ኣቦኡ ቀቢሩ ምስ ተመልሰ፡ እስራኤላውያን ሰፋሮ ነቲ ሬሳ ክፍሕሮ ኣገዲዶሞ

ንባብ: 2 ደቓይቕ

መሓመድ ኣሳሳ፡ ነቲ ወዲ 80 ዓመት ሽማግለ ኣቦኡ ሑሰይን ቀቢሩ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ፡ ቈልዑ "ሰፋሮ መቓብር ይዅዕቱ ኣለዉ!" ኢሎም እናጨደሩ ናብ ቤቱ ብምምጻእ ኣሰንቢዶሞ።

ኣብታ ጥቓ ጀኒን (ምዕራባዊ ገማግም) እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ ኣሳሳ፡ እቲ ብዓርቢ ብባህርያዊ ምኽንያት ዝዓረፈ ሑሰይን ኣብ ዓዱ ኣዝዩ ዝተኸበረ ሰብ እዩ ዝነበረ።

እቲ ነጋዳይ ከብትን ኣቦ 10 ውሉዳትን ዝነበረ ሽማግለ፡ ብመሰረት ወግዒ ምስልምና፡ ክንዮው ቤቱ ኣብ ዝርከብ መካነ-መቓብር ዓረፈ።

ወዱ መሓመድ፡ ዝዀነ ጸገም ምእንቲ ከይፍጠር ናብቶም ኣብ ጥቓኦም ዘለዉ ወተሃደራት እስራኤል ፈቓድ ሓቲቱ ከም ዝነበረ ገሊጹ።

ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ግን፡ መሓመድ ምስ ኣሕዋቱ ናብቲ ቦታ ምስ ተመልሱ፡ ጕጅለ ሰፋሮ ኣይሁድ (ገሊኦም ዕጡቓት) ነቲ ሓድሽ መቓብር ክፍሕሩዎ ጸንሑዎም።

መሓመድ ምስቶም ሰፋሮ ክዘራረብ'ኳ እንተ ፈተነ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦምን መንጎ ሬሳ ኣቦኡን ዝነበረ እምኒ ናብ ምስባር ምስ በጽሑ ግን ተሃወኸ።

"ናብቲ ሬሳ ክበጽሑ ሒደት ተሪፍዎም ነይሩ፡" ይብል መሓመድ። "ከውጽኡዎ ከም ዝዀኑ ርግጸኛ ስለ ዝነበርኩ፡ ሽዑ ንሽዑ ውሳነ ክንወስድ ነይሩና።"

እቶም ሰፋሮ፡ ካብታ ኣብ ልዕሊ እቲ መቓብር እትርከብ ሳ-ኑር ዝተባህለት፡ በብግዜኡ እትሕደስ ሰፈር ዝመጽኡ እዮም።

ኵለን ኣብ መሬት ፍልስጤም ዘለዋ ሰፈራታት ብዓለምለኻዊ ሕጊ ዘይሕጋውያን እኳ እንተዀና፡ መንግስቲ በንያሚን ናታንያሁ ግን ናብ መሬት ፍልስጤማውያን ንምስፍሕፋሕ ኣብ ዝወሰዱዎ ስጕምቲ፡ ሳ-ኑር ዳግም ክትተሓዝ ፈቒዱ እዩ።

ኣብ ሞባይል ዝተቐርጸ ምስሊ ከም ዘርእዮ፡ እቶም ኣውቶማቲክ ብረታት ዝዓጠቑ ሰፋሮ፡ "ወይ ንስኻትኩም ኣውጽኡዎ ወይ ድማ ንሕና ክንኵዕቶ ኢና፡" ኢሎም ምስ ኣፈራርሑዎም፡ እቶም ኣባላት ስድራቤት ባዕሎም ነቲ ሬሳ ክፍሕሩዎ ተገዲዶም።

እቲ መቓብር ናብ ሰፈርና ኣዝዩ ዝቐረበ እዩ ዝብል ምኽንያት እዮም ህዝቡ።

ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ ምፍሓር ንምዕጋትን ወጥሪ ንምዝሓልን ጣልቃ ከም ዝኣተወ ገሊጹ።

እታ ስድራቤት ግን፡ እቶም ሰፋሮ ብውርደት ነቲ ሬሳ ካብ መቓብር ከውጽኡዎ ከገድዱዎም ከለዉ፡ እቶም ወተሃደራት ስቕ ኢሎም ይርእዩ ከም ዝነበሩ ወቒሶም።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንኽብሪ ህያዋንን ምዉታንን ዝሃሲ፡ ንግዝኣተ ሕግን ህዝባዊ ስርዓትን ዝጥሕስ ዝዀነ ይዅን ተግባር ንዅንኖ ኢና፡" ኢሉ ኣሎ።

ቤትጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ፍጻመ፡ "ዘስካሕክሕን ንፍልስጤማውያን ሰብኣውነት ናይ ምኽላእ መርኣያን፡" ክብል ኰኒኑዎ።

እቲ ሰፈር ዳግማይ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ውጥረት እናገደደ ከም ዝኸደ ነበርቲ ይገልጹ።

ሓደ ኣብቲ ዳስ ሓዘን ዝነበረ ሰብ፡ "ኵሉ መሬት ናትና እዩ ኢሎም እዮም ዝሓስቡ፡" ኢሉ።

ኣብ መላእ ምዕራባዊ ገማግም፡ ምስ ሰፋሮ ዝተሓሓዝ ዓመጽ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ካብ መጀመርታ ኲናት ክሳዕ መወዳእታ ምያዝያ ጥራይ፡ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሰፋሮ 13 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም፡ ኣማእቲ ድማ ቈሲሎም እዮም።

ሑሰይን ኣሳሳ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዝርከብ ካልእ ዓዲ ብሰላም ዓሪፉ ኣሎ።