ኣዕጽምቲ ርእሲ ኣያታቶም ኣብ ጀርመን ዝደልዩ ዘለዉ ታንዛንያውያን

ኢሳርያ ኣናኤል መሊ፡ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ሬሳ ኣቦሓጐኡ ክደሊ ጸኒሑ’ዩ።

ንሱ፡ ቅድሚ 123 ዓመታት ኣባሓጐኡ ማንጊ ሜሊ ምስ ካልኦት 18 ሓለፍትን ኣማኸርቱን ብሓደ መግዛእታዊ ሓይሊ ጀርመን ተሓኒቝ ምስ ተቐትለ፡ ኣዕጽምቲ ርእሱ ኣብ ቤተ መዘክር በርሊን ከም ዝተቐመጠ ይኣምን።

ድሕሪ እዚ ኵሉ ግዜ፡ ሓደ ሚኒስተር ጀርመን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጀርመን ኣብ ሰሜናዊ ታንዛንያ ብዝተፈጸመ ቅትለት ይቕሬታ ክትሓትት ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ።

ካልኦት ውሉዳት እውን ኣዕጽምቲ ኣያታቶም ክደልዩ ጸኒሖም እዮም፤ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ብፍሉይ መርምር ዲኤንኤ፡ ኣዕጽምቲ ርእሲ ክልተ ካብቶም ዝተቐትሉ ኣብ ቤተ መዘክር ከም ዘሎ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ታሕተዋይ ቍልቁለት እምባ ክሊማንጃሮ እትርከብ ኣሻዅ ገረብ፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ከም መጽለሊ ዕዳጋ ነበርቲ ቁሸት ትሱዱኒ ተገልግል ነይራ።

ኣብዛ ገረብ ዝተፈጸመ ዘሕዝን ክስተት ጽልዋኡ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመታት ዝቐጸለ’ዩ።

እቶም ወለዶ ከም ዝብልዎ፡ ብዕለት 2 መጋቢት 1900 በብሓደ እዩ 19 ሰባት ብማሕነቕቲ ተቐቲሎም።

እቶም ሰባት፡ ንመግዛእታዊ ሓይልታት ጀርመን ንምጥቃዕ ውዲት ፈጺሞም ተባሂሎም ብዝብል ክሲ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሞም እዮም ብታህዋኽ ተፈሪዶም።

ጀርመን ገዛኢት እቲ ከባቢ ምዃና ወግዓዊ ዝዀነ ኣብ 1884-1885 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ በርሊን’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ዋዕላ፡ ሓይልታት ኣውሮጳ ኣፍሪቃውያን ርእይቶ ኣብ ዘይሃቡሉ ዋዕላ ነታ ኣህጉር ተማቒሎምዋ።

ካብቶም ዝተቐትሉ ሰባት እቲ ዝያዳ ጐሊሑ ዝርአ ማንጊ መሊ ዝተበሃለ ሓለቓ እዩ። ንሱ፡ ብ1892 ንሓይልታት ጀርመን ስዒርዎም ነይሩ። እቲ ዓወት ድሒሩ ተቐይሩ - ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣውሮጳውያን ነቲ ሽዑ ጀርመናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝብል ዝፍለጥ ከባቢ ተቘጻጺሮም።

ኣብቲ ከባቢ ዘለዎም ስልጣን ከሐይሉ ስለዝደለዩ ድማ ናዕቢ ክፈጥሩ መደብ ኣውጺኦም ክዀኑ ዝኽእሉ ማንጊ መሊን ካልኦት ናይቲ ከባቢ መራሕቲ ከም ኣብነት ክቐጽዑ ደልዮም።

