ኣመሪካ 'ቀይሕ መስመር' ከይትሰግር ቻይና ኣጠንቂቓ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ ኣመሪካ "ቀይሕ መስመር" ከይትሰግር ኣጠንቂቑ።

እቲ ላዕለዋይ ቻይናዊ ዲፕሎማሰኛ ምስ ኣመሪካዊ መዘናኡ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ርእሰከተማ ቤዢንግ ድሕሪ ምርኻቡ'ዩ ነቲ መጠንቀቕታ ሂቡ።

ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ክረጋጋእ ከምዝጀመረ ዘመልከተ ዋንግ፡ እንተኾነ ግን ብገለ "ኣሉታዊ ረቛሒታት" ይፍተን ምህላዉ ተዛሪቡ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሊንከን ብወገኑ ምስ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ብዛዕባ ዘለና ፍልልያት ብንጹር ክንላዘብ ኣለና" ኢሉ።

ከምዚ ምግባር "ኣብ ዘይተደልየ ሓደጋ ካብ ምእታውን ክፍጠር ንዝኽእል ዘይምርድዳእን ዘጉድል" ምዃኑ ገሊጹ።

ብሊንከን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንካልኣይ ግዚኡ ናብ ቻይና ምብጽሑ፡ ንዝሓርፈፈ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣመሪካን ቻይናን ንምምሕያሽ ዝዓለመ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ይግመት።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብሰንኪ'ቲ ቻይና ናተይ ትብሎ ታይዋንን ባሕሪ ደቡብ ቻይናን፡ ከምኡ'ውን ኣመሪካ ዘንበረቶ ንግዳዊ እገዳታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ምትፍናን ተፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ሰማያት ኣመሪካ ዝተቐልቀላ ባሉናት ስለያ ቻይና'ውን ነቲ ዝነበረን ዘይምቅዳው ወሲኹሉ'ዩ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣመሪካ ነቲ ብቻይናዊ ትካል ዝውነን ቲክቶክ ክእግድ ዘኽእል ሕጊ ምጽዳቓ'ውን ንቻይና ኣቖጢዑዋ'ሎ።

ነቲ ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ኣስታት 170 ሚልዮን ዓማዊል ዘለውዎ ውሩይ ማሕበራዊ መዲያ ዝውንን ቻይናዊ ትካል ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ኣዋርሕ ብጽሒቱ ክሸጦ እንተዘይክኢሉ ወይ ደገፍ ኣመሪካ ዘለዎ ዓዳጊ እንተዘይረኺቡ ቲክቶክ ኣብ መላእ ኣመሪካ ክዕጾ ከምዝኽእል ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ'ዩ።

እቲ ቻይናዊ ትካል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ ብዘየገድስ ነቲ ናይ ኣመሪካ ጨንፈሩ ናይ ምሻጥ ሓሳብ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ ጉዳይ ኣካል ናይቲ ምስ መራሒ ቻይና ዘካየዶ ዝርርብ ከምዘይተላዕለ ብሊንከን ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣመሪካ ንታይዋንን ኣብ ኤስያ-ፓሲፊክ ዝርከባ "ንዴሳዊት ቻይና ዝብድሃ" ዘለዋ ካልኦት መሻርኽታን'ውን 8 ቢልዮን ዶላር ክትህብ ምምዳባ ንቻይና ባህ ኣይበላን።

ኣመሪካ፡ ንናጽነት ታይዋን ከይትድግፍ ንዝኣተወቶ መብጽዓ፡ ኣጽዋር ካብ ምሃብ ብምሕያብ ኣብ ግብሪ ከተርእዮ ንምሕጸን" ክትብል ቻይና ተቓውሞኣ ገሊጻ ነይራ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቤዢንግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሃገሩ ነቲ ዝተሰማማዓትሉ "ሓንቲ-ቻይና ፖሊሲ" ከምእተኽብሮ ኣረጋጊጹ'ሎ።

ኣመሪካ ነታ ምስ ቻይና ኣብ ጉዳይ ባሕሪ ደቡብ ቻይና (ሳውዝ ቻይና ሲ) ማያዊ ምስሕሓብ ዘለዋ ፊሊፒንስ እትገብሮ ደገፍ ግን ከም "ሓጺን-ዝተረረ" ምዃኑ እቲ ኣመሪካዊ ዲፕሎማት ኣነጺሩ።

ኣብ ሆንግ-ኮንግ ዝተራእየ ምብሕጓግ ርእሰ-ምምሕዳርን ሰባዊ መሰላትን ከምዘሻቕሎ'ውን ብሊንከን ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።

ቻይና ንሩስያ ኣጽዋር ከይትህባ ንፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ከምዝተማሕጸኖ'ውን እቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ።

ንሩስያ ትህቦ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ደው እንተዘይኣቢላ ግን ኣመሪካ ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ብሊንከን ኣጠንቂቑ'ሎ። እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ከምዝኸውን ግን ኣየነጸረን።