ሰሜን ወሎ፡ ህጻናት ዝርከቡዎም ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት 'ብልዑል' ሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ

ብሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዐ ህጻን

ምንጪ ስእሊ, BUGNA HEALTH BUREAU

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ቡግና ዝተኸሰተ ደርቅን ሕጽረት መግብን ህጻናት ሓዊሱ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ከም ዝተጐድኡ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ክልል ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺን ተፈጥሮኣዊ ጸቕጢን እቲ ወረዳ ንደርቅን ልዑል ሕጽረት መግብን ክቃላዕ ከም ዝገበረ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ወረዳ ቡግና ኣቶ ገብረመስቀል ኣለሙ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ሓይልታት እቲ ክልልን (ፋኖ) ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ልዕሊ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ኣቝጺሩ ይርከብ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ወረዳ ሕጽረት ዝናብ ከጋጥሞ እንከሎ ብተፈጥሮኣዊ ጸጋታታት ኣዝዩ ዝተሃሰየ ከባቢ'ዩ።

እዞም ተደራረብቲ ጸገማት ድማ ሕጽረት መግቢ ክኽሰት ከም ዝገበሩ ኣቶ ገብረመስቀል ተዛሪቡ።

"እቲ ሕብረተሰብ ምህርቲ ብዘይምርካቡን ኣደታት ንደቀን ብግቡእ ክምግባን ዝሓሸ ዕብየት ክህልዎምን ክገብራ ኣይክኣላን፤ ትካላት ረድኤት'ውን ክኣትው ኣይክኣሉን"።

ነባሪት እታ ወረዳ ወይዘሮ የካባ ሓደ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ዝገበሩ መናቱ ደቃ (ወድን ጓልን) ብሕጽረት መግቢ ከም ዝተጠቕዑ ንቢቢሲ ገሊጻ።

"እንታይ ረኺብና እሞ ክንሕግዞም? ክሳብ ሕጂ ዝክኣለና ገይርና ኢና። ድሕሪ ሓድሽ ዓመት ዓመት (ወርሒ መስከረም) ግን ምንም ነገር የለን - ሕልምልም ኢና ንብል ዘለና። ጸባ ጡብ ጥራይ'የ ከጥቦም ጸኒሐ፤ ሕጂ እዚ'ውን ውሒዱዎም። ዝረኸብናዮ መግቢ ከይነብልዖም ክኣ ኣይሰማምዖምን" ትብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሱዋ ሸይጣ ትመሓደር ዝነበረት ወይዘሮ የካካ፡ ደቃ ምስ ሓመሙ ስራሓ ደው ኣቢላ።

"ሓካይም 'ሕጽረት መግቢ'ዩ' ይብሉ። ግዘ ከፊኡ፤ መሬት ደሪቑ፤ ወለደይ ሓደ ወይ ክልተ ክሻ [እኽሊ] ይህቡኒ ነይሮም። ሕጂ ግን ነዚ'ውን ስኢንናዮ" ብምባል ደቃ እዅል መግቢ ብዘይምርካቦም ይጕድኡ ከም ዘለው ተዛሪባ።

ሓደ ክኢላ ጥዕና እቲ ከባቢ፡ "ናብ ማእከል ጥዕና ዝመጽኣ ኣዴታታት ካብቲ ዘጥቡኦ ቈልዓ ብዝገደደ ንርእሰን ዝተጐድኣ እየን" ኢሉ።

ካልእ ኣቶ ደሳለው ዝተባህለ ሓረስታይ ብወገኑ፡ "ኣደ እትበልዖ የብላን፤ ቈልዑ'ውን ዝጠቡዎ የብሎምን" ብምባል ኣብዚ ዓመት ኣዝዩ ከቢድ ጸገም ከም ዘጋጠሞም ተዛሪቡ።

ደቁ ብሕጽረት መግቢ ተጠቂዖም ናብ ማእከል ጥዕና ከም ዝኸዱ ሓቢሩ።

ወረዳ ቡግና፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ፋኖ ኰይኑ፡ እቲ ጕጅለ መንግስቲ ናብቲ ወረዳ ዝኣቱ መድሃኒትን ካልእ ቀረባትን ክሰናኸል ገይሩ'ዩ ብምባል ይኸስስ።

ኣብ ከተማ ኣይና ቡግና ናይ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ሓላፊ ዝዀነ ኣቶ መኮንን ኣሻግሬ፡ እቲ ከባቢ ካብ ዘለዎ ተፈጥሮኣዊ ጸገማት ብተወሳኺ ድሕሪ ወርሒ መስከረም ኣብ ዙርያ ቀረባት መኣዛዊ መግቢታት ዝሰርሑ ትካላት ረድኤት ስርሖም ደው ከም ዘበሉ ሓቢሩ።

እዚ ጸገም ሕጽረት መግቢ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ከም ዝተጋደደ ይግለጽ።

ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከባ 16 ምምሕዳራት፡ ብፍላይ ላይድባ፡ ብርኮ፡ ጉልሃ፡ በርኳኳን ፈልደሊቅን ኣብ ዝብሃላ ከባቢታት ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝርከቡ ህጻናት "ኣዝዩ ዘሰክፍ" ሕጽረት መግቢ ከም ዘጥቅዖም ምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብመሰረት ዓለምለኻዊ መዐቀኒ 'ህጹጽ ሕጽረት መግቢ' 65 ሚእታዊት ህጻናት እታ ወረዳ ብሕጽረት መግቢ ከም ዝተጠቕዑ ቤት ጽሕፈት ጥዕና እታ ወረዳ ገሊጹ።

በዚ መሰረት 84 ሚእታዊት ኣዴታት'ውን "ብዝኸፍአ ደረጃ" ብሕጽረት መግቢ ዝተሃሰያ እየን።

ኣቶ ገብረመስቀል፡ ሸውዓተ ሽሕ ህጻናትን ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ነፍሰ-ጾር ኣዴታትን በዚ ጸገም ከም ዝተጠቕዑ ሓቢሩ።

ምስ'ዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣርባዕተ ህጻናት ከም ዝሞቱ ብምግላጽ ህጻናት ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከም ዝርከቡ ኣመልኪቱ።