እቲ ንምውራድ ዝግበር ጻዕሪ ነቶም ሰባት ብምስቃል ጥራይ ኣይኰነን ተዛዚሙ።

መብዛሕትኡ ኣካለቶም ኣብ ጥቓ እታ ገረብ ብጃምላ ከም ዝተቐብሩ ይእመን። እንተዀነ ርእሶም ተቘሪጹ፡ ተዓሺጉ ናብ ርእሰ ከተማ ጀርመን ተላኢኹ። ኣብ ገለ ዅነታት ምሉእ ኣዕጽምቲ ብመርከብ ይለኣኽ ነይሩ’ዩ።

ኢሳርያ ኣናኤል መሊ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣቦሓጐኡ ዝተፈጸመ ነገር ክዛረብ ከሎ፡ ብሕርቃን ዘይኰነስ ሓዘን ብዘንጸባርቕ ድምጺን እቲ ክስተት ክፍጸም ስለምንታይ ከም ዝተገበረ ብዘይ ምእማን ስምዒት ተዋሒጡን’ዩ።

እቲ ብሩህ 92 ዓመት ዝዕድመኡ መሊ፡ ዓባዩ እየን ብዛዕባ’ቲ ቅትለት ነጊረናኦ። ንሱ ከም ዝብሎ ድማ ዓባዩ ነቲ ቅትለት ክዕዘባ ተገዲደን ነይረን።

"ኵሉ ግዜ፡ ኵሉ ግዜ፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ሕልመይ ይረኣየኒ ነይሩ" ይብል።

መሊ እንተወሓደ ካብ 1960ታት ጀሚሩ፡ ኣዕጽምቲ ኣባሓጐኡ ንኽደልዩ ናብ ሰበስልጣን ጀርመንን ታንዛንያን ክጽሕፍ ጸኒሑ’ዩ።

ሰበስልጣን፡ እቶም ዝድለዩ መዛግብቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ከም ዝዓነዉ ብምግላጽ ክነጽግዎ ከም ዝፈተኑ ይዛረብ። ንሱ ግን በዚ ኣይተዓንቀፈን።

ናብቲ ከባቢ ዝመጹ በጻሕቲ ኵሉ ግዜ “እቲ ኣዕጽምቲ ርእሲ ክመልሱ ንኹሉ ህዝቢ ጀርመን ንገር” ከም ዝብልዎ ይገልጽ።

እዚ ታሪኻዊ በደል ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ዓሚቝ ስእነት ምዃኑ ዝሕብር ስምዒት ኣሎ።

ማንጊ መሊ ካብ ብሄረ ቻጋ ዝመጸ መራሒ እዩ ነይሩ፤ ቻጋ ሓደ ካብቶም ኣብ ዘመናዊት ታንዛንያ ፍሉጣት ብሄራት ክኸውን እንከሎ ንህዝቢ እቲ ብሄርን ንኻልኦት ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ሰባትን፡ ርእሲ ካብ ኣካል ተቘሪጹ ካብታ ሃገር ምውሳዱ ኣዝዩ ዘሰክፍን ዝርብሽን እዩ።

ኣብ ባህሊ ቻጋ ምዉታት፡ ምእንቲ ብህይወት ንዘለዉ ምክትታል ክቕጽሉ ኣብ ቀጽሪ-ሕርሻ ክቕበሩ ኣለዎም። እዚ ዘይምግባር ድማ ኣብ ወለዶታት ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ይእመን።

"እቶም ኣዕጽምቲ ርእሲ ኣብ ጀርመን እንተገዲፍናዮም፡ መንፈሶም ነቶም ስድራቤታት ከሻቕልዎም እዮም" ይብል ብኸፊል ንባህሊ ቻጋ ንዓለም ንምጉላሕ፡ ትካል ባህላዊ ቱሪዝም ኦልድ ሞሺ ዝመስረተ ጋብሪኤል ምዘይ ኦሪዮ።

"መንፈሶም 'ኣበይ ከምዘለና ትፈልጡ፡ ብሕሱም መንገዲ ከም ዝተወሰድና’ውን ትፈልጡ፤ ግን ሞ ናብ ዓድና ኣይተመልሱናን' ይብሉ ኣለዉ።"

