ሽልማት ኖቤል ንምዕዋት ዝሕግዝ ዘሎ ሓደ ዘበን ዘቑፀረ መሳርሒ

ናሳ ኣብ 2012 ናብ ማርስ ዝለኣኾ ሮቦት ዳህሳስ ይገብር ኣሎ። እቲ ሮቦት ንእሽተይ መጠን ንዘለዎ ሓሸዋ ብምውሳድ ኤክስሬይ ኣልዒልዎ።

እቲ ሓሸዋ ካብ ምንታይ ከም ዝተሰርሐ ንምፍላጥ፡ እቲ ሮቦት ምርመራ ጀሚሩ። ኣብ ማርስ ማይ ኣሎ ንዝብል ግምት ወይ ክልሰ ሓሳብ ንምርግጋፅ ዘኽእል ምርምር እዩ።

ኣብ 1995፡ ዊልያም ብራግን ሎረንስ ብራግን ዝተብሃሉ ክልተ ኣቦን ወድን፡ ብኤክስሬይ ክሪስታሎግራፊ (X-ray crystallography) ስርሖም ብፊዚክስ ኖቤል ተሸሊሞም እዮም።

እዚ ከይዲ፡ ኤክስሬይ ብምጥቃም፡ ናይ ክሪስታል ኣቶሚክን ሞለኪውላር ኣነዳድቓም ዝፈልይ እዩ።

ንናእሽቱ ፕሮቲናት ሓዊሱ መብዛሕትኦም ነገራት 'ክሪስታል' [ብሩህ ደቂቕ ቅርፂ] ከርኢ ይኽእል።

ኤክስሬይ ክሪስታሎግራፊ፡ ዝተፈላለዩ ነገራት ብኸመይ ከም ዝንደቑ ንምርዳእ ዘኽእል ዓለምለኻዊ መለክዒ እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ስቴት ዘምህር ማይክል በልቤል፡ ካብቲ ናብ ማርስ ዝተልኣኸ ሮቦት፡ ሓበሬታ ይፅበ ኣሎ።

እዚ 'ኪውሮሲቲ' ወይ 'Curiosity' ዝበሃል ሮቦት ኣብ ማርስ ዳህሳስ ምክያዱ ቀፂሉ ኣሎ።

ኤክስሬይ ክሪስታሎግራፊ፡ ኣብ ካልእ ፕላኔት ኣብ ረብሓ እንትውዕል እዚ ፈላማይ እዩ።

ነገራት ካብ ምንታይ ከም ዝተሰርሑን ብኸመይ ኣብ ረብሓ ከም ዝውዕሉን ንምፍላጥ ድማ: መበገሲ ይኸውን።

ተመራመርቲ፡ ኣቶምን ሞለኪውላራዊ ኣነዳድቓን ብምፍላጥ፡ መድሓኒት ይሰርሑ፤ ጀነቲካዊ [ሰረተ-ዓሌት] ምሽጥር ንምፍላጥ'ውን ይሕግዝ።[ኣቶም ማለት ናይ ሓደ ኣካል እቲ ዝነኣሰ ጥረ-ነገር ማለት እዩ]።

በዚ ከይዲ ባትሪ ምስራሕ'ውን ይከኣል።

ኤክስሬይ ክሪስታሎግራፊ፡ ኣብ ድሕሪ ብዙሓት ሽልማታት ኖቤል ኣሎ።

መበገሲ ኣስታት 20 ሽልማታት ኖቤል እንተኾነ'ውን: ክንድቲ ኣይተዘረበሉን።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኖርዝ ካሮላይና መምህር ቻፔል ሂል፡ ሳጓኣ እንከይተረፈ ምስዚ ከይዲ ዝመሳሰል እዩ።

