እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማልያ፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ዓሰርታት ኣሽሓት ሰባት ልሒዅ ወጺኡ
ኣብ ስርዓተ ኤሌክትሮኒካዊ ቪዛ ሶማልያ ብዝተፈጸመ ዓቢ ምጥሓስ መረዳእታ፡ ዜጋታት ኣመሪካ ዝርከብዎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣመልከትቲ ዝምልከት ውልቃዊ ሓበሬታ ክልሑኽ ከም ዝገበረ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ኣጠንቂቑ።
"መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰርሰርቲ" ናብ መድረኽ ኤሌክረሮኒካዊ ቪዛ -ኢ-ቪዛ- መንግስቲ ሶማልያ ብምእታው፡ ብውሑዱ ውልቃዊ ሓበሬታታት 35 ሽሕ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ዝኽእል መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ እሙን ጸብጻባት ከም ዝበጽሖ ገሊጹ።
እቶም ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ሰነዳት፡ ኣስማት፡ ስእልታት፡ ዕለተ ልደት፡ ኵነታት ሓዳር፡ ኣድራሻ ገዛን ኢመይልን ዘጠቓልሉ ምዃኖም ኤምባሲ ኣመሪካ ብሓሙስ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።
"እዚ ምጥሓስ መረዳእታ ቀጻሊ ኰይኑ፡ ዝዀነ ናብቲ ስርዓት እተእትዎ ውልቃዊ መረዳእታ ከቃልዕ ይኽእል'ዩ፡" ክትብል ዓባይ ብሪጣንያ'ዉን ንገያሾ ኣጠንቂቓ።
ብተወሳኺ፡ "ሓደ ሰብ ናብ ሶማልያ ንምጕዓዝ ዘድሊ ኢ-ቪዛ ቅድሚ ምሕታቱ፡ ነቲ ሓደጋታት ኣብ ግምት ከእቱ፡" ከም ዘለዎ'ዉን ኣተሓሳሲባ።
ሰበስልጣን ሶማልያ ብዛዕባ እቲ ጥሕሰት መረዳእታ ኣመልኪቱ ርእይቶ ኣይሃቡን። መንግስቲ ግን ወግዓዊ መብርሂ ከይሃበ፡ ኣገልግሎት ቪዛ ዝህበሉ መርበብ ካብ evisa.gov.so ናብ etas.gov.so ኣሰጋጊሩ ኣሎ።
"ኤምባሲ ሞቃድሾ መረዳእታ ሓደ ውልቀሰብ ኣካል ናይቲ ጥሕሰት ምዃኑ ከረጋግጽ ኣብ ዘይከኣለሉ እዋን፡ ናብ ኢ-ቪዛ ሶማል ዘመልከቱ ውልቀሰባት ግን ክጽለዉ ይኽእሉ እዮም፡" ይብል መግለጺ ኣመሪካ።
ቢቢሲ ኣብዚ ጕዳይ ንበዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ሶማልያ ሓቲቱ እዩ።
እዚ ሓድሽ ስርዓት ሶማልያ፡ ካብታ ንርእሳ ከም ናጻ ሃገር እትቘጽር ሶማሊላንድን ፍርቂ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ዞባ ፑንትላንድን ሓዊሱ፡ ኵሎም ተጓዓዝቲ፡ ንመእተዊ ቪዛ ብኢንተርነት ከመልክቱ ይጠልብ።
ነቐፍቲ፡ ኣብ ዝተወሰኑ ዞባታት ተጓዓዝቲ ተወሳኺ ክፍሊት ከም ዘጋጠሞምን፡ እዚ ድማ ድርብ ክፍሊት ከም ዝዀነን ይዛረቡ።
ኣብ 1991 ብገዛእ ርእሳ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ ዋላ'ኳ ብናይ ገዛእ ርእሳ ትካላት ትመሓደር እንተዀነት፡ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ግን ኣይተዋህባን። ሶማልያ እቲ ዞባ ኣካል ልኡላዊ ግዝኣታ ኰይኑ ከም ዝቕጽል ትኣምን።