ሲሙላንጎ ሞለሊያ ወዲ ወዲ ካልእ ግዳይ ናይቲ ቅትለት’ዩ፤ ንሱ’ውን ስድራኡ ብመንፈስ እቲ ሓለቓ ይሻቐሉ ከም ዘለዉ ይኣምን።

እቲ ወዲ 69 ዓመት ሰብኣይ፡ ገዛኡ ብተኽሊ ባናና ዝተኸበበ’ዩ። ኣብዚ ከምቲ ኣደኡን ኣቦኡን ኣብኡ’ዮም ተቐቢሮም። እዚ ድማ ኣባሓጐኡ ዘይረኸቦ ልምዲ እዩ።

"እቲ ቅትለት ንብዙሓት ዝጸለወ’ዩ" ይብል፤ ከም ንሱር ምጥቃዕ ምዃኑ ድማ ይሕብር።

"ማንጊ ሞለሊያ ምስ ተቐትለ፡ እታ ስድራቤት ሃብታ ስኢና። ክሳዕ ሕጂ ነገራት ጽቡቕ ኣይኰኑን።"

እዚ ግን ነቶም ቅድሚ ልዕሊ 120 ዓመት ነቶም ኣዕጽምቲ ርእሲ ዝወሰዱ ዋላ ሓንቲ ዘተሓሳስብ ኣይነበረን።

ኣብ መበል 19ን መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመንን ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝነበሩ ቤተ መዘክራትን ካልኦት ትካላትን ዓበይቲ እኩባት ኣዕጽምቲ ርእሲን ካልኦት ኣካላት ደቂ ሰባትን ኣኪቦም’ዮም።

እዚ ብኸፊል ኣብቲ ሕጂ ዘይእመነሉ ፍሬኖሎጂ ዝበሃል ሳይንስ ብዝነበረ ዓቢ ተገዳስነት ዝተደፋፍአ እዩ። እዚ ሳይንስ፡ መሰረታዊ ባህርያት ሓደ ሰብ ኣብ ቅርጺ ዓጽሚ ርእሱ ይንጸባረቕ’ዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝተመርኮሰ ነይሩ።

ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ዓሌታዊ ባእታ ነይርዎ፤ ተመራመርቲ ዓሌታዊ ስርዓተ-መሰረት ንምቛም ይጽዕሩ ነይሮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሰባት ካብ መላእ ዓለም ኣዕጽምቲ ርእሲ ክእክቡ ጀሚሮም።

ኣብ በርሊን ኣብ ዝርከብ ንጉሳዊ ቤተ መዘክር ኢትኖሎጂ ንክፍሊ ኣፍሪቃን ውቅያኖስን ዝመርሕ ዝነበረ ጀርመናዊ ተመራማሪ ስነ-ሰብ ፈሊክስ ፎን ሉሻን፡ ካብ ግዝኣት ጀርመንን ካብ ካልኦት መግዛእቲ ኣውሮጳን ኣካላት ናይ ዝሞቱ ክረክብ ድሌት ነይርዎ።

ኣብ መጋቢት 1901 - ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ቅትለት - ቮን ሉሻን ብቐጥታ ናብ ቀዳማይ ሌተናል ሞሪትዝ መርከር ደብዳበ ጽሒፉ። መርከር፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኪሊማንጃሮ ዝነበሩ ሓለፍቲ ሓይልታት ጀርመን እዩ ነይሩ።

እቲ ደብዳበ ብዛዕባ ገለ ባህላዊ ቅርስታት ዝምልከት ኰይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ግን "ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒመ፡ ንደቀባት ገለ ኣዕጽምቲ ማሳይን ቻጋን ክህቡና ክትሓትት ትኽእል እንተዄንካ ይሓትት ኣለኹ" ክብል ጽሒፉ።

