ዓለም ዘናወጸ ሓድሽ ኣዋጅ 'ንግዳዊ ኲናት' ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ኣቑሑት ሓድሽ ቀረጽ ከኽፍል ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እቲ ዝዓበየ ናዕቢ ዓለማዊ ስርዓት ንግዲ እዩ።

ንሱ፡ ኣብ ኵሉ ካብ ሃገራት ወጻኢ ዝኣቱ ፍርያት 10 ሚእታዊት መበገሲ ቀረጽ ከንብር እንከሎ፡ እዚ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ዘቕረቦ እማመ ዝሰማማዕ እዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ዝኽተሎ ዘሎ ሓድሕዳዊ ፖሊሲ ቀረጽ፡ ንሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ጽልዋ ዘሕድር እዩ።

ኣብቲ ቻይና፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብሪጣንያን ካልኦት ሓያላት ሃገራት ዓለምን ዝተጠቕሳሉ ዝርዝር፡ ከም ናይጀርያ፡ ጋና፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ሞሪሸስን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ይርከባ።

ሕብረት ኤውሮጳን ቻይናን ሓዊሱ ዋይት ሃውስ "ኣዝየን ዘትክራ" ኢሉ ካብ ዝገለጸን ኣስታት 60 መሻርኽቲ ንግዲ ዝመጽኡ ኣቑሑት ዝለዓለ መጠን ቀረጽ ክስልዕ እዩ። እዚ ድማ ንዘይፍትሓዊ ፖሊሲታት ንግዲ ዝወሃብ ዘሎ መልሲ ምዃኑ ትራምፕ ገሊጹ።

ተንተንቲ እቲ ንግዳዊ ኲናት ምብራኹ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካውያን ዋጋታት ክውስኽን ኣብ ኣመሪካ ዝሕታለ ዕብየት ከስዕብን ተኽእሎ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ገለ ሃገራት ዓለም ናብ ቍጠባዊ ምንቍልቋል ክጥሕላ ከም ዝኽእላ ገሊጾም።

ትራምፕ ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋይት ሃውስ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሃገራት ልዑል ቀረጽን ካልእ ንግዳዊ ማሕለኻታትን ብምግባር ካብ ኣመሪካ ይርብሓ ስለ ዘለዋ፡ እቲ ስጕምትታት ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሃገራዊ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብምእዋጅ፡ ኣመሪካ ንልዕሊ 50 ዓመታት "ኣብ ቀረባን ርሑቕን ብዘለዋ ሃገራት፡ ፈታዊን ጸላእን ብማዕረ ተዘሚታ፣ ተዘሚታ፡ ተዓሚጻን ተዘሚታን፡" እያ ኢሉ።

ንሱ፡ ትማሊ ብባንዴራ ኣመሪካ ተኸቢቡ እዚ "ኣዋጅ ቍጠባዊ ናጽነትና'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ዋይት ሃውስ፡ ኣመሪካ ነቲ ብ10 ሚእታዊት ዝጅምር ቀረጽ ካብ 5 ሚያዝያ 2025 ጀሚሩ ተግባራዊ ክትገብሮ ምዃና ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ገለ ሃገራት ዝተነብረ ዝለዓለ ቀረጽ ድማ ካብ 9 ሚያዝያ ክጅምር እዩ።

"ሎሚ ንኣመሪካዊ ሰራሕተኛ ደው ኢልና ኣለና፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ንኣመሪካ ቀዳምነት ንህብ ኣለና፡" ዝበለ ትራምፕ፡ "ብኣረኣእያይ፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ካብ ዘለዋ ኣገደስቲ መዓልታት ሓንቲ'ያ፡" ኢሉ።

ውሳነኡ ግን ንብዙሓት ተንተንቲ ኣሰንቢዱዎም ኣሎ።

"በቃ ኣብ ዓለማዊ ስርዓተ ንግዲ ኒዩክለሳዊ ቦምብ ደርብዩ፡" ክብል ላዕለዋይ ክኢላ ስነቍጠባ ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ ነበር ኬን ሮጎፍ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካናዳን ሜክሲኮን ኣይተተንከፋን

ቀረጽ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝኣትዉ ኣቍሑ ዝኽፈል ግብሪ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትራምፕ፡ ንዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ንምዕባይ ክጥቀመሉ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሓድሽ ዘመን ብልጽግና ኣመሪካ ክመጽእ'ዩ ብምባል ተመጻቢዑ ነይሩ።

እቲ ቀረጽ፡ ክሳብ 2034 ኣብ ዘሎ ዓመታት 2.2 ትሪሊዮን ዶላር ኣታዊ ከእቱ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

