ቻይና፡ ብኸመይ እያ ነታ ብእገዳታት ዝተዋጠረት ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክረይን ትሕግዛ?

ኣብዚ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ በይጂን ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ሺ ጂንፒን ክራኸቡ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።

ፑቲን፡ ኣብ ውሽጢ 7 ኣዋርሕ ንኻልኣይ ግዜ እዩ ናብ ቻይና ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ።

ሩስያ፡ ለካቲት 2022 ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር ድማ፡ እቶም መራሕቲ ክራኸቡ ንራብዓይ ግዜኦም እዩ።

ኣብዚ ኣዝዩ ወሳኒ ግዜ እዚ፡ በይጂን ንሞስኮ ኣገዳሲት መሻርኽቲ ኰይና ከምዘላ እዩ ዝንገር። እዚ ከመይ ይግለጽ ንዝብል፡ ሓደ ብሓደ ንርአዮ።

ቻይና ንሩስያ ኣጽዋር ትህቦ ዶ?

ቻይና ንሩስያ ኣጽዋር ተቕርብ እያ ዝብል ክሲ ኣይትቕበሎን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ በይጂን ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ምስ ቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ "ብርግጽ ቻይና፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እትጥቀመሉ ኣጽዋር ብጭቡጥ ኣየቕረበትን" ኢሉ።

ይዅን እምበር ቻይና፡ ሞስኮ ኣጽዋራት ኲናት [ማሺናት] ንምስራሕ እትጠቀመሎም ናውቲ ተቕርብ ከምዘላ እዩ ዝኸስስ።

ሚስተር ብሊንከን፡ ሰራዊት ሩስያ ነዚ ‘ወሳኒ’ እታወታት ቻይና፡ ዝተፈላለዩ ኣጽዋራት ውግእ ንምስራሕ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ኣስታት 70 ሚእታዊት ወተሃደራዊ መሳርሒታትን 90 ሚእታዊት ካብቲ ሩስያ እተእትዎ ማይክሮኤሌክትሮኒክስን ካብ ቻይና ከምዝመጽእ ወሲኹ ገሊጹ።

ዋሽንግተን ኣብ ግንቦት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበረቶ እገዳ፡ ኣብ ቻይናን ሆንግ ኮንግን ዝመደበረን ኣስታት 20 ትካላት ዒላማ ዝገበረ እዩ።

እቲ ሓደ ትካል ንሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መስርሒ ዝውዕል 'ኣቝሑ' ዘቕርብ ኰይኑ፡ እቶም ካልኦት ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ቴክኖሎጂታት ዘንበርዎ እገዳ ብምትካእ ፡ ንሩስያ ከም ዝሓገዛ ይገለጽ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኢንስቲትዩት ስትራተጂያዊ መጽናዕቲ እትሰርሕ ማርያ ሻጂና፡ "ቻይና ዝዓበየት ሰደድ ሰሚኮንዳክተራት እትገብር ምዃና ዘርኢ መርትዖታት ኣሎ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብመንገዲ ኣብ ሆንግ ኮንግን ኢማራትን ዝርከቡ ኩባንያታት ሸል ኣቢሉ እዩ ናብ ሩስያ ዝበጽሕ" ትብል።

"ገለ ቻይናውያን ኩባንያታት'ውን ኣብ መንጐ ወተሃደራውን ሲቪላውን ዘሎ ክፍተት ብምምዝማዝ፡ ሲቪላዊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ የቕርባ ኣለዋ።"

ቻይና ብዛዕባ ምስ ሞስኮ እትገብሮ ንግዲ ብቐጻሊ እያ ትምጕት።

‘ቀታሊ’ ኣጽዋር ከምዘይትሸይጥን "ብመሰረት ሕጊታትን ስርዓታትን ሰደድ" ከምእትሰርሕን እያ ትገልጽ።

ብመሰረት ትንታነ መረዳእታ ጉምሩክ ቻይና፡ ትካል ካርነጊ ኢንዶውመንት፡ በይጂን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ዝግመት፡ መላሊስካ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ - ንግዳውን ወተሃደራውን ረብሓ ዘለዎም ኣቝሑት- ናብ ሩስያ ትሰድድ።

እቲ ዝርዝር ኣቝሑት ኣሜሪካ "ልዑል ቀዳምነት" ዝሃበቶም ነገራት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ካብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክሳብ ታንክታት፡ ኣጽዋር ንምስራሕ ዝውዕሉ እዮም።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል ‘ሩሲ’፡ ቴክኖሎጂ ሳተላይት ቻይና ኣብ ዓውደ-ውግእ ዩክረይን፡ ንስለያ ኣብ ረብሓ ውዒሉ ክኸውን ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብ መንጐ ቻይናን ሩስያን ዘሎ መጠን ንግዲኸ ወሰኽ ኣርእዩ ድዩ?

