እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ሕማም ርእሲ ኰይኑዎ ዘሎ ዕዳጋ ኣመሪካ
ተቐማጢ ኒውዮርክ-ሪቻርድ መዲና ኣብዚ ቀረባ ኣብ ኣይፎኑ-ዝርከብ ካሜራኡ ምስ ተባላሸወ፡ ብዙሕ ግዜ ኣየባኸነን።
ኣብ ልዕሊ ስማርትፎናት ብዝተነብረ ቐረፅ ሰማይ ዝስቀል ዘሎ ወሰኽ ዋጋ፡ ሓድሽ ቴሌፎን ንምርካብ ቀልጢፉ ናብ ኩባንያ ተሌፎን ደዊሉ።
"ሕጂ ነዚ ክንቅይሮ ኣለና' ኢለዮ" ክብል እቲ ወዲ 43 ዓመት ተጻዋታይ ዘኪሩ።
እዚ ስጉምቲ ምልክት ናይቲ ኣብ መላእ ኣመሪካ ዝረአ ዘሎ ጸቕጢ ኮይኑ፡ ስድራቤታት በቲ ዘሰንብድ ወሰኽ ዋጋ ሕማም ርእሲ ፈጢሩሎም ይርከብ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ወርሒ ዘፍለጦ ሰፊሕ ቀረጽ፡ ከስዕቦ ዝኽእል ሕጽረታት'ውን የጨንቘም እዩ።
ገሊኦም ንሕማቕ እዋን ዓዲጐም ከቕምጡ ይጽዕሩ ኣለዉ። ካልኦት ድማ በቲ ሃንደበት ዝተወስደ ስጉምቲ ዝጐደሉ ኰይኑ ይስምዖም፤ ትራምፕ ሓሳቡን መንገዱን ክቕይርን ተስፋ ከምዘለዎም ይዛረቡ።
ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ሃንደበታዊ ለውጢ ፖሊሲ፡ ኣብ ግምት ብምእታው ምሉእ ብምሉእ ዘይምኽንያታዊ ተስፋ ኣይኮነን።
"ምስ'ዚ ፕረዚደንት ክቕፅል ኣይክእልን እየ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሓድሽ ነገር'ዩ" ትብል ጓል 42 ዓመት ኣና ዉድስ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ኣብ ዕረፍቲ ዝርከብ ወዳ፡ እቲ ቀረፅ ከም ዋጋ ቲሸርት ክጸልዎ ከምዝኽእል ዘጠንቅቕ መልእኽቲ ዝረኸበት።
እታ በዓልቲ-ሞያ ሕጊ፡ ጓል 42 ዓመት መንእሰይ፡ ስግኣት ዝሓደራ ዀይኑ፡ ኩነታት ብኸመይ ከምዝቕጽል ግን ንጹር ከምዘይኮነ ትዛረብ።
"በቃ ኣብ ተገማቲ እዋን ንነብር ዘለና ኮይኑ ይስምዓኒ፤ ዕደጋ ክገብር ኣለኒ .... ግን ድማ ኩሉ ኒና ዀይኑ" ትብል።
ብሰንኪ እቲ ዝሓለፈ ቀረጽ ፋይናንሳዊ ዕዳጋ ተቓውሞታት ዘአንግድ ዘሎ ዘሎ ትራምፕ፡ መደባቱ ብተደጋጋሚ ቀይሩ ሎ።
ፈለማ፡ ኣብ ከም ገለ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ተሓሲቡ ዝነበረ ግብሪ፡ ኣብቲ ን90 መዓልታት ዝጸንሕ ዕረፍቲ ተባሂሉ ዝተገልጸ፡ ኣጉደሎ።
ሕዚ ድማ ካልእ ውሳነታቱ ናይ ምስሓብ ስጉምቲ ዝተገደደ ይመስል።
ትራምፕ ውሳነታቱ ክስሕብ ይግደድ'ሎ
ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዊሱ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝፈርዩ ኣቑሑት ከቢድ ቀረፅ ብምንባር፡ ሰረት ንግዲ-ዓለም ዘናግዕ ዘሎ ትራምፕ፡ ካብ ገለ ውሳነታቱ ክስሕብ ዝተገደደ ይመስል።
እቲ ኲናት ንግዲ ኣስዒቡ ተባሂሉ ዝንቀፍ ስጉምቲ ትራምፕ፡ ብፍላይ ምስ ቻይናን ካናዳን ሰፊሕ ዘይምርድዳእ ዝፈጠረ ዀይኑ፡ ዝፀንሐ ህዱእ ርክባት እተን ሃገራት'ውን ተበቲዑ ይርከብ።
ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ስማርትፎናት፣ ኮምፒዩተራትን ገለ ካልኦት ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታትን ካብ ቀረጽ ነጻ ገይሩ ከምዘሎ ድሒሩ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቝሑት ቻይና ክኽፈል ዝተነብረ 125 ሚኢታዊት ቀረፅ ዝሓውስ እዩ።
ጉምሩክን ፓትሮል ዶባትን ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፡ እዞም ዝተጠቕሱ ፍርያት ቴክኖሎጂ፡ ካብቲ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ መብዛሕትአን ሃገራት ክኽፈል ዘቕመጦ 10% ዓለማዊ ቀረጽን፡ ካብቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ኣብ ልዕሊ ቻይናን ዝተነብረ ቀረፅን ክእለ ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ድማ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝኽተሎ ንግዳዊ-ፖሊሲ ንፈለማ እዋን ርኡይ ለውጢ ምዃኑ ዝዛረብ ሓደ ተንታኒ ንግዲ፡ ነቲ ምስሓብ፡ "መቐይሮ ነጥኒ- ንግዲ" ክብል ገሊጽዎ።
ትማሊ ቀዳም ኣጋምሸት ናብ ሚያሚ ኣብ ዝገሹሉ እዋን፡ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ዝመጽእ ሰሙን ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ኣየር ፎርስ ዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ስጉምትና ኣዝዩ ድሩት ክኸውን እዩ፤ ግን ብዙሕ ገንዘብ እዩ ዘኽፍለና ዘሎ። ከም ሃገር ብዙሕ ገንዘብ ኢና ንኸፍል ዘለና፡" ኢሉ።
