ቻይናን ኣመሪካን ዝኣተዋኦ ስምምዕ ከም ዝተጣሕሰ ሓድሕደን ይካሰሳ

ቻይና፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ በይጂን ኣብ ጉዳይ ቀረጽ ንዝተሰማምዕሉ ውዕል ከም ዝጠሓሰት ብዓርቢ ንዘቕረቦ ወቐሳ ንእለቱ ግብረመልሲ ሂባ።

ትራምፕ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቻይና ምሳና ዝገበረቶ ስምምዕ ጥሒሳ፡" ክብል እኳ እንተ ገለጸ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን። ወኪል ንግዲ ኣመሪካ ጀሚሰን ግሪር ግን ቻይና ብመሰረት ስምምዖም ነቶም ካብ ቀረጽ ወጻኢ ዝዀኑ ዕንቅፋታት ገና ከም ዘይኣለየቶም ገሊጹ።

በይጂን ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፡ ኣመሪካ "ኣብ ልዕሊ ቻይና እትገብሮ ኣድልዎ ዝመልኦ ገደብ ከተቋርጽ፡" ኣተሓሳሲባ።

እቲ ካብ ክልተኦም ወገናት ዝወጽአ ሓያል መግለጺታት፡ ዋላ'ኳ ኣብ ቀረባ እዋን ዘተ እንተ ተኻየደ፡ ኣብ መንጐ እዘን ብቝጠባ ሓያላት ዝዀና ሃገራት፡ ንግዳዊ ወጥሪ መሊሱ ከይጋደድ ስክፍታታት ኣስዒቡ ኣሎ።

ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ምምሕዳሩ ዘቐመጦ ቀረጽ ንቻይና "ኣዕናዊ" ምንባሩ ብምግላጽ፡ ካብቲ "ኣዝዩ ሕማቕ፡" ክኸውን እዩ ዝበሎ ኵነታት ንምድሓን፡ "ህጹጽ ውዕል፡" ከም ዝገበረ ኣብሪሁ።

ምኒስትሪ ንግዲ ቻይና፡ ክልተአን ሃገራት ነናብ ሃገራተን ኣብ ዝኣቱ ኣቑሑት ምንካይ ቀረጽ ከካይዳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጀኔቫ ናብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ብምጥቃስ፡ ኣመሪካ ግን ነቲ ስምምዕ "ብሓደገኛ መንገዲ ዘዳኽም፡" ስጕምትታት ከም ዝወሰደት ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ፡ እቲ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ነቲ ኣብ ጥሪ ብኽልተኦም መራሕቲ ብተለፎን ኣብ ዝተገብረ ርክብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብዓቢይ ዝጥሕስ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣመሪካ ኣብ ግንቦት ኣብ ጀነቫ ብዝበጽሐቶ ንግዳዊ ስምምዕ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቝሑት ቻይና ዘንበረቶ ቀረጽ ካብ 145 ሚእታዊት ናብ 30 ሚእታዊት ከም ዝቐነሰቶ ይፍለጥ።

ቻይና ብግደኣ ኣብ ልዕሊ ኣቝሑት ኣመሪካ ዝሰልዓቶ ቀረጽ ካብ 125 ሚእታዊት ናብ 10 ሚእታዊት ኣውሪዳቶ።

ትማሊ ሰኑይ በይጂን፡ ኣመሪካ ንቻይናውያን ኩባንያታት መሸጣ ሶፍትዌር ዲዛይን ቺፕ ኮምፒተር ደው ብምባል፡ ንቻይናዊት ትካል ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ኣብ ሃገራ ቺፕ ከይጥቀም ምጥንቃቕን ንቻይናውያን ተምሃሮ ቪዛ ምስራዝን ዝኣመሰሉ ንጥሕሰት ናይቲ ስምምዕ ዘርዚራ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዋይት ሃውስ፡ ትራምፕን ሺን ኣብ ቀረባ እዋን ክራኸቡ ከም ዝኽእሉ ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ጸሓፊት ግምጃ ኣመሪካ ቤሳንት ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሺን ትራምፕን ምስ ተዘራረቡ ዝርዝር ናይቲ ንግዳዊ ስምምዕ "ክዳሎ" ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸት፡ መዓስ ከም ዝኸውን ግን ኣየነጸረትን።

ዳይረክተር ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ቍጠባ ኬቪን ሃሰት ንኤቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክልተኦም መራሕቲ ኣብዚ ሰሙን ተራኺቦም ክዘራረቡ ድልዋት ምዃኖም ገሊጹ።

ሃሰት ብዛዕባ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝርርብ፡ "እቲ ቍውምነገር ናይቲ ዘተ፡ ብኸምቲ እንደልዮ እንተ ዘይከይዱ ክንዳሎ ኣለና፡" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ትራምፕ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓጺንን ኣሉሚንየምን እትኽተሎ ቀረጽ ካብ 25 ሚእታዊት ናብ 50 ሚእታዊት ከም ዘዕብዮ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ትራምፕ ብዓርቢ ኣብ ፒትስበርግ ፔንስልቨንያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ እቲ ስጕምቲ ጽግዕተኛነት ኣብ ቻይና ንምንካይን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኢንዱስትሪ ሓጺንን ሃገራዊ ቀረብን ንምዕባይን ከም ዝሕግዝ ገሊጹ።