ዓጸቦ እንታይ እዩ? መኣስ ከ ይእወጅ? ብመን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚልዮናት ነበርቲ ቓዛ መግቢ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ኣፍደገ ዓጸቦ እዮም ዘለዉ፡፡
ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣብ ሱዳን ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ቅልውላው ጥምየት ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ፡፡
ዓጸቦ እንታይ እዩ? መዓዝ ከ እዩ ኣጋጢሙ ተባሂሉ ዝእወጅ?
ኣብ ሓንቲ ሃገር ዓጸቦ ኣጋጢሙ ዝበሃል፡ ነበርቲ ብሰንኪ ከቢድ ሕጽረት ምግቢ ሓያል ጒድለት መኣዛ፣ ጥምየት ወይ ሞት እንተጋጥሞም እዩ፡፡
እቲ ኣዋጅ ብሕቡራት ሃገራት፡ ገለ እዋን ድማ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ብሓባር፡ ምስ ዓለምለኻዊ ትካላት ሓገዝን ትካላት ረድኤትን ብምውዳድ ይካየድ፡፡
ዝተዋደደ ምደባ ደረጃ ውሕስና ምግቢ (ኣይፒሲ) ብዝበሃል መዐቀኒ ድማ ይውሰን፡፡
እዚ ናይ ሓንቲ ሃገር ብርኪ ሕጽረት ምግቢ ብሓሙሽተ ደረጃታት ዝሰርዕ ኮይኑ፡ ዓጸቦ እቲ ናይ መወዳእታን ዝኸፍአን ብርኪ እዩ፡፡
ኮይኑ ግና ዓጸቦ ኣጋጢሙ ተባሂሉ ንክእወጅ ኣብ ሓደ ውሱን ከባቢ ሰለስተ ነገራት ክምዝገቡ ኣለዎም፥
- ብውሑድ 20% ስድራቤታት ከቢድ ሕጽረት ምግቢ እንተኣጋጢምዎም
- ብውሑድ 30% ህጻናት ብከቢድ ሕጽረት መኣዛ እንተተጠቒዖም
- ካብ 10 ሽሕ ነበርቲ መዓልታዊ ክልተ ዓበይቲ ወይድማ ኣርባዕተ ህጻናት ‘‘ብቐጥታ ብጥምት ወይድማ ምስ ሕጽረት ምግብን ሕማምን ብዝተሓሓዝ’’ እንተሞይቶም
ስለምንታይ ቓዛን ሱዳንን ኣብ ሓደጋ ዓጸቦ ኣለዋ?
ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣብ መንጎ መጋቢት ጉንበትን 2024 ዓጸቦ ምፍጣሩ ዘይተርፍ እዩ፡፡
ብመሰረት ምደባ ኣይፒሲ፡ ኣስታት 1.1 ሚልዮን ነበርቲ ቓዛ፡ ማለት ካብ ጠቕላላ ነበርቲ እቶም ፍርቂ፡ ጠምዮም ኣለዉ፡፡ እቲ ዝኸፍአ ግምት ድማ፡ ኣብ ነሓሰ 2024 ኩሎም ነበርቲ ቓዛ ኣብ ዓጸቦ ክወድቁ እዮም፡፡
ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ በዝሒ ኣብ ቓዛ ሓደጋ ዓጸቦ ዘጋጠሞም ነበርቲ ብመመዘኒ ኣይፒሲ፡ ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ዘይተርኣየ እዩ፡፡
ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ድማ ነታ ሃገር ኣብ ቀረባ ታሪኽ ዓለም ካብ ዝተርኣዩ ዝኸፍኡ ቅልውላዋት ክትሽከም ናይ ምግባር ተኽእሎ ከምዘለዎን ዝዓበየ ቅልውላው ጥምየት ክፈጥር ዝኽእልን ከምዝኾነ ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቑ፡፡
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሮ ብሰንኪ እቲ ኣብ ምያዝያ 2023 ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ኣስታት 18 ሚልዮን ሱዳናውያን ንከቢድ ሕጽረት ምግቢ ተቓሊዖም እዮም፡፡
ዩኒሴፍ ድማ ኣብ ህጻናት ካብ ዝተገመተ ንላዕሊ ከቢድ ሕጽረት ምግቢ ከምዝረኸበን፡ ከም ኮሌራ፣ ንፍዮን ዓሶን ከምዝተላብዑን ሓቢሩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደጋ ዓጸቦ ዘንጸላለወን ሃገራት በዓል መን እየን?
ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣንጻር ጥምየት (ኣክሽን ኤገነስት ሃንገር) ፡ ካልኦት ሃገራት እውን ‘‘ኣዝዩ ዘሻቕል ብርኪ ጥምየት’’ ከምዘለወን ይገልጽ፡፡
ዝርዝር እቲ ትካል፡ ኣፍጋኒስታን፣ ደሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ኢትዮጵያ፣ ፓኪስታን፣ ሶማልያ፣ ሶርያን የመንን የጠቓልል፡፡
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ መጋቢት 2024፡ ብሰንኪ ስርዓት ኣልቦ ወዲኒታት ከቢድ ፖለቲካውን ቊጠባውን ቅልላው ኣጋጢምዋ ዘሎ ሄይቲ ‘‘ኣብ ጫፍ ኣዕናዊ ቅልውላው ጥምየት’’ ከምዘላ ገሊጹ ነይሩ፡፡
ኣስታት 1.4 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ዝርከብ ኮይኑ፡ ካልኦት 3 ሚልዮን ድማ ቀዲሙ ኣብ ዘሎ ብርኪ ኣለዉ፡፡ ብሓፈሻ ምደባ ኣይፒሲ እታ ሃገር ‘‘ዘሻቕል’’ ዝብል እዩ፡፡
መበገሲ ዓጸቦ እንታይ እዩ?
