ኣሳእል ናዕበኛታት ፈስቲቫል ኤርትራ ቶሮንቶ ተዘርጊሑ 3 ይድለዩ ኣለዉ

ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣብ ካናዳ፡ ኣብ ምዕራባዊ ጫፍ ከተማ ቶሮንቶ ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ናዕቢ ብምክያድን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ብምውራድን ዝተጠርጠሩ ሰባት፡ ኣሳእሎም ብምዝርጋሕ፡ ፖሊስ ቶሮንቶ ንኽረኽቦም ሓገዝ ይሓትት ከም ዘሎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ብሓሙስ 28 መስከረም ቅድሚ ቐትሪ ዝወጸአ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ኣገልግሎት ፖሊስ ቶሮንቶ ኣብ መርመራ መጥቃዕቲ ዝድለዩ ጥርጡራት ንምልላይ ሓገዝ ህዝቢ ይሓትት ኣሎ” ይብል።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኣብቲ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝካየደሉ ዝነበረ ስፍራ፡ ፓርክ ‘ኤርልስኮርት’ ቀዳም 5 ነሓሰ 2023 ተቓውሞ ምስ ተላዕለ፡ ፖሊስ ረፋድ ከባቢ ሰዓት 10 ተጸዊዖም።

ሽዑ ዝወጸአ መግለጺ ፖሊስ ቶሮንቶ ከም ዘመልክቶ፡ መጀመርያ ሓደ ካራ ናይ ዝሓዘ ሰብኣይ ጸብጻብ ከምዝበጽሖ ሓቢሩ። ድሒሩ ኣብ ዝዘርግሖ ድማ፡ ኣብቲ መናፈሻ ባእሲ ከምዝተላዕለን ቴንዳታት ከምዝተቓጸለን ይሕብር።

ድሕሪ’ቲ ዝተፈጥረ ዕገርግር፡ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ንድሕነት ህዝቢ" ክብል እቲ ፈስቲቫል ኣብቲ ፓርክ ንኽካየድ ዝተዋሃበ ፍቓድ ከምዝሰረዞ ኣፍሊጡ።

እታ ከተማ ዝዀነ ዓይነት ጐነጽ ከምዘይትጻወር ብምግላጽ ከኣ "ናብታ ከተማ ይዅን ፓርክታት ዝበጽሕ ዝዀነ ሰብ ውሑስ ሃዋሁ ንምፍጣር" ግዴታኡ ምዃኑ ሓቢሩ።

በቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ድማ ትሽዓተ ሰባት ከምዝተሃረሙን፡ እቶም ሸሞንተ ሰባት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ መጕዳእቲ ክበጽሖም እንከሎ፡ እቲ ሓደ ሰብ ግን ብኻራ ድሕሪ ምውግኡ ከቢድ መጕዳእቲ ከምዘጋጠሞ ፖሊስ ቶሮንቶ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

መስርሕ መርመራ እቲ ጉዳይ ክካየድን፡ ኣብቲ ዕግርግር ንዝተሳተፉ ናዕበኛታት ንምህዳንን ፖሊስ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብሓሙስ ኣሳእል ሰለስተ ሰባት ዘርጊሑ፡ ኣብ ምልላዮም ሓገዝ ሓቲቱ’ሎ።

ፖሊስ ኣብ ጸብጻቡ ከም ዘስፈሮ፡ ኣባላት ማሕበረኮም ኤርትራ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኣብቲ ዝተጠቕሰ ፓርክ የካይዱ ነይሮም፤ ብዝሒ ዘለዎ ጕጅለ ተቓወምቲ ድማ ኣብቲ ቦታ ፈስቲቫል ተረኺቦም ተጋጭዮም፤ እቶም ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ንብረት ከምዘዕነዉን ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ሰባት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን ብምግላጽ ድማ፡ ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ኣብ ዝግበር ዘሎ መስርሕ መርመራ ኣሳእል ስለስተ ጥርጡራት ተዘርጊሑ ኣሎ።

በዚ ድማ ኣብ ምድላዮም ህዝቢ ክተሓባበር መጸዋዕታ ቀሪቡ።

ብዘይካ'ዚ፡ ፖሊስ ካልጋሪ፡ ኣብቲ ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ከተማ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ዝተኻየደ ናዕቢ ካብ ዝተሳተፉ 16 ሰባት ኣሳእሎም ብምዝርጋሕ፡ ንምልላዮም ካብ ህዝቢ ሓገዝ ይሓትት ከምዘሎ ክግለጽ ቀንዩ እዩ።

ብተመሳሳሊ፡ ብሓሙስ 21 መስከረም፡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ [ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ] ዝወጸአ መግለጺ ፖሊስ ካልጋሪ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ዝተፈጸመ ዕግርግር ዝግበር መርመራ ገና ይቕጽል ከምዘሎን፡ መርመርቲ ኣብቲ ባእሲ ከምዝተሳተፉ ዝኣመኑሎም፡ 16 ሰባት ንምልላይ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ፡ ኣሳእሎም ብምዝርጋሕ ካብ ህዝቢ ሓገዝ ሓቶቶም ኣለዉ፡ ተባሂሉ ምባሩ ኣይርሳዕን።