እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣሰቃቒ ኩነታት ንክልተ ኣሕዋት ህጻናት ብምቕታል ዝተጠርጠረት ሰራሕተኛ ገዛ ኣብ ቀይዲ ኣትያ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ክልተ ኣሕዋት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ድሕሪ ምቕታሎም፡ ሰራሕተኛ ገዛኦም በቲ ቕትለት ተጠርጢራ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወት ፖሊስ ኣፍሊጡ።
እቲ ገበን፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ኣራብሳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓባራዊ መንበሪ ኣባይቲ [ኮንደሚንየም] ዘጋጠመ ምዃኑ ሓበሬታ ፖሊስ ብተወሳኺ የመልክት።
ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ "ኣዝዩ ዘሰቅቕ" ዝበልዎ ገበን ቅትለት ዝተፈጸሞም ህጻናት ቈልዑ፡ ክልተን ሰለስተን ዓመት ዝዕድመኦም ሓውን ሓፍትን እዮም።
ምኽትል ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘስካሕክሕን” ብዝተባህለ ገበን ዝተጠርጠረት ውልቀሰብ፡ ጓል 19 ዓመት ሰራሕተኛ ናይቲ ገዛ እያ ኢሉ።
እታ ውልቀሰብ፡ ነቲ ገበን ከም ዝፈጸመት ብምእማን ኢዳ ንፖሊስ ከም ዝሃበት’ውን ሓቢሩ።
እቲ ገበን፡ ትማሊ [26 ነሓሰ 2014 ዓ.ም] ረፋድ ካብ ሰዓት 3፡30 ክሳብ 4፡00 [ማለት 9፡30-10፡00] ኣብ ዘሎ ግዜ እዩ ተፈጺሙ ዝብል ኮማንደር ማርቆስ፡ እታ ጥርጥርቲ ነቶም ህጻናት ሓኒቓን ካራ ተጠቒማን ብኣሰቃቒ ኵነታት ከም ዝቐተለቶም ዘመላኽቱ ግምታት ኣለው ኢሉ።
እታ ውልቀሰብ፡ ነቲ ገበን ንምፍጻም ምኽንያት ዝዀና ነገር ንምፍላጥን ኵነታት ጥዕና ኣእምሮኣ ንምግንዛብን መርመራታት ይግበሩ ከም ዘለው’ውን ሓቢሩ።
ብመሰረት ፖሊስ ዝኣከቦ ዘሎ ሓበሬታ ግን፡ እታ ጥርጥርቲ ምስ ስድራ እቶም ቈልዑ ዝዀኑ ኣስራሕታ ዝተፈጥረ ጐንጺ፡ ምኽንያት እቲ ገበን ክኸውን ከም ዝኽእል የመልክቱ።
“ምንም ኣብ ልዕሊ ዘይፈልጡ ህጻናት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ገበን የሕዝን’ዩ” ዝበለ እቲ ኮማንደር፡ ወለዲ መንነትን ኵነታትን ዝቘጽርዎም ሰራሕተኛታት ገዛ ብጥንቃቐ ክፈልጡ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሩ።
“ከም ቤተሰብ ኰይነን ዝሰርሓ ሰራሕተኛታት ኣለዋ እየን፤ እንተዀነ ከምዚ ዓይነት ገበን ዝፍጽማ ኸኣ ስለ ዘለዋ፡ ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ” ክብል ተዛሪቡ።
ፖሊስ ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መርመራ ይገብር ከም ዘሎ ተፈሊጡ።