ኣብ ዝቐጽል ወርሒ መርከር መልሲ ልኢኹ፤ ገለ ኣካላት ሬሳታት ኣብ መንገዲ ከም ዘሎን ካብ ወደብ ዳሬሰላም ዝመጸ ናይ መርከብ ጽሑፍ ክልተ ሳንዱቕ ኣዕጽምቲ ርእሲ ቻጋን ማሳይን ከም ዝተላእከን ገሊጹ።

ዓጽሚ ርእሲ ማንጊ መሊ ካብቶም ዝተላእኩ እንተነይሩ ንጹር ኣይኰነን፤ እዚ ግን ገለ ካብ ሬሳታት ናይቶም ዝተቐትሉ ሰባት ኣብ ዝተጓዕዘሉ እዋን ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብቲ ንምርካብ ዝግበር ወፍሪ ብብዝሒ ዝተሳተፈ ጀርመናዊ ተመራማሪ ኮንራዲን ኩንዘ ይዛረብ።

ብድሕሪኡ እቶም ዝተለኣኹ ኣዕጽምቲ ናብቲ ሰፊሕ ማህደር ቮን ሉሻን ኣትዮም፡ እዚ ድማ ‘S-collection’ ("s" ኣጽሚ ርእሲ ይውክል) ዘጠቓልል ኰይኑ ክሳዕ ኣብ 1924 ዝመውት 6,300 ቅምሶታት ኣኪቡ ነይሩ።

ገለ ካብቲ ብሕታዊ እኽብካቡ ብመበለቱ ኣብ ኒውዮርክ ንዝርከብ ቤተ መዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ኣመሪካ ተሸይጡ። እዚ ኸኣ ምሉእ ኣካል ዓጽሚ ናይ ሓደ ካብቶም ብ1900 ዝተሰቕለሉ ዘጠቓልል እዩ።

እቶም ዝተረፉ ኣዕጽምቲ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብሓያሎ ትካላት ሓሊፎም፡ ኣብ 2010 ድማ ኣብ ትሕቲ ክንክን ናይቲ ኣብ በርሊን ዝመደበሩ ፋውንደሽን ባህላዊ ውርሻ ፕሩሽያ ተነቢሮም - ምስኡ ዝኸዱ መብዛሕትኦም ሰነዳት ግን ጠፊኦም እዮም።

"እቶም ጀርመናውያን ዝገበርዎ ነገር ጽቡቕ ኣይነበረን" ይብል ዛብሎን ንደሳምቡሮ ኪዌሉ፤ ከም ኣማኻሪ ማንጊ መሊ ኰይኑ ዘገልገለ ኣቦሓጐኡ ምቺሊ ሲንዳቶ ኪዩተሻ ኪዌሉ ሓደ ካብቶም ተሰቒሎም ዝተቐተሉ’ዩ።

75 ዓመት ዝዕድመኡ ኪዌሉ፡ "ሕጕሳት ንኽንከውን እቶም ኣዕጽምቲ ርእሲ ናብዛ ሃገር ክምለሱ ንጽበ ኣለና፡ ምኽንያቱ ሕጕሳት ኣይኰናን" ይብል።

ንምምላስ ግን እቶም ኣዕጽምቲ ምልላይ ኣድላዪ’ዩ ነይሩ። ሰፊሕ እኽብካብ ቮን ሉሻን ብዙሕ ምዃኑን ሰነዳት ምጥፋኦምን ኣብ ግምት ብምእታው ግን እዚ ዕማም እዚ ዘይከኣል ይመስል።

እቲ ዓቢ እኽብካብ ኣካላት ደቂ ሰባት ዝነበሮ ፋውንደሽን ባህላዊ ውርሻ ፕሩሽያ፡ እቶም ኣዕጽምቲ ካበይ ከም ዝመጹ ንምርግጋጽ ቃል ከም ዝኣተወ ይገልጽ።

