እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መቝሕ ጨወይትን ስደትን ዝሰዓረ ኤርትራዊ ሊቅ- ህያብ ዮሃንስ
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ብዙሓት ካብ ዓዶምን ማሕበረሰቦምን፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ውሑስ ናብ ዝበልዎ ሃገር ዝሳግሙ ስደተኛታት ኣብ ጕዕዞኦም ዝተፈላለየ ጸገማት ከጋጥሞ ተራእዩ እዩ።
ዶብ ሃገርካ ብኽንደይ ሽግራት ሰጊርካ፡ ጽምእን ጥሜትን፡ ከትራንን ዓመጽን፡ ጭውያን ቅትለትን ንቡር ተርእዮ ኰይኑ፡ ኵሉ ዓይነት መሰናኽላት ምድረበዳ ሰጊርካ'ውን፡ ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም ሓደጋታት ንምስምዑ ዝኸብድ ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን።
ይዅን እምበር፡ ነቲ ኣብ ጉዕዞኦምን ኣብ ዝዓለብዎ ሃገራትን ዘጋጥሞም ብድሆታት ሰጊሮም ንዝረኽብዎ ዕድላት ጸንቂቘም ብምጥቃም ዘደንቕ ዓወት ዝጐናጸፉ ስደተኛታት ውሑዳት ኣይኰኑን።
ህያብ ዮሃንስ ሓደ ካብቶም ከቢድ ዕንቅፋታት ጕዕዞ ስደት ሰጊሩ፡ ለይትን ቀትርን ጽዒሩ እናሰርሐን እናተማህረ ኣብ ዩኒቨሪሲቲ ግላስጐ መዓርግ ፒኤችዲ ክጐናጸፍ ዝኸኣለ ኤርትራዊ እዩ።
ህያብ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግላስጐ ከምኡ’ውን ኣብ ሮያል ሶሳይቲ ኤደንብራን ይምህርን ይመራመርን ኣሎ።
ዩኒቨርሲታት ግላስጐን ኤደንብራን ልዕሊ 800 ዓመት ዘደንቕ ታሪኽ ዘለወን ብኣካዳምያዊ ብቕዓተን ዝፍለጣ፡ ኣብ ታሪኽ ስነ-ጥበብን ስነ-ፍልጠትን ዘደንቕ ዓወት ዘመዝገባ ትካላት ትምህርትን ምርምርን እየን።
ዩኒቨርሲቲ ግላስጐ ንኣብነት፣ ከም ኣቦ መንበር ፊዚክስ ዝፍለጥ፡ ኣብ ኵሉ ዓይነት ስነኣካላዊ ስነፍልጠት፡ ክልሰ ሓሳባውን ግብራውን ምርምር ብምክያድ ብፊዚክስ ዓለምለኻዊ ዝና ዝረኸበ ሊቅ ዊልያም ቶምሰን፤ ሊቅ ስነቝጠባ፡ ፈላስፋን ደራሲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስምዒታትን ሃብቲ ሃገራትን ዝጸሓፈ ተሸላሚ ስልማት ኖቨል ኣዳም ስሚዝ፤ ብስነቅመምን ስነመድሃኒትን ስልማት ኖቨል ዝወሰዱ ሸውዓተ ካልኦት ሊቃውንትን ዘፍረየ እዩ።
ዩኒቨሪሲቲ ኤደንብራ እውን ንከም በዓል ኣሌክሳንደር ግርሃም በል፡ ተሌፎንን ቴሌግራፍን ዝመሃዘ፡ ንከም ህቡብ ፈላስፋን ጸሓፍን ደቪድ ሂዩም፡ ንከም ፍሉጥ ኢንግሊዛዊ ተመራማሪ ተፈጥሮን ስነሂወትን ቻርለስ ሮበርት ዳርዊን፡ ንከም ሸርሎክ ሆልመዝ ብዝብል ገጸ-ባህሪ ዛንታታት ገበንን ካልእ ብዙሕ መጻሕፍትን ዝጸሓፈን ኣማኢት ካልኦት ሓያላት ስሙያት ሰባት ዘምሃረን ዓመታዊ ካብ መላእ ዓለም ዝመጽኡ ልዕሊ 60ሽሕ ተምሃሮ ዝቕበል ዩኒቨርሲቲ እዩ።