"ቅድሚ ሕዚ ዋላ ሓደ ኣብ ዘየስተውዓሎ ነገር እየ ትኹረት ገይረ ነይረ" ትብል።

እታ በዓልቲ ሞያ፡ ኣብ ሓደ ነገር ብዛዕባ ዘሎ ኣቶምን እቶም ኣቶማት ብኸመይ ከም ዝተኣሳሰሩን እያ ትመራመር።

ቻፔል ሂል፡ ካብ ፕሮቲን ብኸመይ ክሪስታል ምውፃእ ከም ዝከኣል መፅናዕቲ ኣካይዳ እያ።

ነዚ ከም መነፃፀሪ ኣብነት ዝኸውን፡ ማይ ናብ በረድ እንትልወጥ ብዝተወሰነ መልክዑ ኣብ ውሽጡ ክሪስታል ምሓዙ እዩ።

ኣብ ሓደ ሓደ ኩነታት ካብ ፕሮቲን ንእሽተይ መጠን ዘለዎ ክሪስታል ይርከብ።

እዚኦም ክሪስታላት ተወሲዶም ብኤክስሬይ ዲፍራክቶሜትር (X-ray diffractometer) ይረኣዩ። እዚ መሳርሒ ኤክስሬይ ብምጥቃም ኣሰር 'ኣቶም' ዝፈልይ እዩ።

ኣብ ክሪስታል ጨረር ኤክስሬይ እንትዓርፍ፡ ትኽክለኛ ባህሪ እቲ ኬሚካል ዘርእይ ውፅኢት ይርከብ።

ካብ ማይ ብዝተፈለየ ኩነታት፡ ፕሮቲን ናብ ክሪስታል ዝሰጋገረሉ መንገዲ ዝተሓላለኸ እዩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦፍ ኖርዝ ካሮላይና እትምህር ቻፔል ሂል፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ከይድታት ብምስዓብ ፈተነ ኣካይዳ።

ኣብ ዝተፈላለየ መጠን ዋዒ፡ ፈተነ ድሕሪ ምክያዳ እያ ውፅኢት ረኺባ።

"ውፅኢት ረኺበ ክሳብ ዝሕጐስ ግዘ ወሲዱለይ እዩ" ትብል።

ሳይንቲስት ዶርቲ ሆድኪን: ንኣስታት 34 ዓመታት ኣብ ኤክስሬይ ክሪስታሎግራፊ መፅናዕቲ ኣካይዳ።

ኤክስሬይ ክሪስታሎግራፊ ኣብ ዝተፈላለየ ዘፈር ውፅኢታዊ'ኳ እንተኾነ፡ሓድሽን በዳህን ሳይንስ እዩ።

ተመራመርቲ፡ ንሞለኪውል ብዝተፈለየ መንገዲ ንምዕዛብ ነዚ መንገዲ ይመርፁ።

ኪነታዊ ብልሒ'ውን አሰራርታ ሞለኪውል ንምድህሳስ ሓገዝ ይገብር ኣሎ።

ምናልባት'ውን ኤክስሬይ ክሪስታሎግራፊ ዝህቦ ረብሓ እናነከየ ክኸይድ ይኸውን።

ተመራማሪት ቻፔል ሂል፡ "ሕዚ ኪነታዊ ብርሒ ስለ ዘለና፡ ኤክስሬይ ክሪስታሎግራፊ ብዙሕ ክጠቕመና ከምዘይኽእል ዋላ'ኳ እንተተዘረበ፡ ገና ኣብቲ ብርኪ ኣይበፃሕናን" ብምባል ተረድእ።

ተመራማሪት ዶርቲ ሆድኪን፡ ብኤክስሬይ ክሪስታሎግራፊ ኣሰራርታ ኢንሱሊን ንምፍላጥ ፈቲና።

[ኢንሱሊን፡ ዓይነት 1፡ ሕማም ሽኮር ንምሕካም ይውዕል ።]

ብመሰረት እቲ ዘካየደቶ መፅናዕቲ፡ ኣብ ኢንሱሊን ዘሎ ክሪስታል [ብሩህ ቅርፂ] ዝተፈለየ ከም ዘይኰነ ፈሊጣ።

እንተኾነ ኢንሱሊን ኣብ ውሽጡ ካብ 788 ዘይውሕድ ኣቶም ይሕዝ። ብኤክስሬይ ክሪስታሎግራፊ ተሓጊዛ ኣሰራርታ ኢንሱሊን ንምፍላጥ ዘካየደቶ ምርምር ነዊሕ ግዘ እዩ ወሲዱ።