ተመራመርቲ ግምታዊ መበቈሎም ፈሊጦም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም፤ ሓደ ዓጽሚ ርእሲ ኣብ ሓደ እዋን ናይ መን ከም ዝነበረ ምፍላጥ ግን ዳርጋ ዘይከኣል እዩ ተባሂሉ’ዩ ተሓሲቡ።

ገለ ካብቶም ወለዶ ናይቶም ዝተሰቕሉ፡ መርመራ ዲኤንኤ ክሕግዝ ይኽእል እዩ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ፡ እዚ ክውደብ ዝኽእል ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ኣብ ትካል ስነ-ጥበብ ፍሊን ወርክስ ምስ ዝሰርሕ ኩንዝ ዝተበሃለ ሰብ ርክብ ገይሮም።

ብድሕሪኡ ኩንዝ ኣብ ታንዛንያ እቶም ሬሳታት ንምጽራይ ዝወዓለ መሓሰስያ ንምርካብ ሓጊዙ፡ ፋውንደሽን ባህላዊ ውርሻ ፕሩሽያ ድማ ኣብ ገለ እቶም ኣካላት ትንተና ከካይድ ኣእሚኑ።

ተመራመርቲ ፋውንደሽን ባህላዊ ውርሻ ፕሩሽያ፡ ገለ ካብቶም ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ "ዋቻጋ" ዝብል ቃል ሓዊሱ ምልክት ካታሎግ ስለዝተገብረሎም፡ ካበይ ከም ዝመጹ ምግማት ከም ዝከኣል ብምምልካት ሓጊዞም።

ኣብቲ እኽብካብ ዝነበሩ ሸሞንተ ኣዕጽምቲ ርእሲ ናይቶም ብ1900 ዝተሰቕሉ ሰባት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኣለልዮም።

ቅምሶ ዲኤንኤ ናይቶም ወለዶ ናብ ጀርመን ተላኢኹ፡ ድሕሪኡ ድማ እቲ ምትእስሳር ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ተጀሚሩ።

ዶክተር ጃኒን ማዛነክ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጐቲንገን ተመራማሪት ስነ-ህይወታዊ ስነ-ሰብ እያ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ኣብ ታሪኻዊ መቓብር ትሰርሕ። ብተወሳኺ ምስ ፖሊስ ብምዃን ግዳያት ገበን ንምልላይ ሓጊዛ እያ።

ነቲ ኣዕጽምቲ ርእሲ ዝምልከት ጉዳይ ግን ዘይተለምደ መስርሕ እዩ ነይሩ።

ሓደ ካብቲ ካብ በርሊን ናብ ቤተ-ፈተነኣ ዝተላእከ ዓጽሚ፡ ምልክታት ምቍራጽ ከም ዘለዎ ኣስተብሂላ። እዚ ድማ እቶም ኣዕጽምቲ፡ ሬሳታቶም ድሕሪ ምብስባሱ "ካብ መቓብር ከምዘይተወሰዱን" እቶም ሰባት ምስ ሞቱ ነዊሕ ከይጸንሐ ስጋኦም ካብ ኣዕጽምቲ ርእሶም ከም ዝተኣለየን የመልክት። እዚ’ውን ምስቲ ቅትለት ገለ ምትእስሳር ክህልዎም ከም ዝኽእል ካልእ ኣመት ዝህብ እዩ ነይሩ።