እዚ ከም ኣብነት ናይ ውሑዳት ዕውታት ስደተኛታት ክጥቀስ ዝከኣል፡ ብሓያል ጻዕርን ጽኑዕ መንፈስ ዓወትን ሕልምታቱ ጋህዲ ዝገበረ ኤርትራዊ ስደተኛ ህያብ ዮሃንስ መን እዩ ብኸመይ’ከ እዩ ናብዚ ሕጂ እንዛረበሉ ዘሎና ደረጃን ዓወትን በጺሑ? ንዝብሉ ሕቶ እምበኣር ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣዕሊሉ ኣሎ ናብ ድሕረ ባይታኡ፡ ጉዕዞ ስደቱ፡ ብድሆታቱን ዓወታቱን ክንሰግር፤
ድሕሪ ባይታ
ህያብ ተኽለሃይማኖት ዮሃንስ ኣብ ከባቢ ከረን ካብ ዝርከባ ንኣሽቱ ዓድታት ተወሊዱ፤ ንስድራ ቤቱ ኣብ ማሕረስን መጓሰን እናተላእከ፡ ብስነ ምግባርን ባህልን ተዀስኲሱ፡ ሕብረተሰብ ብሌን ትግረን ትግርኛን ብሓባር ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ከረን ዝዓበየ ኤርትራዊ እዩ።
ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ወዲኡ፡ ኣብ መበል 18 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ወሪዱ።
ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ወዲኡ መባእታዊ ወተሃደራዊ ስልጠናን ወሲዱ፡ ናብ ኮለጅ ዘእትዎ ነጥቢ ስለዝረኸበ ናብ ኮሌጅ ማይነፍሒ ተጸንበረ።
ይዅን እምበር ካብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ሳዋ፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ከቐጽሎ ዝኽእል ነጥቢ'ኳ እንተምጽአ፡ ነቲ ዝደልዮ ዓውዲ ትምህርቲ ክመርጽ ከምዘይክኣለ ይዛረብ።
“መብዛሕትና እቶም ኣብ መበል 18 ዙርያ ዝተዓለምና እንደልዮ ዓይነት ዓውደ ትምህርቲ ክንመርጽ ዕድል ኣይረኸብናን። ናብቲ ኮሌጅ ምስ መጻእኩ ስመይ ኣብ ዓውደ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተረቚሑ ስለዝጸንሓኒ ዝደለኹዎ ዓይነት ትምህቲ ክቕይር ኣይከኣልኩን፡ ጂኦግራፊ ተማሂረ፡” ይብል።
ብድሕሪኡ ህያብ፡ ብዅሉ ሸነኽ ኣብ ኤርትራ ምንባር ምስ ከበዶን ሕቶ ምንባር ምስ ኰኖን ቀዳማይ ዲግሪኡ ዛዚሙ፡ ብ2011 ካብ ሃገሩ ወጺኡ፤ ጉዕዞ ስደቱ ድማ ኣሃዱ ኢሉ ፈለሞ።
መጀመርያ ካብቲ ዝነበሮ ናብ ጋሽ ባርካ ዘብጽሕ መንቀሳቀሲ ወረቐት ስለዝነበሮ ብዘይ ጸገም ክሳብ ጎልጅ ተጓዕዘ።
ካብኡ ምስ ሰለስተ መኻይድቱ ብሓፊር ኣቢሎም ዶብ ሱዳን ሰጊሮም ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ኣተው።
ኣብቲ መዓስከር፡ ነታ ብብጫ ካርድ እትፈለጥ ወረቐት ስደተኛታት ክሳብ ዝሕዝ ንሰለስተ ወርሒ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ወረቐቱ ምስተዋህበ ብመገዲ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ናብ ካርቱም ኣምርሐ።
ናብራ ስደት
ኣብ ካርቱም ምስ ኣተወ፡ ኣብ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቤት ትምህርቲ ከም መምህር ተቘጽረ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ድሕሪ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ብጥሩፋት ነጋዶ ሰባት ካብ ካርቱም ተጨውዩ ብዘይፍታው ናብ ካይሮ ኣተወ።
