እስራኤል ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይትጥርዝ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

እስራኤል ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጥረ ዕግርግር ብዝተሓሓዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይትሰጒግ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ለንደን ተኻዪዱ።

እቲ ብኤርትራውያን ተቓወምቲ መንግስቲ ዝተወደበ ሰልፊ፡ እስራኤል ዓለምለካዊ ውዕላት ሓለዋ ስደተኛታት ከተኽብር ጸዊዑ'ሎ።

ኣብቲ ኣብ ፊት ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ዝተኻየደ ሰልፊ፡ እቶም ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም "ንማእሰርቲ፡ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ፡ ከምኡ'ውን ንሓደጋ ሞት ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ" እቶም ሰልፈኛታት ኣጠንቂቖም።

"መንግስቲ እስራኤል ምጥራዝ ብምውንዛፍ ነቲ ቅልውላው ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብምትሕብባር ክፈትሖ ንምሕጸን" ይብል ብስም ምንቅስቓስ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ንፍትሒ ዝወጽአ መግለጺ።

"ኤርትራውያን ብሰንኪ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት'ዮም ዓዶም ገዲፎም ዝሃድሙ ዘለዉ። ንውዕል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት 1951 ከም ዝፈረመትሉ መጠን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ሓለዋ ክትገብረሎም ትጽቢት ይግበረላ"።

ሰልፈኛታት ብጽኑዕ ሓለዋ ፖሊስ ተሰንዮም ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ (ዳውኒን ስትሪት 10) ብምኻድ'ውን ተመሳሳሊ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብ4 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ወገናት ካብ ስጉምትታት ሕነምፍዳይ ክሕየቡን ሕግታት እታ ሃገር ከኽብሩን ጸዊዑ ነይሩ።

"ካብቲ ዘጋጠመ ግጭትን ክመጽእ ዝኽእል ፖለቲካውን ፖሊስያውን ሳዕቤናት ንምንካይ UNHCR ምስ መንግስቲ ንምዝርራብ ኩሉ ጻዕርታት ክገብር እዩ።

"በቲ ዓመጽ ዝተሃስየ ሰብ እንደሕር አሎ ናይ UNHCR መሻርኽቲ ትካላት ንዝኾነ ሓገዝ ንምሃብ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ድሉዋት እየን፡ ኣድላይነት እንተሃልዩ ድማ, ሓገዝ ንምርካብ ርኸብዎም" ክብል እቲ ትካል ተማሕጺኑ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ጸቕትታት ከምዝገብር'ውን እቶም ተቓወምቲ ከሲሶም።

እቲ ኤምባሲ ብወገኑ ብ5 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ጎነጽ "ፖለቲካዊ መልክዕ ንምሃቡን ንማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ይኹን ንመንግስቲ ኤርትራ ንምድዋን ዝካየድ ዘሎ" እዩ ክብል ነቒፉ ነይሩ።

ኣብቲ ብቀዳም 2 መስከረም ኣብ መንጎ ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ኤርትራ ዝተወልዐ ካብ ክልቲኡ ወገን ልዕሊ 170 ስደተኛታትን ልዕሊ 50 ፖሊስን ከምዝቖሰሉን ኣብ ንብረት እውን ከቢድ ጉድኣት ምብጽሑን ይዝከር።

ድሕሪ እቲ ግጭት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ "ቀይሕ መስመር ተጣሒሱ" ብምባል ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ኤርትራውያንን ካልኦት ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያንን ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ምዃኖም ኣጠንቂቑ ነይሩ።

"ኣብቲ ዘቖምናዮ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ሓደ ሽሕ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ንምስጓግ ዘጠቓልል ስጉምትታት ክውሰድ ሓቲትና ኣለና።

"ደገፍቲ እቲ ስርዓት፡ ‘ንሕና ስደተኛታት ኢና ክብሉ ኣይክእሉን እዮም’። እንተድኣ ደጊፎሞ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደገፍትን ተቓወምትን እቲ ስርዓት ዝተኻየደ ናዕቢ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ይእሰሩ ከም ዘለዉ ማዕከናት ዜና እስራኤል ይገልጻ ኣለዋ።

ነዚ ናይ ቀዳም ፍጻመ ኣመልኪቱ፡ ብ5 መስከረም ዝወጸ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ፍጻመ፡ “ፋይዳ ዘይብሉ ከንቱ ሸርሒ እዩ” ከምኡ'ውን ሞሳድ ዝርከቦም ዓበይቲ ትካላት ስለያ፡ ብመኸተ ህዝቢ ኤርትራ ሰንቢዶም፡ "ብዕማኾ ሃሱሳት" ኣንጻሩ ዝሃንደስዎ ክብል ነቲ ግጭት ገሊጽዎ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ግን ኣንጻር ስርዓት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ከካይዱ ጸኒሖም ኣለው።

ሃገራዊ ቅዋም ክትግበር፡ ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ፡ ፖለቲካዊ ተጻዋርነት ክህሉ ፡ ጠንቂ ስደት ብዙሓት መንእሰያት ዝዀነ ደረት ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከብቅዕ ዝብሉ ጠለባት የቕርቡ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንተቓወምቱ ብምእሳርን ብምስዳድን ነታ ሃገር ብዘይቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ካብ 1991 ጀሚሩ ይመርሓ ኣሎ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብሰንኪ እቲ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምግሃስ መሰላትን ናብ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ይፍለጥ።