ብዙሓት ካብቶም ኣቑሑት ኣብ ቻይና ዝፈርዩ ብምዃኖም፡ 'ዋጋታት ስማርትፎናት ሰማይ ክስቀል ይኽእል እዩ' ዝብል ስክፍታታት ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ክቃላሕ ፀኒሑ እዩ።
እቶም ካብ ቀረፅ ነጻ ዝኾኑ ኣቑሑት፡ ክሳብ 5 ሚያዝያ ቀዲሞም ዝኣተዉ ተመሊሱ ዝሰርሕ ስጉምቲ ዀይኑ፡ ካልኦት ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሕታትን መቀያይሪኦምን'ውን ዘጠቓልሉ እዩ።
ሴሚኮንዳክተራት፣ ሶላር ሴላትን መዘክር ካርድታትን'ውን ይርከብዎም።
ኣብ ዌድቡሽ ሲክዩሪቲስ ዓለማዊ ሓላፊ መጽናዕቲ ቴክኖሎጂ ዝኾነ ዳን ኣይቭስ፡ "እዚ ስጉምቲ ንኣውፈርቲ ቴክኖሎጂ ዳርጋ ዘይእመን ሕልሚ'ዩ" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
"ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ቻይና ዝተነብረ ቀረፅ ምልዓል፡ብፍላይ ኣብ ስማርትፎናትን ቺፕስን ክመጽእ ከሎ ጸወታ-ዝቕይር ስጉምቲ'ዩ።"
ንከም ኣፕል፣ ኤንቪድያ፣ ማይክሮሶፍትን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት፡ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ዕረፍቲ ዝፈጥር ከምዝዀነነ ወሲኹ ገሊጹ።
ዋይት ሃውስ፡ እቲ ቀረፅ ናይ ምልዓል ስጉምቲ፡ ኩባንያታት ምህርተን ናብ ኣመሪካ ንምግዓዝ ዝያዳ ግዜ ንክረኽባ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ቀዳመ-ሰናብቲ፡ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ዘሕልፍ ዘሎ ትራምፕ፡ ብዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዘነበሮ ልዑል ቀረጽ ግን ሕጉስ ምዃኑ ገሊጹ።
"ካብዚ ድማ ኣወንታዊ ነገር ክወጽእ'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ" ክብል ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ዘለዎ ርክብ ኣጉሊሑ።
እዞም ኤሌክትሮኒካዊ ኣቑሑት ክሳብ ሕጂ ምስ ፈንታኒል ዝተኣሳሰር 20% ቀረጽ ኣብ ልዕሊ ቻይና ይኽፈሉ ከምዘለዉ ምክትል ሓላፊ ስታፍ ፖሊሲ ዋይት ሃውስ ስቲቨን ሚለር ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ገለ ግምታት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብታ ሃገር፡ ዋጋታት ኣይፎን፡ ኣብ ተጠቀምቲ እንትበፅሕ ክሳብ ብሰለስተ ዕጽፊ ክዓቢ ይኽእል ነይሩ።
ኣመሪካ ዓባይ ዕዳጋ ኣይፎን ክትከውን ከላ፡ ኣፕል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ፍርቂ መሸጣ ስማርትፎናት ከምዘካየደት መፅናዐዕቲ ካውንተርፖይንት ይሕብር።
እቲ መፅናዕቲ፡ ክሳብ 80% ካብተን ኣብ ኣመሪካ ዝሽየጣ ኣይፎናት ኣፕል ኣብ ቻይና ከምዝፈርያን፡ ዝተረፈ 20 ሚኢታዊት ድማ ኣብ ህንዲ ከምዝፈርያን ይገልጽ።
ኣፕል ልክዕ ከም ትካል ሳምሰንግ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ቻይና፡ ቀረብ ሰንሰለታቱ ንምብዛሕ ክጽዕር ጸኒሑ እዩ።
ህንዲን ቬትናምን ተወሳኺ ማእከላት ማኑፋክቸሪንግ ኰይነን፡ ናብ ቅድሚት መፂአን ነይረን።
ግብሪ ኣብ ዝጅመረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣፕል ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ህንዲ ዝፍረዩ ምህርታቱ ከሐይልን ከዕብን ከምዝተራእየ ይግለጽ።
ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዓለም ሰፊሕ ቀረፅ ከንብር መደብ ኣውጺኡ ነይሩ።
ትማሊ ረቡዕ ግን ነተን ብዝለዓለ ቀረጽ ኣመሪካ ዝተሃስያ ሃገራት ናይ 90 መዓልታት ዕረፍቲ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ፤ ብኣንፃሩ ድማ እዚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዘንበሮ፡ ናብ 145% ከምዘዕበዮ ሓበሩ።
ትራምፕ ንቻይና ወሰኽ ቀረጽ ዝገበረ፡ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ኣመሪካ 84 ሚኢታዊት ቀረጽ ብምንባር ሕነ-ክትፈዲ ድልውቲ ብምዃና'ዩ ክብል እዩ ዘመኻንይ።
ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ለውጢ ፖሊሲ፡ ኩለን ኣንጻር ቀረጽ ኣመሪካ ሕነ ዘይፈደያ ሃገራት ነቲ ዕረፍቲ ክሳብ ሓምለ ክረኽባ እየን።