እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ከብቅዕ ዘቕረበቶ እማመ ተነጺጉ
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብ4 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ መጋባእያ፡ ነቲ ብኽኢላ ሕጊ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ዝምራሕ ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝምርምር ፍሉይ ልኡኽ ዕማሙ ከቋርጽ ንዘቕረበቶ ሕቶ ነጺጉ።
ኤርትራ ነቲ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጉዳያት ኤርትራ ስልጣኑ ንምስራዝ ዘካየደቶ ጻዕሪ፡ ትማሊ ዓርቢ 4 ደገፍ፡ 25 ኣንጻር፡ 18 ድማ ድምጸ-ተዓቝቦ ብምምዝጋብ ፈተናኣ ውዱቕ ኰይኑ።
እዚ ብኤርትራ ዝተወስደ ስጕምቲ ዝውቱር ብዘይምዃኑ ንገለ ተዓዘብቲ ከም ዘገረመን ይፍለጥ። መርመራ ዝካየደላ ዘሎ ሓንቲ ሃገር፡ ብወግዓዊ ድምጺ ኣቢላ ዕማሙ ክትኮልፎ ምፍታን ኣብዚ ናይ ልዕሊ 20 ዓመት ታሪኹ ሳሕቲ ጥራሕ እዩ ተራእዩ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ነቲ ውጽኢት ብሓጐስ ብምቕባል፡ "ኤርትራ፡ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ዘስካሕክ ሰብኣዊ መሰላት ጸብጻቡ ንዘቕርብ [ፍሉይ ልኡኽ] ከተሰናኽልን ስሙ ከተጸልምን ብእትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ንማሕበረሰብ ዓለም ከተዐሹ ከም ዘይትኽእል ዘርኢ ኣገዳሲ መልእኽቲ እዩ፡" ኢሉ።
ኤርትራ ነዚ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኣተኲሩ መርመራ ዘካይድ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ።
ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት፡ ንውልቀ-ሃገራት ዒላማ ዝገበረ መርመራታት ደው ክብል ንዝገልጽ እማመኣ ዝማጐቱ ልኡኻት ብምስዳድ ተቓውሞኣ ኣስሚዓ ምንባራ ይዝከር።
ከም ብዓል ሱዳን፡ ሩስያን ኢራንን ዝኣመሰላ ሃገራት ንኤርትራ ደገፈን ክህባ እንከለዋ፡ ከም ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን ድማ ነጺገንኦ።
ኣቐዲሙ'ውን መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ብ16 ሰነ ድሕሪ ዘቕረቦ ብዓል 19 ገጻት ጸብጻብ፡ ወከልቲ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብልን ለውጢ ክገብርን ጸዊዖም ነይሮም።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መግለጺኡ፡ "ሃለዋት ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ተሰዊሮም ዘለዉ ሰባት ክግለጽ ኣለዎ። እቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ'ውን ብህጹጽ ክፍትሑ ኣለዎም፡" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ "ብፍላይ በቲ ኣብ ልዕሊ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተቓወምቲ መንግስትን ዝፍጸም ዘሎ ስግረዶባዊ ጸቕጢ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ፡" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ኤርትራ ነቲ ትቕጽሎ ዘላ፡ "ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ዕስክርናን'ውን፡" ደው ከተብሎ ተማሕጺኑ።
ኣብዚ ዓመት ኤርትራ፡ ናብ ዝተወሰና ሃገራት ዒላማ ዝገበረ እዩ ብምባል፡ ዕማሙ ጠቕሊሉ ደው ከብል እያ እማመ ኣቕሪባ ነይራ። ሃገራት ኤውሮጳ ግን ስልጣን ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ድምጺ ብምሃብ ንጠለባ ውዱቕ ገይረንኦን ውሳነ ሓሊፉን።
