እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት ዝስማዕ ዘሎ ምክሳስ ኤርትራን ኢትዮጵያን
ኤርትራ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተጋብአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረበቶ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣን ኣብቲ ዞባን ካብ ዝገጠማ ቅልውላው ንምህዳም፡ ንኤርትራ እናወቐሰት "ገንሸል" ትገብር ኣላ ክትብል ከሲሳ።
ንኤርትራ ኣብ ሕቡራት ዝውክል ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ኣብቲ ብሓሙስ 3 ሓምለ ኣብ ጀነቫ ንኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ እዩ፡ ብዛዕባ "ሓድሽ ርእይቶ፡" ኢትዮጵያ ምላሽ ሂቡ።
ኣቶ ሃብቶም፡ እቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ፡ 'ኤርትራ ንጸጥታኣ፡ ልኡላውነታ፡ ሰብኣዊ መሰላታን፡ ሰብኣዊ ግቡኣታን ስግኣት ምዃና' ዝኸስስ መግለጺ፡ ቅንዕና ዘይብሉን ኣንጻር'ቲ ኢትዮጵያ ባዕላ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝበለቶን ዝገበረቶን፤ እዚ ዓይነት ተገላባጢ መርገጺ ድማ ነቲ ባይቶ ኣኽብሮት ዝኸልእ ምዃኑ ኣስሚዑ።
ኣብቲ ባይቶ፡ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ወኪላ ኣምባሳደር ጸጋኣብ ክበበው ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣብ ዘቕረበቶ ክሲ፡ "ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከባቢታት ዶባት ኢትዮጵያ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፍጸሙ ዝሕብሩ ጸብጻባት ምውጾኦሞም ቀጺሎም ኣለዉ" ክብል ገሊጹ።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ስልጣን ፍሉይ ራፖርተር ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንምንዋሕ ድምጺ ቅድሚ ምሃቡ'ዩ ኣምባሳደር ጸጋኣብ ነዚ ዝገለጸ።
እቲ ኣምባሳደር፡ ኤርትራ እትወስዶ ዘላ ስጕምትታት፡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ንዘሎ ክልተኣዊ ዝምድና ዝሃሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ "ንኢትዮጵያ ቀጥታዊ ስግኣት'ውን ዘስዕብ'ዩ" ኢሉ።እቲ ኣምባሳደር ነቲ ንኤርትራ ኣተኲሩ ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝወጸእ ጸብጻብ ብምጥቃስ'ዩ ስምዕታኡ ኣቕሪቡ።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንጽባሒቱ ዓርቢ ብ4 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ መጋባእያ፡ ነቲ ብኽኢላ ሕጊ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ዝምራሕ ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝምርምር ፍሉይ ልኡኽ ዕማሙ ከቋርጽ ብኤርትራ ንዝቐረበ ሕቶ ከም ዝነጸጐ ዝዝከር እዩ።
ኤርትራ ነቲ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጉዳያት ኤርትራ ስልጣኑ ንምስራዝ ዘካየደቶ ጻዕሪ፡ ኣብ ዝተዋህበ ድምጺ፡ ናይ ሱዳን፡ ቻይና፡ ኩባን ብሩንዲን ዝበላ 4 ሃገራት ደገፍ፡ ኢትዮጵያ እትርከበን 25 ሃገራት ተቓውሞ፡ 18 ድማ ድምጸ-ተዓቝቦ ኣመዝጊቡ እዩ እቲ ሕቶ ውዱቕ ኰይኑ።
እቲ ዝተዋህበ ውሳነ፡ ኣብ ኤርትራ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ፡ ከምኡ'ውን ገደብ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ምንቅስቓስን ሓዊሱ፡ ዝያዳ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ዝሓትት ግህሰት መሰላት ከምዝፍጸም እዩ ዘመልክት።
ኤርትራ ነዚ ኣበሃህላታት ንዓመታት ብምንጻግ፡ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ወገናዊን ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎን እዩ ብምባል ኣይትቕበሎን።
ኣብዚ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ሰፊኑሉ ዘሎ ሃዋሁ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ሓድሽ ውሳነ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ምድጋፍ፡ ኤርትራ ንዞባዊ ጸጥታ፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ስግኣት ምርግጋእ ኰይና ትቕጽል ኣላ ብምባል እያ ትኸስስ።
ኣቶ ሃብቶም ድማ ከም መልሲ ናይዚ፡ እዚ ኣበሃህላታት ሓሶት ጥራይ ዘይኮነስ ቅንዕና ዘይብሉ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ጥራይ'ኳ እንተርኢና፡ ኢትዮጵያ ፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ ዕማሙ ክውድእ ጸዊዓ ከምዝነበረት ነቲ ቤት ምኽሪ ብምዝኽኻር፡ "ሕጂ ድማ ተገልቢጣ ብኣንጻሩ እያ ደው ኢላ ዘላ" ኢሉ።
ጸብጻብ ፍሉይ ራፖርተር እንታይ ይብል?
