ሰብ ምቕታል ክፍትኖ ብምባል ሰብ ዝቐተለት ደቡብ ኮርያዊት

ቤት ፍርዲ ደቡብ ኮርያ፡ ንሓንቲ ሰብ ምቕታል ክፍትኖ ብምባል ሰብ ቀቲላ ንፖሊስ ዝሓበረት ደቡብ ኮርያዊት ንሕልፈት ፈሪድዋ።

ጓል 23 ዓመት ጃንግ ዩ-ጁንግ፡ ብናይ ገበን ፕሮግራማትን ልብ-ወለዳትን ተጸሚዳ ከም ዝነበረትን ልዑል ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት (psychopath ) ኣርእያ ከም ዝነበረትን ፖሊሲ ገሊጹ።

“ቅትለት ምፍታን” ኣብ ዝብል ሓሳብ ተሸኺላ ዝጸንሐት እዛ ውልቀሰብ፡ ሓደ መተግበሪ ተጠቒማ ምስ ሓንቲ መምህር ቋንቋ እንግሊዘኛ ተራኺባ፤ ኣብ ወርሒ ግንቦት ድማ ኣብ ገዝኣ ብኻራ ቀቲላታ።

እቲ ኣረሜናዊ ቅትለት ኣብ ደቡብ ኮርያ ልዑል ስንባደ ፈጢሩ’ዩ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃባ ሓቲቶም ነይሮም፤ እዚ ሕቶ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣዝዮም ከበድቲ ገበናት ዝተሓዝአ እዩ።

እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ እታ ጁንግ ዝተባህለት ምስ ኣባሓጎኣ እትነብር ስራሕ ኣልቦን ብሕታዊትን ውልቀሰብ ንኣዋርሕ ግዳያት ትደሊ ምንባራን፡ ብኢንተርነት ትምህርቲ ንምሃብ ዝውዕል መተግበሪ ተጠቒማ ሰባት ዒላማ ክትገብር ጸኒሓ እያ ኢሎም።

በዚ መገዲ፡ ንልዕሊ 50 ሰባት ክትረክብ እንከላ፡ ዚያዳ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትኹረት ብምግባር ኣብ ገዛ ትምህርቲ ይምህራ እንተዀይነን ትሓተን ነይራ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ድማ፡ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ክትምሃር ዝደለየት ተመሃሪት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝዀነት ሓንቲ ኣደ መሲላ፡ ነታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ከተማ ቡሳን እትነብር ዝነበረት ጓል 26 ዓመት ግዳይ ረኺባ። ፖሊስ መንነት እዛ ውልቀሰብ ወግዓዊ ኣይገበረን።

ብድሕሪኡ ጁንግ ብኢንተርነት ዝገዝኣቶ ናይ ቤት ትምህርቲ ዩኒፎርም ተኸዲና ናብ ገዛ እታ መምህር ከም ዝኸደት ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።

እቲ መምህር ናብ ገዝኣ ምስ ኣእተወታ ኣብ ልዕሊኣ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ልዕሊ 100 ግዜ ብኻራ ከም ዝወግኣታን እታ ግዳይ ምስ ሞተት’ውን ነቲ ጽላለ ዝመልኦ መጥቃዕቲ ከም ዝቐጸለቶን’ውን ሓቢሮም።

ብድሕሪኡ ንኣካላት እታ ሰበይቲ ቈሪጻ፡ ብታክሲ ናብ ሰሜን ቡሳን ብምኻድ ኣብ ጥቓ ሓደ ሩባ ደርቢያቶ።

ነዚ ዝርኣየ መራሒ ታክሲ ብዛዕባ ሓንቲ ብደም ዝተለኽየ ሻንጣ ኣብ ጫካ ዝደርበየት ዓሚል ንፖሊስ ድሕሪ ዝሃቦ ሓበሬታ እያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ።

ፖሊስ ከም ዝበሎ፡ ታሪኽ ኣብ ኢንተርነት ዝነበራ ንጥፈት ንኣዋርሕ ከመይ ጌርካ ከም እትቐትል፡ ከምኡ'ውን ከመይ ጌርካ ኣስክሬን ተወግድ ዝብል ምንባሩ ከም ዘመላኽት ይሕብር።

እታ ውልቀሰብ፡ ካብ ሲሲቲቪ ካሜራታት ንምሕባእ እውን ዝገበረቶ ጻዕሪ ከም ዘይነበረን፡ እዚ ካሜራታት እዚ ድማ ናብ ገዛ እታ መምህር ክትኣቱን ክትወጽእን ከም ዝቐድሐ ኣመልኪቱ።

ዳኛ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ፍርዲ፡ እቲ ቅትለት “ሓደ ሰብ ብዘይ ምኽንያት ግዳይ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ፍርሒ ኣብ ሕብረተሰብ ከም ዘስፋሕፍሐን" ኣብ ሞንጐ እቲ ሕብረተሰብ "ሓፈሻዊ ዘይምትእምማን ከም ዘለዓዓለን" ገሊጹ።

እቲ ገበን ከም ዝፈጸመት ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኣመነት ጁንግ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ዓጀውጀው ምባልን ካልእ ናይ ኣእምሮ ጸገማትን ከም ዘጋጠማ ብምግላጽ፡ ዝያዳ ልኡም ፍርዲ ክወሃባ ተማሕጺና ነይራ።

እቲ ቤት ፍርዲ ግን እቲ ገበን “መደብ ብምውጻእ ዝተፈጸመ ስለ ዝነበረ፡ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጸገም ከም ዘለዋ ክቕበል ከም ዝጽገም” ብምግላጽ ንዘቕረበቶ ጠለብ ነጺጉ።

ንሳ፡ ንፖሊስ ትህቦ ኣብ ዝነበረት ቃል ብተደጋጋሚ ይለዋወጥ ምንባሩ ፖሊስ ገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ ጁንግ፡ ካልእ ሰብ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ቀተላ ነቲ ኣስክሬን ከም ዘግዓዘቶ ተዛሪባ፤ ድሒራ ድማ እቲ ቅትለት ብሰንኪ ባእሲ ከም ዘጋጠመ ገሊጻ።

ኣብ መወዳእታ፡ ቅትለት ንምፍጻም ዝነበራ ተገዳስነት ብምድላዋት ገበን መደባትን መደባት ቴሌቪዥንን ዝተደፋፍአ ምዃኑ ተናዚዛ።

ደቡብ ኮርያ ካብ 1997 ጀሚራ ፍርዲ ቅትለት ኣይፈጸመትን።