ፈጻሚ ዳይረክተር ዲፈንድ-ዲፈንደርስ (ፓን-ኣፍሪቃዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት) ሓሳን ሽረ፡ "ፍሉይ ልኡኽ ንግዳያት [ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ] ጥራሕ ዘይኰነ ንመላእ ድያስፖራ ኤርትራ'ውን ዘይትካእ ግደ እዩ ዘለዎ፡" ኢሉ።
እዚ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ፍሉይ ልኡኽ ምዕባለታት ምስናድ፡ ገበነኛታት ምቅላዕ፡ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ድማ ሰብኣዊ መሰላት ዝመሓየሸሉ ፍኖተ-ካርታ ብምድላው ክቕጽል እዩ፡" ክብል ገሊጹ።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ምስቲ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሕ ልኡኽ ኣብ ክንዲ ብሰላም ምስራሕ፡ ዘይተለምደ ስጕምቲ ብምውሳድ ደው ከተብሎ ብምፍታና ኣዝዩ "ተስፋ ከም ዝቘረጸ" ገሊጹ። "እቲ ዝኸደቶ ኣገባብ ንኣሰራርሓ ቤትምኽሪ ዝሃስን ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ሃገራት ወይ ጉዳያት ንዝካየድ ተግባራት ሕማቕ ኣብነት ዝኸውንን እዩ፡" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ ነቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ዝገበረቶ 'ለውጢ' ብቕንዕና ተገይሩ ኢሉ ከም ዘይኣምን ይገልጽ።
"ምስ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንምስራሕ ዘቕረቡዎ ዕድመ ቅንዕና ዘይብሉ ምዃኑ'ውን ስክፍታ ኣለና። ብሓቂ ክተሓባበሩ እንተ ዝደልዩ፡ ክልተ መዓልቲ ቅድሚ ድምጺ ምሃቡ ዘይኰነ፡ ኣቐዲሞም ነዚ ለውጢ ምተጸንበሩዎ ነይሮም። ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ንምሕጋዝ ብዙሕ ግዜ ሕቶ ኣቕሪቡ'ኳ እንተ ነበረ፡ ኣይተቐበሉዎን።"
"ውሳነና ኣንጻር ኤርትራ ኣይኰነን፡" ዝበለ ሕብረት ኤውሮጳ፡ "ንዅሉ ኤርትራዊ ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ንምሕጋዝ ብሓቀኛ መንገዲ ብሓባር ምስራሕ'ዩ። ኤርትራ ነቲ ቀንዲ ሕጊ ቤትምኽሪ ከተኽብር - ማለት ክትተሓባበርን ሃናጺ ዝርርብ ክትገብርን - ሰብኣዊ መሰላት ናይ ኵሉ ሰብ ክሕሎን ክሰፍሕን ብቐጻሊ ንሓትት፡" ኢሉ።
ወኪል ኤርትራ ሃብቶም ዘርኣይ ነቲ ውሳነ ብትሪ ብምንቃፍ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ከም "መግዛእታዊ መድሓኒ" ኰይኑ ይውሳእ ከም ዘሎ ወቒሱ። እዚ "neo-colonial savior mentality complex" ክብል ዝተጠቕመሉ ኣምር፡ ገለ ሃገራት ወይ ጕጅለታት ዝሕግዙ ወይ ዘድሕኑ ተመሲሎም ዝዋስኡ ኰይኖም፡ ኣብ ግብሪ ግን ንምቍጽጻር ዝዓዩ እዮም።
ዕማም ፍሉይ ልኡኽ ክቕጽል ውሳነ ብምትሕልላፉ፡ "ዘይፍትሓውን ዘይስነመጐታውን እዩ፡" ኢሉ።
ኣብቲ ኣብ ሰነ ዝተኻየደ መጋባእያ'ውን፡ ነቲ ብፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ "ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎ'ዩ፡" ክብል ብምንጻግ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝኽተሎ ፖሊሲ ርትዓዊ ከም ዘይኰነ ነቒፉ ነይሩ።
ነቲ ብኤርትራ ዝቐረበ እማመ፡ ኢራን፡ ሱዳንን ሩስያን ክድግፍኦ ከለዋ፡ ቻይና'ውን ከም ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ዝኣመሰሉ ዕማማት ንኣህጉራዊ ጸጋታት "ብዘይግቡእ ምጥቃም እዩ፡" ኢላ ደገፋ ንኤርትራ ገሊጻ።
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1993 ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ንዅነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝምርምር ድማ ኣብ 2012 ስርሑ ጀሚሩ።