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ድሕሪ ምንባረን፡ ቻይና ነቲ ኵነታት ዝመዝመዘት ትመስል።

ነቲ ስጕምቲ ስዒቡ፡ በይጂን ቀንዲ ኣቕራቢት መካይን፡ ክዳውንቲ፡ ጥረ ነገራትን ካልኦት ብዙሓት ፍርያትን ኰይና ኣላ።

ኣብ 2023 ኣብ መንጐ ቻይናን ሩስያን፡ ካብ ዝዀነ ግዜ ንላዕሊ 240 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ወግዓዊ ኣሃዛት ቻይና ይሕብሩ።

እዚ ድማ ቅድሚ ሩስያ ንዩክረይን ምውራራ ካብ 2021 ጀሚሩ ልዕሊ 64 ሚእታዊት ወሰኸ ዘርኢ እዩ።

ሩስያ ካብ ቻይና ዘእተወቶ 111 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኰይኑ፡ ናብ ቻይና እትልእኾ ድማ 129 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ ኣብ መጋቢት "ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ሩስያ ንብዙሓት ስድራቤታት ቻይና ብርሃን ይህብ ኣሎ፡ ቻይና-ሰራሕ መካይን ድማ ኣብ ጽርግያታት ሩስያ ዓሰስ ይብለዋ" ኢሉ ነይሩ።

ይዅን እምበር፡ ገለ ክኢላታት፡ ሩስያ ኣብ ቻይና ዝያዳ ጽግዕተኛ ዝዀነትሉ "ጐድናዊ" ዝምድና ገይሮም ይቘጽርዎ።

ካብ 2023 ጀሚሩ ቻይና ላዕለዋይ መሻርኽቲ ንግዲ ሩስያ ክትከውን ከላ፡ ሩስያ ድማ ሻድሻይ ዝዓበየት ንግዳዊ መሻርኽቲ ቻይና እያ።

ቻይና ካብ ሩስያ ክንደይ ነዳድን ጋዝን ትገዝእ?

ዳርጋ ፍርቂ ዓመታዊ ኣታዊታት መንግስቲ ሩስያ ካብ ነዳድን ጋዝን ዝመጽእ እዩ።

ንወራር ሩስያ ስዒቡ፡ ብሰንኪ እቲ ዝተነብረ እገዳ፡ ናብ ሃገራት ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዝቐርብ መሸጣ ወሪዱ እዩ።

ብኣንጻሩ መሸጣ ነዳዲ ናብ ኤስያ - ብፍላይ ድማ ናብ ቻይናን ህንድን ኣዝዩ ወሲኹ።

ኣብ 2023፡ ሩስያ ንስዑዲ ዓረብ በሊጻ ቀዳመይቲ ኣቕራቢት ዘይተጻረየ ነዳዲ ቻይና ኰይና።

በይጂን ካብ ሞስኮ 107 ሚልዮን ቶን ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣእትያ፤ እዚ ድማ ካብ 2022 ብ24 ሚእታዊት ወሰኽ ዘርኢ እዩ።

ጕጅለ- 7 [G7]- ምዕቡላት ሃገራት ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ኣውስትራልያን ብምዃን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዋጋ ናይቲ ብባሕሪ ዝጓዓዝ ነዳዲኣ ተመን ብምግባር ኣታዊታታ ክድርት ፈቲኑ'ዩ።

ይዅን እምበር ቻይና ዘይተጻረየ ነዳዲ ሩስያ ብልዕሊ እቲ ዝተተመነ ዋጋ ክትገዝእ ቀጺላ ኣላ።

ርክባ ምስ ሩስያ ንዘመናት ዓቂባ ዝጸንሐት ህንዲ’ውን ካብቲ ወራር ጀሚራ ብዝሓሰረ ዋጋ ነዳዲ ትዕድግ ኣላ።

ብጽሒት ሩስያ ካብ ጠቕላላ ዕዳጋ ነዳዲ ህንዲ፡ ኣብ ሰነ 2023 ዝለዓለ ዀይኑ፡ 44 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ብመንግስቲ ህንዲ ዝቈጻጸር ኣለቃሒ ባንኪ ባሮዳ ሓቢሩ።

ኣብ 2023፡ ቻይና ‘ውን ሸሞንተ ሚልዮን ቶን ፈሳሲ ጋዝ ነዳዲ (LPG) ካብ ሩስያ ኣእትያ እያ፡ እዚ ድማ ካብ 2021 ብ77 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።

እዚ ጥራይ ኣይኰነን።

ክልቲአን ሃገራት፡ ካብ ምዕራባዊ ዞባ ሳይቤርያ ሩስያ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቻይና ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ንምርካብ ሓድሽ መስመር ጋዝ - ሓይሊ ሳይቤርያ 2 ተባሂሉ ዝጽዋዕ - ንምዝርጋሕ መደብ ኣለወን።

ቻይና፡ ካብ ቀደሙ’ውን ብመንገዲ እቲ ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብ ኣገልግሎት ዝህብ መስመር፡ ‘ፓወር ኦፍ ሳይቤርያ’ ኣቢላ ጋዝ ክትረክብ ጸኒሓ ኣላ።