እታ ዶክተር ካብ መንጋጋ እቶም ኣዕጽምቲ ቅምሶ ዲኤንኤ ብምውሳድ ምስቲ እቶም ደቂ ደቂ ዘምጽእዎ ቅምሶታት ተነጻጺሩ።

ኣብ ሓደ ካብቶም ኣዕጽምቲ ድማ ምሉእ ምትእስሳር ኣብ ካልእ ድማ ልዑል ተኽእሎ ምትእስሳር ረኺባ።

ዓጽሚ ርእሲ ኣቦሓጐ ኪዌሉን ሞለሊያን ተረኺቡ። ኣካል ማንጊ መሊ ግን ኣይተለለየን።

ዶክተር ማዛነክ፡ ብፍልጠታ እዚ ዓይነት ትንተና ዲኤንኤ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዝፍለጡ ውልቀሰባት ምስቶም ኣብ ምትእኽኻብ ርእሲ ምትካል ዝዛዘሙ ተረፍ መረፍ ስሞም ዝተሰምዩ ውልቀሰባት ንምትእስሳር ንመጀመርታ ግዜ ከምዝተጠቕመ ትዛረብ።

ንገሊኦም እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ምድላይ ከንቱ ኣይነበረን፤ እተን ስድራቤታት ድማ ቅኑዓት ኰይነን እየን።

ፕረዚደንት ፋውንዴሽን ባህላዊ ውርሻ ፕሩስ "እዚ ዜና ንዓና ንእሽቶ ተኣምር’ዩ፡ ኣዝዩ ዘሐጉሰና'ዩ። [እዚ] ንኣኻትኩም’ውን ሓጎስ ከም ጽኣልኩም ተስፋ እገብር" ክብል ጽሒፉ።

ሕጂ እቶም ኣዕጽምቲ ንምምላስ መስርሕ ክጅመር ከም ዝኽእል ወሲኹ ሓቢሩ።

ኪዌሉ፡ "እቲ ዓጽሚ ክምለስ ምዃኑ ኣዝዩ ኣሓጒሱና" ይብል።

ሞለሊያ ድማ ዓጽሚ ርእሲ ኣባሓጎኡ ኣብ ታንዛንያ "ብባህሊ ቻጋና ክቕበር" ከም ዝደሊ ገሊጹ።

እቲ ዝተሓላለኸ መስርሕ ክኸውን ዝኽእል ምምላስ ኣዕጽምቲ ንምምችቻው ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ጀርመንን ታንዛንያን ዘተ እናተኻየደ ይርከብ።

ሕጂ ኣቓልቦ ናብ መንግስቲ ጀርመንን ብዛዕባ መግዛእታዊ ሕሉፍ ታሪኹ ዝግበሮ ምስትንታንን ይኸይድ።

"ጀርመን ታሪኻዊ ሓላፍነታ ትምክት ኣላ... [ከምኡ'ውን] ምስቲ ዝተፈጸመ በደላት ንምስምማዕ ክትስጕም ቃል ኣትያ ኣላ" ትብል ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካትጃ ኬውል።

ቅድሚ 123 ዓመታት ኣብ ልዕሊ እቶም 19 ደቂ ተባዕትዮ ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት ማሕነቕቲ ሓደ ካብቶም ንሳ ዝጠቐሰቶም "ብዙሓት ገበናት" እዩ።

ጀርመን ብዛዕባ እቲ ቅትለት ይቕረታ ክትሓትት ድልውቲ እንተዀይና ብቐጥታ ምስ ተሓተተት፡ "እወ" ኢላ፤ ብኸመይ እዚ ከም ዝፍጸም ግን ዝዀነ ዝርዝር ኣይሃበትን።

ወዲ ወዲ ናይቲ ርእሱ ዘይተረኽበ ማንጊ መሊ ዝዀነ መሊ ግን፡ ንዓሰርተታት ዓመታትድሕሪ ምድላይ ሓዚኑ ኣሎ።

ሕጂ’ውን ኣብ ገለ ቦታ ኣብ እኽብካብ ቤተ መዘክር ከም ዘሎ ርግጸኛ እዩ።

"ይሳቐ’የ ዘለኹ፤ ነዚ ገንዘብ ኣውጺአ’የ፡ እንታይ ንምርካብ?"

ግን ተስፋ ኣይቈረጸን።

"ቅድሚ ምማተይ ንኣቦሓጐይ ክርእዮ እደሊ’የ።"