ኣብቲ እዋን እቲ ንሱን ከምኡ ዝኣመሰሉን ብዙሓት ኤርትራውያን ከካብ ዋኒኖም ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ተጨውዮም ናብ ሲናይን ግብጽን እናተወስዱ ብኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ኣሽሓት ዶላር ክፈሉ እናተባህሉ ይጭፍጨፉን ብሕሱም መግረፍቲ ይሞቱን ምንባሮም የዘንቱ።
“እቲ ሃዋህው ከቢድ እዩ ነይሩ፤ መጽናዕታዊ ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ እውን ኣብቲ እዋን ካብ 5-18 ሽሕ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ግዳያት ዘይሕጋውያን ኣሰጋጋርቲ ከምዝዀኑን፡ ብዙሓት ካብኣቶም ተጨፍጪፎም ከም ዝተቐትሉን እዩ። ኣነ’ውን ከም ሰበይ ተጨውየ ናብ ካይሮ መጺአ” ይብል እሞ እቲ ጉዕዞ ከመይ ከምዝነበረ ብሓዘን የዘንቱ።
“እቶም ኣብ ካርቱም ዝጨወዩና ነጋዶ ሰባት፡ ብኣጻምእ ሰሃራ ገይሮም ብኣስዋን ኣቢሎም ናብ ካይሮ ኣምጺኦምና። ‘ኢል ሻ ብራው’ ኣብ ዝበሃል ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ንእሽቶ ሆቴል ከኣ ን5 መዓልቲ ዓጽዮም ገንዘብ ከነሐውል ሓቲቶምና።
"ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ኣነን 2 ካልኦት ኤርትራውያንን ሃዲምና ኣምሊጥና፤ ኤርትራውያን ናብ ዝርከብዎ ቦታ ኬድና ተሰዊርና። ካብኡ ዩኤንኤችሲኣር ኣበይ ከምዝርከቡ ሓቲትና ከም ስደተኛታት ተመዝጊብና።” ብምባል ነቲ ዝወረዶ ጸገም ብዘቐንዙ ተዘክሮ የዘንቱ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ዩኤንኤችሲኣር ተርጎምቲ ይደልዩ ስለዝነበሩ፡ ንሱ እውን ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝኽእል ብምዃኑ፡ ምስኦም ከም ተርጓሚ ኰይኑ ስራሕ ጀመረ። ድሕሪ ቅሩብ ከኣ ከም 'ኬይዝ ዎርከር' ብምዃን ንሓተቲ ዑቑባ ይሕግዝ ነበረ።
ኣብቲ ስራሕ ብዙሓት ካብ ሸፋቱ ሲናይ ዝደሓኑ ገሊኦም ብከቢድ መግረፍቲ ዝሰንከሉ፡ ገሊኦም ብዝመክኽ ፕላስቲክ ክሳብ ኣዕጽምቶም ዝቕልቀል ዝነደዱሞ ገፊሕ ቁስልን በሰላን ዘስዓበሎም፣ ገሊኦም ኣጻብዕቲ ኣእዳዎም በብሓደ ዝተቖርጸ፡ ንሓንሳብ እውን ኣጥባተን ብግፍዒ ዝተቖርጻ ንኣሽቱ ደቀንስትዮ ከይተረፈ ይርኢ ስለዝነበረ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ዘይሃስስ ዝኽሪ ኣለዎ።
“ንገሊኦም ናውቲ ኣካላቶም ወሲዶም ሬሳታቶም ኣብ ሰሃራ ዝደርበይዎም ከምዝነበሩ እውን እሰምዕ ኔረ” ብምባል ነቲ ይትረፍ ብግብሪ ክትሓልፎ ብዕላል ክትዛረበሉ እውን ዘስካሕክሕ ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወረደ ከቢድ ግፍዒ ብኣስተንትኖ ይዝክሮ።
