'ሰዓል' ብሓቂ ብቑርን ዛሕልን ዝመፅእ ድዩ? ክዳን ምርጓድ'ከ ካብ'ቲ ሕማም ይከላኸል'ዶ?

መብዛሕትና ኣብ እዋን ቁልዕነትና፡ ወለድና ክቋየቑና ሰሚዕና ኢና።

"ረጒድ ጎልፎ ደርቢ! እንተዘይኰኑ ቁሪ ክጻወተልኪ'ዩ!"

"ጃኬት ተኸደን፡ ደሓር 'ኡሑ' ከይትብል!"

እዚኦምን ካልኦት ከምዚኦም ዝበሉ ማዕዳታት ወይ ቆይቋታት ምስማዕ ልሙድ እዩ።

ግን መንቀሊ 'ልሙድ ሰዓል' [ቁሪ] ብሓቂ ዛሕሊ ድዩ? ክዳን ምድራብ'ከ ካብ ሰዓል ይከላኸል'ዶ?

'ሰዓል' እንታይ እዩ?

ብዙሓት ሰባት፡ 'ሰዓል' [common cold] ፡ ብሰንኪ ቁሪ ወይ ዛሕሊ ከምዝመጽእ ይሓስቡ።

ብፈላይ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ 'ቁሪ ወቒዑኒ' ምባል ዝተለምደ እዩ።

ይኹን'ምበር ቁሪ ወይ ዛሕሊ ምስ'ዚ ሕማም ቀጥታኣዊ ምትእስሳር የብሉን፤ ይብል ሳይንስ።

ጠንቂ 'ቁሪ' ዝዀኑ ልዕሊ 200 ዝተፈላለዩ ቫይረሳት ኣለዉ። እቲ ቀንዲ ግን ራይኖቫይረስ እዩ።

እቶም ቫይረሳት ዝፈጥርዎ ረኽሲ፡ ኣብ ኣፍንጫን ጎሮሮን ኣብ ዝርከቡ ሽፋናት ነድሪ የስዕብ።

እዚ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቐሊሉ ይመሓላለፍ።

ዝሓመሙ ሰባት ክስዕሉ ወይ ከሀንጥሱ እንከለዉ፡ ንጣባት ፈሰስቲ ናብ ኣየር ይብተኑ።

እቶም ንጣባት፡ ካልኦት ሰባት ኣብ ዝትንፍስሉ እዋን ናብ ስርዓተ ምስትንፋሶም ብምእታው እቲ ረኽሲ ክዝርጋሕ ይገብሩ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ቫይረሳት፡ ዝሓመሙ ሰብ ኣፎምን ኣፍንጫኦምን ተንኪፎም ብድሕሪኡ ናብ ዝትንክፍዎም ነገራት'ውን ክዝርግሑ ይኽእሉ እዮም።

ስለዚ ነዞም ነገራት ምስ እንትክፍ እውን ሰዓል ክሕዘና ተኽእሎ ኣሎ።

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ቫይረስ ናብ ኣካላት ምስ ኣተወ ካብ 2 ክሳብ 3 መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዜ ሰዓል ይጅምር።

ይኹን'ምበር ምልክታት ከይተረኣዩ ካብ ሓያሎ መዓልታት ክሳብ ሓያሎ ሰሙናት ክጸንሑ ተኽእሎ ኣሎ።

ዝዀነ ይኹን ሰብ ዕድምኢኡ ብዘየገድስ 'ቁሪ' [ሰዓል] ክሕዞ ይኽእል'ዩ።

ሰባት ኣብ እዋን ጽድያን ክረምትን ሰዓል ክሕዞም ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ እዋን ቁሪ ድማ ዝያዳ ዝርገሐ ሰዓል ክነስተብህል ንኽእል።

ኣብ ውሽጢ ዓመት ካብ ዓበይቲ ሰባት ዝያዳ ብሰዓል ዝሳቐዩ ህጻናት እዮም። ምኽንያቱ ናይ ህጻናት ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ክንድቲ ናይ ዓበይቲ ዝማዕበለ ኣይኰነን። ብተወሳኺ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ መዓልታዊ መዕበዪ ህጻናት ምስ ካልኦት ህጻናት ኣካላዊ ምትንኻፍ ስለዝፈጥሩ ዝያዳ ተቓላዕቲ እዮም።

ቆልዑ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ዓመት ካብ 6 ክሳብ 10 ግዜ ሰዓል ክሕዞም ይኽእል።