እዚ ተፈጢሩ ዝበሃል ዘሎ ጥሕሰት መረዳእታ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መንጐ ሞቃድሾን ሃርጌሳን ብዛዕባ ምቍጽጻር ክሊ ኣየር ሶማልያ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወጥሪ ሓድሽ ምዕባለ ዝውስኽ ኰይኑ ኣሎ።
ሶማልያ ኣብ 2017 ዳግማይ ምሉእ ምቍጽጻር ክሊ ኣየርኣ ክትገብር እንከላ፡ ሶማሊላንድ ግን ነዚ ምጽባእ ጠቕሊላ ኣይገደፈቶን።
ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዱራሕማን ዔሮ፡ ሶማሊላንድ ንኢ-ቪዛ ሶማልያ ከም ዘይትቕበል ምግላጹ ስዒቡ፡ መገዲ ኣየራት ናብ ክሊ ኣየር እታ ግዝኣት ቅድሚ ምእታዎም ካብ ሃርጌሳ ፍቓድ ክረኽቡ ከም ዘለዎም ምስ ኣዘዘ፡ እቲ ምስሕሓብ ኣብዚ ሰሙን ዝያዳ ተጋዲዱ።
ዓበይቲ መገዲ ኣየራት ግን ፍቓድ ኢ-ቪዛ ሶማልያ ዘይብሎም ተጓዓዝቲ ምስፋር ኣብዮም ይርከቡ።
ብቀዳም ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን ዳሂር ዓዳን፡ "ዝዀነ ናብ ሶማሊላንድ ዝገይሽ ሰብ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ቪዛኡ ክረክብ'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ስርዓት ኢ-ቪዛ ሶማልያ ውሑስ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ ነዚ ዝጥቀሙ ተጕዓዝቲ ድማ፡ "መረዳእታኦም ኣብ ኢድ ኣኽረርቲ ጕጅለታት ክወድቕ ከም ዝኽእል፡" ኣጠንቂቑ።
እዚ ምትፍናን፡ ገለ ናብ ሶማሊላንድ ዝኸዱ ዝነበሩ ገያሾ፡ ኢ-ቪዛ ሶማልያ ስለ ዘይብሎም ናብ ነፋሪት ካብ ምድያብ ዝተኸልከሉ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተጎናደቡን ሰባት ኣለዉ።
ሚኒስተር ሲቪል ኣቬሽን ሶማሊላንድ ፉዓድ ኣሕመድ ኑክስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መምርሒታት - ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዝተኣወጀ - ካብ 10 ሕዳር ጀሚሩ ተግባራዊ ከም ዝዀነ ገሊጹ።
ንሱ፡ ነዚ ሕጊ ዘይኽተላ መገዲ ኣየራት ናብ ኻልእ መገዲ ክቕይራ ክነገረን ምዃኑን፡ ድሮ ሓያሎ ነፈርቲ መንገደን ከም ዝቐየራን ገሊጹ።
ብሚኒስትሪ ኣቬሽን ሶማሊላንድ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ውሽጢ ዓዲ ንኣህጉራውያን ኣብረርቲ መምርሒታት ክህቡ ዘርኢ ይመስል - እዚ ስጕምቲ ኣብ ውሽጢ እታ ርእሰ ምምሕዳር ከም ዓብዪ ዓወት'ዩ ተጸንቢሉ።
በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ሶማልያ ግን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንመላእ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ዝሽፍን ዞባ ሓበሬታ በረራ ሞቓድሾ (FIR) ብሕታዊ ምምሕዳራውን ሕጋውን ቁጽጽር ክሕሉ ይጽዕር።
ኵለን ነፈርቲ ብዘይካ ሞቃድሾ ብኻልእ ሰበስልጣን ዝወሃብ መምርሒ ዕሽሽ ክብላ ኣዚዙ ኣሎ።
ንሕግታት ሶማልያን ዓለምለኻዊ ኣቪየሽንን ዘይምኽባር ሓደጋ ድሕነት ከም ዘስዕብን "ከቢድ ሕጋዊ ሳዕቤን" ከም ዘኸትልን ድማ ኣጠንቂቑ።