ህያብ፡ ምስ ዝተፈላለያ ሎካል ቻሪቲን ዩኤንኢች ሲኣርን እናሰርሐ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ካይሮ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2015 ዩከይ ጌትወይ ፕሮቴክሺን (UK Gateway Protection) ብዝበሃል ፕሮግራም ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዩ።
ናብራ እንግሊዝን ትምህርትን
ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ምስ ኣተወ ኣብተን ቀዳሞት 10 ኣዋርሕ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ከም ረሰፕሽኒስት ድሕሪ ምስራሕ ኣብ university of London School of Oriental and African studies ብdiaspora and migration studies ማስተረስ ገይሩ።
ካብኡ ብ2017 ናብ ከተማ ሊድስ ከይዱ ምስ ሪታስ እትበሃል ትካል ግብረ ሰናይ ንሓደ ዓመት ሰሪሑ ናብታ (ፒኤችዲ) ዝገበረላ ከተማ ግላስኮው ቀይሩ።
ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ምስ ብደሆታት ህይወት ዝገጠመ ህያብ፡ ኣብ ትምህርቱን ስራሕን ኣበርቲዑ ስለዝጸዓረ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ኣብ ነብሱን ካልኦት ስደተኛታት ዝረኣዮ ግፍዕን መከራን፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ፍትሒ ክረክብ ኣለዎ ብዝብል ሕራነ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሐ ይገልጽ።
“እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ዛንታታት ንዩኤንኤችሲኣር ክትርጉመሎም እንከለኹ ኣብ ውሽጠይ ከቢድ ቃንዛ ይስመዓኒ ነይሩ።
"ኤርትራውያን ካብ ሃገርና ተሰዲድና ግዳይ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ምዃንና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ንኣውያትና ግቡእ ኣቓልቦ ብዘይምሃቡ የሕዝነኒ” ይብል።
ዳሕራይ ብምርምራዊ ስርሓት ንካይሮ ምስ ከደ፡ እቲ ንዩኤንኤችሲኣር ባዕሉ ዝተርጐመሎምን ዝጸሓፎን ሰነዳት፡ እንተስ ንመንግስቲ ግብጺ ፈሪሖም ወይ ን IOM ይኹኑ ንUNHCR ዝሃሲ ነገራት ነይሩ ኮይኑ ክህብዎ ከምዘይከኣሉ ይዛረብ።
እቲ ኣብ ነብሱን መዛንኡን ኤርትራውያን ይዅኑ ስደተኛታት ካልኦት ሃገራት ኣብ ሰሃራን ባሕርን ዝሞቱ፡ ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ነጋዶ ደቂ ሰባት ብዘስካሕክሕ ፕላስቲክ ዝነደዱ፡ ብዝረሰነ ሓጺር ዝተተኮሱ፡ ናውቲ ኣካላቶም ተመንዚዑ ሬሳታቶም ዝተደርበዩ፡ ብንቡርን ዘይንቡርን ዝተዓመጻን ዝተዓመጹን መንእሰያት ድምጺ ንምዃን ሓሊኑ።