ኣብ መጋባእያ እቲ ባይቶ ዝቐረበ ጸብጻብ ፍሉይ ራፖርተር፡ "ሓይልታት ኤርትራ ብውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኢትዮጵያ ኣብ ዝተወሰኑ ዶባዊ ከባቢታት ትግራይ፡ ብፍላይ ኣብ ሓያሎ ወረዳታት ኢሮብ፡ ጉሎ-መኸዳ፡ እገላ፡ ወራእተለ፡ ዓሊተና፡ ሰበያ ከምኡ'ውን ዛላምበሳን ታሕታይ ኣድያቦን ይርከቡ" ይብል።
ሰራዊት ኤርትራ ገለ ግዝኣታት ትግራይ ሒዙ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ዝስማዕ ክሲታት ኰይኑ፡ ኣቶ ሃብቶም ግን፡ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓይልታት ኤርትራ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ዶባት ኤርትራ እዮም ዘለዉ፡" ብምባል፡ ብፍላይ እቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝቐርብ መግለጺታት ኲናት ንምውላዕ መመኽነይታ ምድላይ ጥራይ እዩ፡ ኢልዎ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ብስምምዕ ኣልጀርስ ዝፍለጥ ውሳነ ዶባዊ ኮሚሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተነጸረ ምሕንጻጽ ዶብ ክትግብራ፣ እዚ ድማ መሰልን ድሕነትን ነበርቲ እቶም 'ኣካታዕቲ' ከባቢታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን እቲ ጸብጻብ ይላቦ።
ፍሉይ ራፖርተር፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ትግራይ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት [መቕተልቲ፡ ማእሰርቲ፡ መጭወይትን ጾታዊ መጥቃዕትን] ዝገልጽ ጸብጻባት ከምዝተቐበለ'ውን የመልክት። ብሰንኪ እዚ ስግኣታት ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰያት፡ ካብዞም ከባቢታት ከምዝሃደሙ ይገልጽ።
መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ክስታት ኣይቅበሎምን።
ኣብቲ መግለጺ ኤርትራ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ፍጹም ውድቀት መንግስትነት ምስ ኣተወትን፡ ኤርትራ ንስለ ዞባዊ ምርግጋእን፡ ንነብሰ ምክልኻልን ክትብል ዘይተቘጠበ ደገፍ ከምዝገበረት ትገልፅ። "እዚ ታሪኻዊ ክውንነት ግን ሕጂ ንእዋናዊ ፖለቲካዊ በለጽ ተባሂሉ ክጥምዘዝ፡ ክጐድል ወይ ሸለል ክበሃል ኣይክእልን" ክብል ኣስሚዑ።
ኣብቲ ኣብ 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ኢትዮጵያ ተሰሊፋ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ተዋጊኣ እያ። ኣብቲ ደማዊ ኲናት ድማ ሰራዊት ኤርትራ ብዝፈጸሞ ግህሰታትን ጾታዊ ዓመጽን ይኽሰስ።
ወኪል ኤርትራ ካልእ እንታይ ኢሉ?
ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ነዊሕ ዝጸንሐ ግጭት እውን ኣልዒሉ ተዛሪቡ።
ኢትዮጵያ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2000 ዝተፈጸመ ቀያድን ናይ መወዳእታን ስምምዕ ሰላምን ውሳነ ኮሚሽን ዶባትን ኣህጉራዊ ሕጊታትን ጥሒሳ ንኣስታት 20 ዓመታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ መሬት ኤርትራ ሒዛቶ ከምዝጸንሐት ኣዘካኺሩ።
ኣተሓሒዙ፡ ኣብ 2018 ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፡ እቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዓለማዊ ሕግን ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራን ከኽበር ንምሉእ ትግባረ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ስለዝተሰማምዓን ጥራይ ከምዝዀነ ገሊጹ።
ኣቶ ሃብቶም ወሲኹ፡ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ "እንተተኻኢሉ ብሕጋዊ መንገዲ፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ብወተሃደራዊ መንገዲ" ወደባት ኤርትራ ክትወስድ ትጽሕትር ከምዘላ ብምኽሳስ፡ ከምዚ ዓይነት መግለጺታት፡ ብ "ሰብኣዊ መሰላት" ከምኡ ድማ ብ " ሃገራዊ ጸጥታ" ዝተሸፈነ ንሓቀኛ ባህጊ ምስፍሕፋሕ ኢትዮጵያ ዘርኢ፡ እንተላይ ን ሶማልያን ጅቡቲን'ውን ዝጸሉ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።
ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2018፡ ናብ ንቡር ተመሊሱ፡ ኣብቲ ዞባ ዓቢይ ተስፋ ተነቢርዎ'ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ'ቲ ንኲናት ትግራይ ደው ዘበለ ስምምዕ ፕሮቶሪያ ግን እቲ ዝምድና እናሓርፈፈ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ከኣ፡ ንኣፍደገ ባሕሪ መሰረት ገይሩ ካብ ቀዳማይ ምኒስተር ጀሚርካ ብመራሕቲ ኢትዮጵያ ክስማዕ ዝጸንሐ መግለጺታት ንሰበስልጣን ኤርትራን ካልኦት ኣብቲ ዞባን ስክፍታታት ከምዘስዓበ ይፍለጥ።