ርኽበት ተመራማሪት ዶርቲ ሆድኪን ድማ፡ ኢንሱሊን ብብዝሒ ንክፈርይን ንሕሙማት ሽኮር ንክውዕልን ሓጊዙ።

እቲ ምርምር ኣብ 1969 እኳ እንተተዛዘመ፡ እታ ሳይንቲስት ግና ኣብ 1964 ብኬሚስትሪ ሽልማት ኖቤል ረኺባ።

ኣብ ቫይታሚን ቢ12ን ፔኒስሊንን ውሽጢ ዘሎ መዋቅር'ውን በፂሓትሉ እያ።

እዛ ሳይንቲስት ኣብ 1994 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ።

ምስኣ ተሸላሚ ኖቤል ዝኾነ ማክስ ፔርቱዝ፡ "ኣብ ውሽጢ ነገራት ዘሎ ሰሓቢ ኣሰራርታ ንምፍላጥ ናህታ ናይ ኤክስሬይ ካሜራ ኢና ንጥቀም" ብምባል ገሊፅዋ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ እትምህር ኤልፌፍት ጋርማን፡ "ብዙሓት ንክመራመሩ ኣለዓዒላ'ያ" ብምባል ትገልፃ።

ኣብ ክሪስታል ጨረር ኤክስሬይ እንትዓርፍ ንኣቶም ምስ ዘሽከርክሩ ኤሌክትሮናት ስለ ዝራኸቡ፡ ከም ካርታ ብምግልጋል ኣሰራርታ ነገራት የርእዩ።

ኤልፌፍት ጋርማን፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ኤክስሬይ ክሪስታሎግራፊ ልዑል ውፅኢት ከም ዘርኣያ ትዛረብ።

"ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ኣብዚ ዓውዱ ዘደንቕ ውፅኢት ኣመዝጊበን እየን። ካልኦት ደቂኣንስትዮ ናብቲ ሞያ ንክኣትዋ'ውን ኣተባቢዐን" ትብል።

ሮዚላንድ ፍራንክሊን'ውን ካልእቲ ኣብዚ ዓውዲ ትፅራሕ በዓልቲ ሞያ እያ። ኣብ ምስሊ ሕነተ-ሰረት(ጀነቲክስ) ብኤክስሬይ ናይ ዘካየደቶ ምርምር ርኽበት፡ ንስራሕ ፍራንሲስ ከርክ፣ ጄምስ ዋትሰንን ሞሪስ ዊልክንስን መበገሲ ኰይኑ እዩ።

እቶም ሰብሞያ ዝተሓላለኸ ኣነዳድቓ ሕነተ-ሰረት ብምፍላጦም፡ ብዓውዲ ፊዝዮሎጂ ወይ ሕክምና ኣብ 1962 ተሸለምቲ ኖቤል ኰይኖም።

ኤክስሬይ ክሪስታሎግራፊ ኣብ ቀረባ እዋን'ውን፡ ንሽልማት ኖቤል ሽልማት መበገሲ ኰይኑ።

ኣብ 2020 ብኬሚስትሪ ንዝተረኸበ ሽልማት ኖቤል መሰረት ኰይኑ እዩ።

ኣብ ምርምር ኣፋውስ'ውን፡ ኤክስሬይ ክሪስታሎግራፊ ዕዙዝ ግደ ኣለዎ።

ኣብ ሓደ ሓደ ምርምራት፡ ምስ መንሽሮን ምርጋዕ ደምን ዝዛመድ ምትሕልላኽ ዋህዮ (sickle-cell disease) ዕዙዝ ለውጢ ኣርእዩ እዩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓላፊ ማእኸል ምርምር መንሽሮ ሮብ ቮን ማንፎርት ከም ዝብሎ፡ ብኤክስሬይ ክሪስታሎግራፊ ኣብ ውሽጢ ሰብነት ዕዙዝ ግደ ዘለዎም ፕሮቲናት ዝቆፃፀር ኣየናይ ጥረ ነገር ከም ዝኾነ ብምፍላጥ፡ ኣየኖት ንሕማም ከም ዘቃልዑ ኣብ ምርዳእ ውፅኢት ኣርእዩ።