ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ብቅጽበት ደው ክብል ሓዲሽ ጻውዒት ኣቕሪቡ

ኣንቶንዮ ጉተረዝ ካብ ራፍሕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ብቅጽበት ደው ክብል ሓዲሽ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣንቶንዮ ጉተረስ ብሸነኽ ግብጺ ኣብ ዝርከብ ክፋል ራፋሕ ኮይኑ ኣብ ዘስምዖ መደረ “ሕጂ ኩሉ ዓይነታት ምልውዋጥ ተዅሲ ደው ዝብለሉ ግዜ’ዩ” ድሕሪ ምባል እስራኤል ናብ ቓዛ ገደብ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኽኣቱ ከተፍቕድ ጸዊዑ።

ብሕቡራት ሃገራት ዝድግፍ ትካል ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣብ ቓዛ 1.1 ሚልዮን ሰባት ናብ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ጥምየትን ዓጸቦን ተቃሊዖም ከምዘለዉ ገሊጹ።

እቲ መጽናዕቲ ብምስዓብ እዚ ጥምየትን ዓጸቦን ክውገድ ዝኽእል ዝነበረ ሰብ ዝፈጠሮ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ጽባሕ እቲ ኣሜሪካ፡ ሓማስ ጅሆ ዝሓዞም ክፍንዎም እስራኤል ከኣ ተዅሲ ደው ከተብል ዘቕረበቶ እማመ፡ ብሩስያን ቻይናን ድሕሪ ምንጻጉ’ዩ ናብ ራፋሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ጉተረዝ “ቓዛ ብሰብኣዊ ሓገዛት ከተዕልቕልቕ ሕጂ ግዚኡ’ዩ፡ እቲ ሕርያ ወይ ረድኤት ምእታው ወይ ሰባት ብጥምየት እናሃለቑ ስቕ ኢላካ ምርኣይ’ዩ። ብወገን ግብጺ ናብ ቓዛ ክኣተዋ ዝተዳለዋ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ምኽልካል ዘይሞራላዊ’ዩ” ድሕሪ ምባል እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ክፍትሑ’ውን ጸዊዑ።

ጉተረዝ “ኣብ ቓዛ ዘለኹም ፍልስጤማውያን በይንኹም ዘይምዃንኩም ክሕብረኩም እፈቱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ነቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝወርድ ዘሎ ኣሰንባዲ ነገር ይምስክር ኣሎ፤ ኣብ ቓዛ ዘለኹም ፍልስጤማውያን ኣብ ዘየቋርጽ ኣባህራሪ ኵነት ከምዘለኹም ንፈልጥ ኢና” ኢሉ።

ረድኤት ዝጽዓነ መካይድ ኣብ ዶብ ራፋሕ ደው ኢለን ይርከባ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ጉተረዝ ምስ ወኪል ቢቢሲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሁጎ ባቸጋ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እስራኤል ነቲ ናብ ቓዛ ረድኤት ከይኣቱ ኣንቢራቶ ዘላ ክልከላ ከተልዕል ኣለዋ ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚኒስተር ጉዳያት ወጸኢ እስራኤል ካትዝ፡ ንመግለጺ ጉተረዝ ኣምልኪቱ ብኤክስ [ትዊተር ነበር] ኣብ ዝሃቦ ምላሽ “ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ቓዛ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ሓማስ ነቲ ሰብኣዊ ረድኤት ይራስይዎ ከምዘለዉ ከይገለጸ ንእስኤል ጥራይ’ዩ ክጥቅን ዝፍትን ዘሎ” ኢሉ።

ራፋሕ ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ረድኤት ዝመሓላለፈላ ቀንዲ ቦታ’ያ፡ እንተኾነ እቲ ቦታ ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን ናብ ቓዛ ንኽኣትዋ ካብ እስራኤል ፍቓድ ክውሃበን ብዝጽበያ ዓበይቲ መካይን ኣዕለቕሊቑ’ዩ ዝርከብ።

ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን ሃገራት ምዕራብን እስራኤል ኣብ ምሃብ ፍቓድን ኣብ ተፍትሽን ትወሰዶ ዘላ ግዜ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ቓዛ ብቅልጡፍ ንከይኣቱ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ብምባል ንእስራኤል ብተደጋጋሚ ክኸስዋ ይስምዑ’ዮም።

ኲናት ቓዛ፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣስታት 1,200 ሰባት ቐቲሎም 253 ሰባት ጅሆ ሒዞም ምስ ከዱ’ያ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከተካይድ ጀሚራ።

ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስተሪ ጥዕና፡ ኲናት ሓማስን እስራኤልን ካብ ዝጅመር ኣብ ቓዛ ላዕሊ 32 ሽሕ ሰባት ብደብዳብ ከቢድ ብረትን ነፈርትን እስራኤል ከምዝተቐተሉ ይሕብር።

ጉተረዝ እስራኤል ንራፍሕ ብኣጋር ናይ ምጥቃዕ መደብ ከምዘለዋ ኣብ ዝገለጽትሉ’ዩ ናብቲ ቦታ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።

ፍርቂ ካብቶም 2.3 ሚልዮን ነበርቲ ቓዛ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ራፋሕ’ዮም ተዓቒቦም ዘሉ።

እስራኤል መራሕቲ ሓማስ ኣብቲ ቦታ’ዮም ተሓቢኦም ዘለዉ ክትብል እንከላ ቦጦሎኒታት ሓማስ’ውን ካብቲ ቦታ ብምብጋስ መጥቃዕትታት ኣብ ምክያድ ይርከባ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ነቲ ኣብ ልዕሊ ራፋሕ መጥቃዕቲ ከይፍጽም ዝቐርበሉ ዘሎ ምሕጽንታን ነቀፌታትን ዕሽሽ ብምባል “እስራኤል ንዝወጠነቶ ኲናት ብዓወት ካብ ምዝዛም ዝኾነ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ደው ኣይከብላን’ዩ” ብምባል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ መጥቃዕቲ ካብ ምፍጻም ደው ዘብሎ ነገር ከምዘየለ ገሊጹ ኣሎ።