ብሰይተቦ ‘ተሓሪዶም ተቓጺሎም ሞይቶም’ ዝበሃሉ ቈልዑ፡ ኣቦኦምከ እንታይ ይብል?

ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ሸገር ተባሂሉ ኣብ ዝተጸውዐ ክፍለ ከተማ ኣብ ዝረከብ ቡራዩ ዝበሃል ከባቢ፡ ክልተ ቈልዑ ብጭካነ ምቕታላ ተጠርጢራ ዘላ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ትድለ ከምዘላ ፖሊስ ሓቢሩ።

መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ዘስካሕክሕ ፍጻሜታት ዘለዎ'ዩ. . ።

ኣቦ እቶም መወትቲ ቈልዑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስታ ሓዳስ ሰበይቱ፣ ብዛዕባ እቶም ቈልዑ ከምዝተዘራረቡ፣ እንተዀነ ናብ ከምኡ ዓይነት ጭካነ ዝመልኦ ቅትለት ዘብጽሕ ነገር ከምዘይነበረ ይዛረብ።

ኣባል ክፍሊ መርመራ ገበን ቡራዩ ዝዀነ ላዕለዋይ ሳጅን ቀነኒሳ ታደሰ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ገበን ብቐዳም 6 ግንቦት፡ ወረዳ ካታ ሳልሳይ ቡራዩ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከምዝተፈጸመ ጠቒሱ።

እቲ ዘስካሕክሕ ገበን ብለይቲ ከም ዝተፈጸመ ዝገልጽ እቲ መርማሪ፡ እቶም ክልተ ኣሕዋት ብሓዳስ ሰይተ'ቦኦም ብጭካነ ከምዝተቐትሉ ከም ዝጥርጠር ይገልጽ።

"እታ ጥርጥርቲ ነጋሴ ከበደ ብሩ ትበሃል፡ ንክልተ ደቂ ሰብኣያ ርእሶም ቈሪጻ፡ ኣብ ዝደቀሱሉ ኮቦርታ ከዲና ሓዊ ኣቃጺላ፡” ከም ዝሃደመት ይገልጽ።

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ እንዳ ማሕረድቲ ስጋ ዝሰርሕ ኣቦ እቶም ቈልዑ ኣቶ ጌታሁን ባልቻ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ቅትለት ኣብ ዘጋጠመላ ምሸት ምስ በዓልቲ ቤቱ ብዛዕባ ደቆም ከምዝተዘራረቡ እዩ ዝሕብር።

“ብዛዕባ ደቀይ ተዘራሪብና ነይርና። ከምዚ እንተዀይኑ ንፈላለ ተበሃሂልና፤ ንሳ ድማ "እሞ ኣነ ክኸይድ እየ፣ ንስኻ ድማ ኣብዚ ትተርፍ" ዝተበሃሃልዎ ናይ መወዳእታ ዕላሎም ይዝክር።

ምሸት ኣብ ዘዕልሉሉ እዋን ኣቶ ጌታሁን ካብ በዓልቲ ቤቱ ዝዀነ ምፍርራሕ ወይ ከምዚ ናብ ዓይነት ተግባር ከምርሕ ዝኽእል ዝዀነ ምልክታት ከምዘይረኣየ ገሊጹ።

"ድሕሪ ሰዓት ሰለስተ ለይቲ ንገዛይ ክምለስ ከለኹ፡ ማዕጾ እቲ ገዛ ክፉት እዩ ነይሩ" ኢሉ። ንውሽጢ ክኣቱ ከለኹ ትኪ ዓፊኑኒ፤ ኣብቲ ግዜ እቲ ደቀይ ኣብ ዓራቶም ነይሮም፣ እቲ በዅሪ ወደይ ተቓጺሉ ነይሩ፤ ንእሽቶ ጓለይ’ውን ኣውጺአያ ናብ ደገ ምስ ኣውጻእክዎም ግን ኣብ ልዕሊኦም ወዲቐ ኣእምሮይ ስሒተ።"

ኣቶ ጌታሁን፡ ነቶም ቈልዑ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ረኣዮም፡ ብህይወት ዘለዉ መሲልዎ’ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ምስተበራረበረ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢን ፖሊስን ብዛዕባ ኣማውታኦም ከም ዝሰምዐ ይዛረብ።

ሳጅን ቀነኒሳን ካልእ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኣቶ ጌታሁን ትማሊ ሰንበት ካብቲ ዝነበሮ ምጥፋእ ሃለዋት ከም ዝተበራበረ ይዛረቡ።

"ደቀይ ከዕቢ እየ ዝደሊ፡ ስለዚ ንፈላለ ኢለያ፡ " . . ኣነ ክኸይድ እየ ንስኻ ድማ ኣብዚ ጽናሕ ኢላ። ንሳ ጥራይ ኢና ተበሃሂልና፤ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ደቀይ፡ ኣብ ስድራይሲ ይትረፍ ኣብ እንስሳታት’ውን ክትገብር እያ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን።"

ካብቶም ብጭካነ ዝተቐትሉ ደቂ ኣቶ ጌታሁን እቲ ወዲ፡ 13 ዓመት ዕድመ ክኸውን እንከሎ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ጓል 4 ዓመትን መንፈቕን እያ።

ክልቲኦም ርእሶም ከምዝተቘርጸ ፖሊስ ገሊጹ።

ኣቶ ጌታሁን ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ኣደ ደቁ ምስ ሞተቶ ኣብእ ዝሓለፈ ታሕሳስ ነታ ተጠርጢራ ዘላ ሓዳስ ሰበይቱ ተመርዕዩ።

ምስ ተመርዓዉ ኵነታት ደቆም ከም ዝተዘራረቡሉን ከምዝተኣማመኑን ይዛረብ።

ድሕሪ ሞት ኣዲኦም እቶም ቈልዑ ምስ ኣቦሓጐኦም ክነብሩ ጀሚሮም ነይሮም፤ ኣቦሓጐኦም ማለት ኣቦ ኣቶ ጌታሁን ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ድሕሪ ምማቶም ግን እቶም ቈልዑ ናብ ኣቦኦም ተመሊሶም።

ሳጅን ቀነኒሳ፡ ተጠርጣሪት ቅድሚ ሕጂ ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ሃገራት ዓረብ ተሰዲዳ ከም ዝነበረት፡ ስድራኣ ብምጥቃስ ይገልጽ።

ካብኡ ምስ ተመልሰት ኣብ ከባቢ ቡራዩ እንዳ ሽሮ ከፊታ ትናበር ከም ዝነበረት ይገልጽ።

እቲ ፖሊስ ብተወሳኺ፡ ነጋሴ ከበደ ብሩ ነባርነታ ኣብ ከባቢ ቡራዩ እጀርሳ ጎሮ ዝተባህለ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ፖሊስ ነታ ሰብ ብዝተፈላለዩ መራኸቢታት እንተላይ ብማሕበራዊ ሜድያ ስእላ ይደልያ ከም ዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ዋና ሳጅን ቀነኒሳ፡ ገለ ኣባላት ቤተሰባ’ውን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዛረብ።

ብዘይካ’ዚ፡ ምስ ጥርጥርቲ ዝመሳሰሉ ዝበሎም ካብ ሰበታ ክሳብ ኣንቦ ስረስ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ከምዘለዉ ፖሊስ ሓቢሩ።