እዚኦም ጥራይ ዘይኰኑ፡ ናይቶም ኣብ ሰሃራን ባሕርን ዝጠፍኡ፡ ብመሪር ግፍዒ ኣብ ፈቐዶ ጎላጉል ሬሳታቶም ተደርብዩ ዝርከብ ኣስታት 18 ሽሕ ስደተኛታት ዛንታታቶም ክስንድን ፍትሒ ከናድን ነቲ ኣቐዲሙ ዝተማህሮ ዓውዲ ገዲፉ ኣብቲ ዓውዲ ዘተኮረ ናይ ፒኤችዲ መጽናዕቲ ክገብር ዝወሰነ።
በቲ ምርምር ከኣ እቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጕዕዞኦ ስደቶም ኮነ ዑቕባ ምስ ሓተቱ፡ ፍቓድ ምስ ረኸቡን ምስተነጽጉን ዝሓልፍዎ ሽግራት ዘተኩር መጽናዕታዊ ጽሑፍ ወዲኡ ኣሎ።
ሕጂ ኣብቲ ዝተምሃረሉ ዩኒቨርስቲ ግላስጎው ተሓጋጋዚ ምርምር (Research Associate) ኰይኑ ኣብ --kasp or cultures of sustainability and inclusivity ዝበሃል project ካብ 5 ሃገራት ዝተዋጹኡ ተመራመርቲ ዘለውዎ ጉጅለ academic coordinator ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ።
ህያብ ብሕጋዊ መገዲ ስለዝመጸን ናይ ቋንቋ ጸገም እውን ስለዘይነበሮ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣተወ ኣይተሸገረን።
ይዅን እምበር ኣብዚ እዋን ሕብረት ኣውሮጳ ኮነ ዓዲ እንግሊዝ፡ ነቲ “ስደተኛ” ዝብል ኣድማሳዊ ሕጋዊ መሰል ክሳብ ምብሕጓግ ዝኸይድ ስደተኛታት ናብ ዩጋንዳ ናይ ምምላስ ሓሳብ የርእዩ ኣለው።
እዚ ከኣ ነቲ ክንደይ መስገደል ሰጊሩ ዑቕባ ክሓትት ዝመጽአ ስደተኛ ማዕረ ክንደይ ከም ዘጸግሞ የረድእ።
ህያብ፡ ሳላቲ ዘማዕበሎ ዲሲፕሊን ስራሕን ምስ ሰባት ዘለዎ ርክብን፡ ነቲ ንብዙሕ ተምሃራይ 3-4 ዓመት ዝወስደሉ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣብ 2 ዓመትን መንፈቕን ዛዚሙ ብምርካቡ፡ ኣብቲ ፍሉጥ ስም ዘለዎ ዩኒቨርስቲ ግላስጎው፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ክረክብ ከምዝሓገዞ ይሕብር።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ ምምህርና ሓላፍነቱ፡ ዓውደ መጽናዕቲ ብምውዳብ ምርምራዊ ስርሓትን የካይድን ሰሚናራት የዳሉን።
እዚ ዕዮ’ዚ ከኣ ምስቶም ኣማኸርቱ ዝነበሩ መማህራን ሓባራዊ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር ይሕግዞ።
ብሰንኪ እቲ ጥቡቕን ጽኑዕን ናይ ስራሕ ርክብን ዝምድናን ከኣ ምስ መምህራኑ ኰይኑ ሓቢሮም 3 መጻሕፍቲ የሕትሙ ኣሎ።
ነቲ ኣብ መጽናዕናቲ PHD ዘዳለዎ ምርምራዊ ጽሑፍ ንኸሕትሞ ከኣ ምስ ሮፍሊይት ዝበሃሉ ቤተ ሕትመት ተፈራሪሙ፡ ነቲ ጽሑፍ ኣብ ዝመጸእ ሕዳር 2024 ኣጻፊፉ ንኸረክቦ ይኽልሶ ኣሎ።
ብተወሳኺ ይብል ህያብ፡ በቲ ከም ተሓጋገዚ ተመራማሪ ኰይኑ፡ ልምድታትን ባህልን ሰላም (cultures of sustainable and inclusive peace) ብኸመይ ክምዕብሉ ይኽእሉ ኣብ ዝብል ይሰርሕ ከምዘሎ ይገልጽ።
ኣብ መወዳእታ ህያብ ዮሃንስ፡ "ንሰብ ክትመክር ቀሊል እኳ እንተዘይኮነ፡ ተጊህካ እንተሰሪሕካ ኣብቲ እትደልዮ ዕላማ ክትበጽሕ ዝዓግተካ የሎን!” ክብል እደሊ ብምባል ምኽሩ ይልግስ።