እዚ ቁጽሪ ኣብ ዓበይቲ ሰባት ካብ 2 ክሳብ 4 ይበጽሕ።

ሰዓል፡ ከም ረኽሲ ባክተርያ፡ ማእከላይ እዝንን ሳይነስን ዝኣመሰሉ ካልኣዊ ረኽሲታት ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ምልክታት ልሙድ ሰዓል

ካብቶም ዝተለምዱ ምልክታት ሰዓል እዞም ዝስዕቡ ይርከቡ።

  • ህንጥስታ፡
  • ምዕባስ ኣፍንጫ
  • ዓፈፍታ ኣፍንጫ
  • ዕንጓር [ንፍጢ]
  • መቝሰልቲ ጎሮሮ
  • ኣብ ጎሮሮ ዝፍጠር ሕርኽርኽ ዝብል ስምዒት፡
  • ሕማም ርእሲ
  • ማይ ዝመልኣ ኣዒንቲ
  • ትሑት ደረጃ ረስኒ፡
  • ቃንዛ ጭዋዳታትን ኣዕጽምትን፡
  • ቁሪ፡ ከምኡ'ውን መጠነዊ ድኻም።

ኣብ ቁሪ እዋን ስለምንታይ ሰዓል ይበዝሕ?

ከምቲ ብዙሓት ዝኣምንዎ፡ ዝሑል ኵነታት ኣየር ብቐጥታ ሰዓል ኣየስዕብን።

ከምኡ እንተዀይኑ ደኣ'ሞ፡ ዝሑል ኵነታት ኣየር ኣብ ዝህልወሉ እዋን ስለምንታይ ሰዓል ዝሓዞም ሰባት ብተደጋጋሚ የጋጥመና?

ኣብ ብዙሓት ሰባት ዘጋጥም ልሙድ ሰዓል ከም ራይኖቫይረስ ብዝኣመሰሉ ቫይረሳት እምበር ንዝሑል ኵነታት ብምቅላዕ ዝመጽእ ኣይኰነን።

ዝሑል ኵነታት ኣየር ኣብ ዝርግሐ ናይዞም ቫይረሳት ኣበርክቶ ክገብር ተኽእሎ ኣሎ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ዝሑል ወቕቲ ሰባት ዝያዳ ግዜ ኣብ ውሽጢ ገዛ ስለዘሕልፉ እቶም ቫይረሳት ብቐሊሉ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላለፉ ዝኽእልሉ ሃዋህው ክፍጠር ይኽእሉ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ዝሑል ኩነታት ኣየር ዝህሉ ደረቕ ኣየር ንመተሓላለፊ ስርዓተ ምስትንፋስ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ውልቀሰባት ንረኽሲ ዝያዳ ተቓላዕቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ኵሉ'ዚ ዝሑል ኩነታት ኣየር ክህሉ ከሎ ልሙድ ሰዓል ዝያዳ ዝዝርጋሕ ዘሎ ኰይኑ ክስምዓና ይገብር፡ እንተዀነ ግን ቁሪ ጠንቂ ሰዓል ኣይኰነን።

ሰዓል እንተሒዙኩም ክትገብርዎም ዘይግብኡ ነገራት

መብዛሕትኦም ንሰዓል ዝሓዞም ሰባት ዝወሃቡ ምኽርታት ሓቅነት ዘለዎም ኣይኰኑን።

ከም ኣፍልብና ብጋዜጣ ምሽፋን ዝኣመሰሉ ዘስሕቑ ምኽርታት ከይተረፈ ምስማዕ ልሙድ እዩ።

ገለ ሰባት ድማ ቫይታሚን ሲ ብብዝሒ ምውሳድ ይምዕዱ። ክኢላታት ግን ኣብ ክንዲ ቫይታሚን ምናልባት ግን ዚንክ ብብዝሒ እንተተወሰደ ዝሓሸ ምዃኑ ይጠቕሱ።

"ብዙሓት ሰባት ዝፍትንዎ ቀዳማይ ነገር፡ ኣመጋግባኦም ብቪታሚን ሲን ዲን ዝሃብተመ ምግባር እዩ" ይብል ካብ ካናዳ ዩኒቨርሲቲ ኣልበርታ ማይክል ኣላን።

