'ናብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ከይኣቱ ተኸልኪለ ነይረ' ዝበለ ፕረዚደንት ሶማልያ ጻንሒቱ ኣቋሪጹ ተመሊሱ

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቋሪጹ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ተገሊጹ።

ኣብቲ ንኽልተ መዓልታት ዝካየድን ሎሚ ሰንበት ዝዛዘምን ዋዕላ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ እቲ ፕረዚደንት፡ ትማሊ ቀዳም ምሸት ናብ ሞቓድሾ ከምዝተመልሰ ማዕከን ዜና ቱርኪ ኣናዶሉ ሓቢሩ።

ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ሓሰን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ "ናብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየደሉ ቦታ ከይኣቱ ክኽልክሉኒ ፈቲኖም" ክብል ከሲሱ ምንባሩ ይፍለጥ።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ "ናብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየደሉ ቦታ ከይኣቱ ክኽልክሉኒ ፈቲኖም" ብምባል ኢትዮጵያ ንክብርታት እቲ ሕብረት "ብዘይምኽባራ" ወቒሱ።

ነዚ ፍጻመ ብዝምልከት፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ፡ ትማሊ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ልኡኽ ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ከይሳተፍ ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ ብትሪ ይኹንኖ" ክብል ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ፕረዚደንት ዘቕረቦ ክሲ ነጺጉ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ልክዕ ከምቶም ናብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመጹ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ምዉቕ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሎም ብምጥቃስ፡ ብወገን ልኡኽ ሶማልያ ግን ዘይተለምደ ኵነታት ከምዝተፈጠረ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ናብቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ከይኣትዉ ክኽልክልዎ’ኳ እንተፈተኑ፡ ድሒሩ ግን ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፍ ከምዝኸኣለ’ዩ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዕጹው ኣኼባ እቲ ሕብረት ንምስታፍ ካብቲ ዝሓደረሉ ሆቴል ክወጽእ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ “ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ነቲ ጽርግያ ዓጽዮም ካብቲ ሆቴል ከይወጽእ ገይሮም” ክብል ሓቢሩ።

ብናይ ካልእ ሃገር ፕረዚደንት ካብቲ ሆቴል ወጺኡ ናብቲ መአከቢ ቦታ ምስበጽሐ እውን "ዕጡቓት ወተሃደራት ኣብ ቅድሜና ደው ኢሎም ናብቲ ቀጽሪ እቲ ሕብረት ከይንኣቱ ከልኪሎምና ነይሮም" ኢሉ።

ከም ኣአንጋዲ መጠን፡ ሓላፍነት ድሕንነት ኣጋይሽ ከምዝወስድ ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ልኡኽ ሶማልያ ብመንግስቲ ዝተመደበሉ ኣባላት ጸጥታ ኣይተቐበሎምን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓለውቶም እውን ብረት ተዓጢቖም ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክኣትዉ ስለዝፈተኑ ከምዝተኸልከሉ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ፡ እቲ ተግባር ንዲፕሎማሲን ዓለምለኻውን ሕግታትን ዝጥሕስ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣንጻር ኣሰራርሓ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኸይድ ስለዝኾነ፡ እቲ ሕብረት ኣብቲ ጉዳይ ናጻ መርመራ ክካየድ ጸዊዑ ኣሎ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኢትዮጵያ ምስታ ነጻ ሃገር እየ ትብል ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ምኽታማ ስዒቡ ምስ ሶማልያ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከምዘሎ ይዝከር።

ኣብቲ ስምምዕ፡ ሶማሊላንድ ንኢትዮጵያ 20 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ክትህባ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ከምእትህብ እዩ ተገሊጹ።

ሶማልያ፡ እቲ ስምምዕ ንሕግታት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጥሕስን ኣንጻር ልኡላውነት ሶማልያን እዩ ብምባል ተቓውሞኣ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

እቲ ምስሕሓብ ካብ ዝጅምር ንደሓር ንፈለማ እዋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸ ፕረዚደንት ሓሰን ትማሊ ቀዳም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ስምምዕ "ምኽንያታዊ ንምግባር" ብዝገበረቶ ፈተነ ሶማልያ ሕጉስቲ ከምዘይኰነት ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ፡ "ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ መሬት ክትወስድ ትደሊ። ነዚ ንምምችቻው ኣብዚ ሕዚ እዋን ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኣብ ሶማሊላንድ ይርከቡ" ብምባል ኢትዮጵያ እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትሰርሕን ነቲ ግጭት ተጋድድን ከምዘላ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ኣዲስ ኣበባ ዘቕረቦ ክሲ ምላሽ እኳ እንተዘይሃበ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኢትዮጵያ ንሶማልያ ነታ ሃገር ክትሕውስ ትደሊ ኢላ ዘቕረበቶ ክሲ ምንፃጋ ዝዝከር እዩ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳተፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመጽእ ከሎ፡ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ከምዝኸውን ይንገር፡ ነዚ ድማ ኣብ ናይ ትማሊ መኽፈቲ ኣኼባ ኣልዒሉዎ እዩ።

ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኤክስ ከም ዘመልከተቶ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ ብምኹናን፡ ነቲ ስምምዕ "ሕጋዊ ተቐባልነት ዘይብሉ" ክብል ገሊጽዎ።