑልዋማ ዝተብሃለ ክፋል ካሽሚር፡ ብነብሰ ቅትልት ዝተሰነየ ኣብ ልዕሊ ናይ ጸጥታ ኣካላት ህንዲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ'ዩ፡ ህንዲ ግብረ መልሲ ትህበሉ ዘላ።

ኣብ ፑልዋማ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ ነይሩ?
14 ለካቲት፡ 46 ፖሊስ ህንዲ ኣብ ካሽሚር ብወተሃደራዊ ስርሒት ተቐቲሎም፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ህንዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓስርተ ዓመታት ብብዝሒ ዝልዓለ ይገብሮ።
እዚ ብነብሰ ቅትልት ዝተሰነየ መጥቓዕቲ፡ በቲ ኣብ ፓኪስታን ዓሪዱ ዘሎ ብጃይሽ እ ሞሓመድ ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ ከም ዝተፈጸመ'ያ ህንዲ ትኸስስ።
እዚ ክስተተ ክኣ፡ ነዘን ክልተ ኑክለር ዝዓጠቃ ጎርባብቲ ሃገራት ናብ ዝልዓለ ምትፍናን ኣዕሪግወን ይርከብ።
ፖኪስታን ኣብዚ መጥቃዕቲ ኢድ ከም ዘይብላ ክትሕብር እንከላ፡ ህንዲ ግን እዚ መጥቃዕቲ ኢድ ናይ ፖኪስታን ከም ዘለዎን ነቶም ጃይሽ እ ሞሓመድ ዝፍለጡ ዕጡቓት መዕቆቢ ቦታ ብምሃባ ንፖኪስታን ትኸሳ ኣላ።
ህንድን ፓኪስታንን ንካሽሚር ትግብኣኒ እያ ብምባል፡ ኣብ 1947 ካብ ብርጣንያ ናጻ ድሕሪ ምውጸአን ሰለስተ ግዜ ዓበይቲ ኲናት ኣካይደን ኣለዋ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ኢመራህ ክሃን ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህንዲ ንሰላም ዝኽውን ዕድል ክትህብ ከም ዘለዋ ብምዝራብ፡ ህንዲ ንእትወስዶ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ሃገሩ ግብረ መልሲ ከም እትህብ ኣጠንቂቑ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