ብመሰረት ኣይፒሲ፡ ዓጸቦን ሕሉፍ ጥምየትን ብዙሓት መበገሲታት ኣለዉዎም፡፡ ሰብ ሰራሕ፣ ተፈጥሮኣዊ ወይድማ ናይ ክልቲኡ ሕዋስ ክኾኑ ይኽእሉ፡፡
ጎንጺ ‘‘ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ኣብ ዝተፈላየዩ ከባቢታት ዓለም ዘጋጥም ጥምየት’’ ኮይኑ ከምዝቐጸለ እዩ ኣክሽን ኤገነስት ሃንገር ዝገልጽ፡፡
ኣብ ሱዳን ዘይእኹል ምህርትን ስዒቡ ዘጋጠመ ወሰኽ ዋጋን ከም ምኽንያታት የልዕል፡፡
ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ድማ ምግቢ፣ ነዳድን ማይን ናብታ ግዝኣት ከይኣቱ ከምዝኸልከለ የረድእ፡፡
ዓለምለኻዊ ኮሚተ ህይወት ምድሓን (ኣይኣርሲ) ብግዲኡ፡ ድርቅን ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ዘጋጥም ምቕሃም ኣዝርእትን ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሰፊሕ ሕጽረት ምግቢ ምኽንያት ከምዝኾነ ይጠቅስ፡፡
ወግዓዊ ኣዋጅ ዓጸቦ እንታይ ለውጢ የምጽእ?
ኣዋጅ ዓጽቦ ዘልቅቖ ዝተዳለወ ሓገዝ (ፈንድ) የለን፡፡
ኮይኑ ግና መብዛሕትኡ ግዘ ከም ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ መንግስታትን ዝበሉ ሓገዝ ምግብን ሕጹጽ ድጋፍን ዝህቡ ኣካላት ኢዶም ክዝርግሑ ምኽንያት ይኸውን፡፡
ከም ኣይኣርሲ ዝበሉ ትካላት ናይ ሕጽረት መኣዛ መድሓኒታት የቕርቡ፤ ኦክስፋም ኣብ ቓዛ ምስዝርከቡ መሓዙት ብምትሕብባር ገንዘብ፣ ምግብን ኣቑሑት ጽርየትን ንምክፍፋል ሰሪሑ እዩ፡፡
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ሱዳን፡ ከም መንገድታትን ኣብያተ ትምህርትን ዝበሉ ትሕተ ቅርጺታት ይጽግን ኣሎ፡፡
ብልሙድ ሓንቲ ሃገር ኣብ ብርኪ ሰለስተን ልዕሊኡን እንተተመዲባ፡ ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዓጸቦ ንምትራፍ ሓገዝ ንምብጻሕ ክትልማን ክጓየያን ይረኣያ፡፡
ቅድሚ ሕዚ ዓጸቦ ኣበየኖት ሃገራት ተኣውጁ ይፈልጥ?
ንመወዳእታ እዋን ዓጸቦ ዝተኣወጀላ ሃገር ደቡብ ሱዳን ኮይና ኣብ 2017 ነይሩ፡፡
ድሕሪ ንሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ፡ 800 ሽሕ ሰባት ዓጸቦ እንተጋጥሞም ካልኦት ሓደ ሚልዮን ኣብ ጫፍ ዓጸቦ በጺሖም፡፡
ኣብቲ እዋን እቲ ጠንቂ፡ ኲናት ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ዘሕደሮ ጽልዋ ከምዝኾነ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ፡፡ ሓረስቶት ከብቶም ስኢኖም፣ ምህርቲ ውሒዱን ዝቕባበ ሰማይ ተሰቒሉን፡፡
ቅድሚኡ ድማ ኣብ 2011 ኣብ ሶማልያ፣ ኣብ 2008 ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ 2000 ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ከባቢ ጎዴ፣ ኣብ 1996 ሰሜን ኮርያ፣ ኣብ 1991-1992 ሶማልያን ኣብ 1984-1985 ኢትዮጵያን ዓጸቦ ተኣዊጁ ነይሩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብመንጎ 1845 ን 1852፡ ኣብ ኣየርላንድ ዘጋጠመ ዘበን ጥምየት፣ ሕማምን ስደትን ‘ዘ ግሬት ፋሚን’ እናተባህለ እዩ ዝጽዋዕ፡፡
ንሲሶ ህዝቢ እታ ሃገር ዝቕልብ ምህርቲ ድንች ብሕማም ምስቐሃመ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ፤ ኮይኑ ግና ናብታ እተመሓድራ ዝነበረት ዓባይ ብሪጣንያ ድንች ሰደድ ይግበር ነይሩ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