"ኣብዚ ዘሎ መርትዖ ግን ድኹም እዩ። ቫይታሚን ሲ ምውሳኽ፡ ኣብ ትሕቲ ዓቢ ኣካላዊ ጸቕጢ ንዝርከቡ ሰባት ከይሓሙ ብቐሊል ከም ዝከላኸለሎም ተረጋጊጹ'ሎ፡ ኣብ ማእከላይ ሰብ ግን ነቲ ሓደጋ ብ3 ሚእታዊት ጥራይ'ዩ ዝንክዮ።"

ኣብ ሰለስተ ክሊኒካዊ ፈተነታት ብምብጋስ፡ ስሩዕ መመላእታ ዚንጎ ዝወስዱ ህጻናት፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ዓመት ብግምት ካብ 1 ክሳብ 1.5 ግዜ ሰዓል ከምዘጋጥሞም ኣላን ወሲኹ ይገልጽ። ብዙሓት ህጻናት ግን ኣብ ዓመት ካብ 6 ክሳብ 10 ግዜ ሰዓል ከጋጥሞም ንቡር እዩ።

ብሓፈሻ፡ ካብ ተኽልታት ዝርከቡ መድሃኒታት ውጽኢታዊ ኣይኰኑን። ዝዀነ ዝሕግዝ ዝመስል መዓር ጥራይ እዩ። ቅድሚ ምድቃስኩም፡ ሓንቲ ማንካ መዓር ብቐጥታ እንተወሲድኩም ንሰዓል ኣብ ምህዳእ ክሕግዘኩም ከምዝኽእል ዝሕብሩ መጽናዕትታት ኣለዉ።

ልሙድ ሰዓል ብኸመይ ይፍወስ?

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንልሙድ ሰዓል ዝፍውስ ወይ ንውሓት ግዜ ክሓጽር ዝገብር መድሃኒት የለን። ይኹን እምበር፡ ገለ ምልክታት ሰዓል ንምፍዋስ ክሕግዙ ዝኽእሉ ፍወሳታት ኣለዉ።

ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ዝሽየጡ ዝተፈላለዩ ናይ ሰዓል መድሃኒታት ምውሳድ ዝሕግዞም ሰባት ውሑዳት ኣይኰኑን።

ጸረ ቃንዛ መድሃኒት፡ ጸረ ሕማም ርእሲ መድሃኒት፡ ተወሳኺ ዕረፍቲ፡ ፈሳሲ ብብዝሒ ምስታይ እውን ይምከር።

ውዑይን ጨው ዝመልኦን ማይ ኣብ ኣፍን ጎሮሮን ምጉርዕራዕ፡ ቃንዛ ጎሮሮ ኣብ ምንካይ ከምዝሕግዝ ይግለጽ።

ሰዓል ብቫይረስ ዝመጽእ ሕማም ስለዝዀነ ብጸረ-ነፍሳት (antibiotics) ኣይጠፍእን። ጸረ-ነፍሳት ብባክተርያ ዝመጽእ ረኽሲ ንምፍዋስ ጥራይ እዮም ውጽኢታዊ ዝዀኑ።

ህጻናት ሰዓል ምስ ዝሕዞም ኣስፕሪን ክወስዱ ምግባር ኣይምከረን። ምኽንያቱ ኣስፒሪን፡ ኣብ ህጻናት ንዝፍጠሩ ቫይራላዊ ሕማማት ንምፍዋስ ክወሃብ ከሎ፡ ምስ 'ረይ ሲንድሮም' ምትእስሳር ከምዘለዎ ተረጋጊጹ እዩ። እዚ ኵነታት ድማ ኣብ ህጻናት ከቢድ ወይ ቀታሊ ክኸውን ዝኽእል ጸገም ጥዕና እዩ።

ካብዚ ኵሉ ግን እቲ ዝበለጸ ኣቐዲምካ ምክልኻል እዩ።

ሰዓል ንከይሕዘኩም እቲ ዝበለጸ መገዲ ድማ ኣእዳውኩም ብተደጋጋሚ ምሕጻብን ምስ ሰዓል ዘለዎም ሰባት ብቐረባ ዘይምትንክኻፍን እዩ።

ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሰዓል ዝሓዞም ሰባት ኣብ እትዀኑሉ እዋን፡ ኣፍንጫኹም ወይ ኣዒንትኹም ኣይትተንክፉ።

ብዝዀነ መንገዲ ሰዓል እንተሒዝኩምን ምልክታት እናገደዱ እንተኸይዶምን፡ ናብ ሕክምና እንተኸድኩም ዝሓሸ ይኸውን።