እዚ ንሰሙና ክዳለወሉ ዝቐነየ ውነሳ፡ ካብ ቻይና ኣብ ዝኣትዉ ኣቑሑት፡ ካብ ሃገራት ወጻኢ ዝመጽኣ መካይን፡ ሓጺንን ኣሉሚንየምን ክስልዑ ዝእዝዝ ኰይኑ፡ ኣብ ገለ ካብ ሜክሲኮን ካናዳን ዝመጽኡ ኣቑሑ ድማ 25 ሚእታዊት ቀረጽ ንምውሳኽ ዝዓለመ እዩ።

ንሕጂ፡ እዚ ዳሕረዋይ ለውጢ ነተን ክልተ ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ንግዲ ዝዀና ሜክሲኮን ካናዳን ዝዀነ ለውጢ ከም ዘይገብር ዋይትሃውስ ገሊጹ።

ካልኦት መሓዙት ሃገራት ግን -ንብሪጣንያ 10%፡ ሕብረት ኤውሮጳ ድማ 20 ሚእታዊት ሓዊሱ - ሓድሽ ቀረጽ ከጋጥመን ምዃኑ ትራምፕ ገሊጹ።

እቲ ስጕምቲ ኣብ ልዕሊ ካብ ቻይና ዝመጽእ ኣቑሑት ሓድሽ 34% ቀረጽ ዘተኣታቱ ኰይኑ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዝጸንሐ 20% ተደሚሩ ብውሑድ ቻይና እትኸፍሎ ቀረጽ ናብ 54% ክበጽሕ'ዩ።

እቲ መጠን ቀረጽ ኣብ ልዕሊ ካብ ጃፓን ዝመጽእ ኣቑሑት 24%፡ ካብ ህንዲ ድማ 26% ክኸውን እዩ።

ካብ ቬትናምን ካምቦድያን ዝመጽእ ኣቑሑት ብ46% ከምኡ'ውን 49%ን ክስላዓሉ እዩ።።

ዝለዓለ ቀረጽ ኣብ ኣዝየን ንኣሽቱ ሃገራት እውን ከንብር ምዃኑን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሌሶቶ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ፍርያት 50% ቀረጽ ክገጥሞ ምዃኑን ተፈሊጡ።

ጸሓፊ ሃገራዊ ግምጃ (ትሬዠሪ) ኣመሪካ ስኮት ቤሰንት ካልኦት ሃገራት ግብረ-መልሳዊ ስጕምቲ ከይወስዳ ኣጠንቂቑ።

ቤሰንት ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ንነፍሲ ​​ወከፍ ሃገር ዝህቦ ምኽሪ፡ ሕነ ኣይትፍደዩ ዝብል'ዩ። ህድእ በሉ፣ ኣኳማስዑዎ፡ ከመይ ከም ዝኸይድ ንርአ። ምኽንያቱ፡ ሕነ እንተ ፈዲኻ፡ ክገድድ ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።

ምኒስትሪ ንግዲ ቻይና ነቲ ሓድሽ ቀረጽ ኣመሪካ "ብጽኑዕ" ከም ዝቃወሞን ቻይና "መሰላታን ረብሓታታን ንምሕላው ቆራጽ ስጕምትታት፡" ከም እትወስድን ገሊጹ።

ሓላፊት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን እውን እቲ ዘተ እንተ ዘይተዓዊቱ፡ ኣንጻር ኣመሪካ ተወሳኺ ስጕምቲ ንምውሳድ ትዳሎ ከም ዘላ ገሊጻ።

እዚ ሓድሽ ቀረጽ ንግዲ፡ ብትሪልዮናት ዶላር ዝጸሉ ኰይኑ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ክዳውንቲ፡ ወይኒ (ነቢት) ኤውሮጳ፡ ብሽክለታታት፡ መጻወቲታትን ካልኦት ኣሽሓት ኣቑሑትን ዝለዓለ ዋጋ ንኽህሉ ዕድል ዝኸፍት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሓላፊ ፊች ሬቲንግስ ዝተባህለ ትካል ቍጠባዊ ምርምር ኣመሪካ ኦሉ ሶኖላ፡ እዚ ስጕምትታት ንመጠን ቀረጽ ኣመሪካ ናብቲ ኣብ 1910 ዝነበረ ደረጃ ከም ዘብጽሖ ገሊጹ።

"ብዙሓት ሃገራት ከኣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ቍጠባዊ ምንቍልቋል ክኣትዋ ተኽእሎ ኣሎ፡" ኢሉ።

ተንታኒ ዌድቡሽ ሲክዩሪቲስ ዳን ኣይቭስ፡ ነቲ ቀረጽ 'ኣውፈርቲ ካብ ዝገመቱዎ ንላዕሊ' ክብል ገሊጹዎ።

ትራምፕ ነቲ ዝወሰዶ ስጕምትታት ንልዑል ዘይምዕሩይነት ንግዲ ዝፈጥር እዩ ዝበሎ ፖሊሲታት ካልኦት ሃገራት፡ ሕነ ንምፍዳይ ዝዓለመ'ዩ ኢሉ።