ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ዘመናዊ ምዝመዛ ካልኣይ ተሰሪዖም

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ናብራን ሓድሽ ተክኖሎጅን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝፍጸም ምዝመዛ ቅድሚ ሕጂ ተመዝጊቡ ኣብ ዘይፈልጥ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ናጻ ኮምሽነር ጸረ-ግልያነት (IASC) ኣጠንቂቑ።

ኣብ 2025፡ ልዕሊ 23,000 ግዳያት ዘመናዊ ግልያነት ናብቲ ኮምሽን ቀሪቦም ኣለዉ፤ እዚ ከኣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ22% ወሰኽ ኣርእዩን ቅድሚ ሕጂ ተበጺሑ ዘይፈልጥ ኣሃዝን ምዃኑ'ውን ተገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብዚ ገበናት ዝተዋፈሩ መርበባት ህጹጽ ስጕምቲ እንተ ዘይተወሲዱ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ምስግጋር ደቂ-ሰብ፡ ብኣስገዳድ ምስራሕን ምዝመዛን ንምልላዩ ኰነ ምውጋዱ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ።

ካብቶም ኣብ 2025 ግዳያት ክዀኑ ዝኸኣሉ ሰባት፡ እቶም ልዕሊ 20% ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ እዮም። በዚ ድማ ዝዓበየ ብጽሒት ሒዞም ኣለዉ።

ዜጋታት ኤርትራ 13% ብምምዝጋብ ካልኣይ ዝለዓለ ደረጃ ክሕዙ እንከለዉ፡ ዜጋታት ቪየትናም (9%) ድማ ይስዕቡዎም።

ዓባይ ብሪጣንያ ብሓፈሻ ካብተን ብብዝሒ ኤርትራውያን ዝነብሩለን ሃገራት ኣውሮጳ እያ። ዝሓሸ ሽቕለትን ዕድላትን ንምርካብ ኢሎም ካብ ዝመርጹወን ሓንቲ ድማ ዓዲ እንግሊዝ እያ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብፍላይ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ከይተረፈ፡ ብንኣሽቱ ጀላቡ መትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ብብዝሒ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ተራእዮም እዮም እዮም።

እዚ ጸብጻብ'ዚ፡ ሕጊ ዘመናዊ ግልያነት ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕል ድሕሪ 10 ዓመታት ዝወጽአ ኰይኑ፡ ምዝመዛ ብኸመይ ይምዕብል ከም ዘሎ ንምትንታን ካብ ልዕሊ 50 ትካላት መርትዖታት ኣኪቡ ኣሎ።

ነዚ ወሰኽ'ዚ ዝደፋፍኡ ሰለስተ ቀንዲ ረቛሒታት ከም ዘለዉ እቲ ጸብጻብ ይሕብር፤ ናህሪ ዋጋታት ናብራ፡ ዕዳን ውሕስነት ዘይብሉ ስራሕን እዮም።

ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ግጭታትን ምዝንባል ህዝብን፡ ነቶም ናብ ከምዚ ተግባራት ተቓላዕቲ ዝዀኑ ሰባት ብኣሰጋገርቲ ንኽምዝመዙ መንገዲ ይጸርገሎም ኣሎ።

ኪነታዊ-ብልሒን ድጂታላዊ መድረኻትን፡ ነቶም ኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰብ ብሰፊሕ ደረጃ ግዳያት ንኽረኽቡ፡ ከዳልዉን ክቈጻጸሩን ዝለዓለ ዕድል እናሃቦም ይርከብ።

ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኮምሽነር ጸረ-ግልያነት ኰይና ዝተመዘዘት ኤሊኖር ልዮንስ፡ እቲ ጸብጻብ "ምዝመዛ ኣብ ውሽጢ ዓዲ እንግሊዝ ንዘለዉ ሰባት ብኸመይ ብዝለዓለ ደረጃ ይጸልዎም ከም ዘሎ፡" ዘጕልሕ ምዃኑ ገሊጻ።

"እቲ ዝኸፍአ መልክዕ ምዝመዛ ኣብዛ ሃገር እናኣስፋፍሐ ይኸይድ ኣሎ። ካብቲ ንሕና ንምግጣሙ እንገብሮ ንላዕሊ ድማ ይምዕብል ኣሎ፤ ሕጂ ስጕምቲ እንተ ዘይወሲድና፡ ብዝበኣሰ መጠን ክላባዕ እዩ፡" ክትብል ተዛሪባ።

ልዮንስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት፡ "ብገበነኛታት ዝምዝመዙ ዘለዉ ብዝሒ ዘለዎም ብሪጣናውያን ኣወዳትን ኣዋልድን እዮም፡" ኢላ።

ገበነኛታት ኣብ ናይ ቪድዮ ጸወታታት ብዘሎ ናይ ዕላል (chat) ኣገልግሎት ተጠቒሞም፡ እሙናት ሰባት ብምምሳል፡ ናይ ጸወታታት መለለዪ ብምዕዳግን ነቶም ቈልዑ ኣብ መጻወድያኦም የእትውዎም ከም ዘለዉ ሓቢራ።

እዚ፡ ነቶም ቈልዑ ናብ ምምዝማዝ ቅድሚ ምስግጋሮም ዝገብሩዎ ምዃኑ ገሊጻ።

ልዮንስ ከም ዝገለጸቶ ኣወዳት መብዛሕትኡ ግዜ ብገበናዊ መንገዲ፡ ብዕጸ-ፋርስ ይምዝመዙ፣ ኣዋልድ ድማ ብዝያዳ ጾታዊ ምዝመዛ የጋጥመን።

"እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ብልዕሊ 50% ወሲኹ ኣሎ። ኣብ ንኡስ ዕድመ ኣብ ዘለዉ ድማ ብብዝሒ ይፍጸም ኣሎ፡" ክትብል ኣብሪሃ።

ይዅን እምበር፡ ቈልዑ ይዅኑ ዓበይቲ፡ ጸገም ከይመጽኦም ብምስጋእ ዘጋጠሞም ነገር "ንሰባት ንምንጋር ከም ዝፈርሑ፡" ገሊጻ።

"እዚ ኣብ ርሑቕ ስግር-ባሕሪ ጥራይ ዝፍጸም ይመስለና ነይሩ፡" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣፍሊጣ።

'ብድሕሪ እዚ ኣሃዛት ህያው ሰባት ኣለዉ'

ልዮንስ፡ እቲ ዓዲ እንግሊዝ እትህቦ ዘላ ምላሽ ምስቲ ዘሎ ስግኣት ዝመጣጠን ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ለውጢ ንኸተኣታቱ ጸዊዓ።

ገለ ካብኡ ድማ ንፍሉያት ኣሃዱታት ፖሊስ ባጀት ምስላዕን ነቶም ሕጊ ጸረ-ምዝመዛ ዝጠሓሱ ትካላት ንግዲ መቕጻዕቲ ምጽዳቕን ይርከቡዎም።

"ብድሕሪ እዚ ኣሃዛት'ዚ፡ መብዛሕትና ክንሓስቦ ዘጸግመና ግፍዒ ዝወርዶም ዘሎ ህያው ሰባት ኣለዉ፤ ብግዲ ናብ ጾታዊ ንግዲ ዝኣትዋ ደቀንስትዮ፡ ናብ ጕጅለታት ዕጸ-ፋርስ ዝተገደዱ ቈልዑ ወይ ድማ ዝወጽእሉ መንገዲ ሓርቢቱዎም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ብፍርሒ ዝነብሩ ሰራሕተኛታት፡" ክትብል ልዮንስ ወሲኻ ገሊጻ።

ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብወገኑ፡ ነቲ ስርዓተ ዘመናዊ ግልያነት ዳግመ-ግምት ከም ዝግበረሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ግቡእ ሓለዋ ንምግባርን ቃል ንኣቱ፡" ኢሉ።

እቲ ምኒስትሪ ምስቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ብምዃን ይሰርሕን ንዝተዋህለሉ መዛግብቲ ንምቅልጣፍ ስጕምቲ ይወስድን ከም ዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ናይ 2015 ሕጊ ዘመናዊ ግልያነት፡ ንዅሎም ናይ ጸረ-ምዝመዛ ገበናት ኣብ ትሕቲ ሓደ ሕጊ ብምጥቕላል፡ ንግዳያት ንምክልካልን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንምቕራብን ሓድሽ ስልጣንን ግዴታን ፈጢሩ እዩ።

እቲ ሕጊ፡ ነቶም ተገዲዶም ሕጊ ክጥሕሱ ዝተቐሰቡ ግዳያት ግልያነትን ምስግጋር ደቂ-ሰብን፡ ሓድሽ ናይ ምክልኻል መሰል ኣረጋጊጽሎም ኣሎ።