'እዞም ሰባት መን'ዮም?' - ብስሞምን ምስሎምን ዝሽቀጠሎም ዘሎ ሰባት

ኣስላምን ሶማላውያንን ዝዀና ጸለውትን ሞዴላት ፋሽንን ኣምሲሎም ዝጥቀሙ ሓያለ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ትሕዝቶታት ጅኦፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ክዝርግሑ ከም ዝጸንሑ መርመራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

እታ ሰማያዊ ዓባያ ተኸዲና ፍሽኽ እናበለት ኣብ ፕሮፋይላት ኤክስ፡ ቲክቶክን ፈይስቡክን ትቐርብ ጓለንስተይቲ፡ ብዙሕ ግዜ ንሃገራ ሶማልያ ክሳብ ክንደይ ከም እተፍቅራ እያ ትጽሕፍ።

ቢቢሲ፡ ነታ ኣብ ስእሊ ዘላ ሰብ - ስማ ክግለጽ ዘይመረጸት ጸላዊት ሰብ - ምስ ተራኸበ ግን ሰንቢዳ።

ቅድሚ ሕጂ ነዞም ገጻት ርእያቶም ከም ዘይትፈልጥ ገሊጻ፣ "ኣነ ኣይኮንኩን፣ ስእለይ ይጥቀምሉ ኣለዉ። ምስዞም ንዓይ ኣምሲሎም ዝሰርሑ ዘለዉ ሰባት ዝዀነ ርክብ የብለይን፣ ኣይፈልጦምን እየ፡" ኢላ።

ንሳ ሓንቲ ካብተን ብዘይኣፍልጦአን፡ ምስ ሶማልያ፡ ሱዳንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝተኣሳሰረ ፕሮፖጋንዳ ንምዝርጋሕ ስእለን ዝተወስደ ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ እያ።

ኣሃዱ ምምርማር ስኑዕ-ሓበሬታ ቢቢሲ ኣብቲ መርበብ ልዕሊ 100 ሕሳባት ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዘሎ ኣለልዩ። ነቲ ስርሒት መን የካይዶ ከም ዘሎ ንጹር ኣይኰነን፣ እንተዀነ ንንጥፈታት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሶማልያ ዝንእድ ትሕዝቶታት ስለ ዝበዝሖ፡ ተንተንቲ ምስ ዕላማታት ፖሊሲ ወጻኢ ኢማራት ዓረብ ዝሳነ ምዃኑ ይኣምኑ።

ኢማራት ዓረብ ኣብ መላእ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ቀንዲ ተዋሳኢት ካብ እትኸውን ጸኒሓ ኣላ። ኣብ ከም ጸጥታ ዝኣመሰሉ ጽላታት ንምምካት ኣኽረርቲ ጕጅለታት፡ ኣብቲ ሶማልያ እትርከቦ ከባቢ ኣብ ትሕተቕጺ ባሕርን ኣብቲ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ብዙሕ ወፍሪ ትገብር ሃገር እያ።

እቶም ፕሮፋይላት፡ ነቲ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝዋግኡ ውድባት ሓደ ዝዀነ ዳዕመ-ሰሪዕ ደገፍ ዘርእዩ ይመስሉ። ሰራዊት ሱዳን፡ ኢማራት ዓረብ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ፋይናንሳውን ወተሃደራውን ደገፍ ትህብ ኣላ ክብል ይኸስስ እዩ፤ ኢማራት ግን ነዚ ብተደጋጋሚ ነጺጋቶ።

ቢቢሲ፡ መሳርሒታት ትንተና ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒሙ፡ ካብ ጥሪ 2023 ክሳዕ መስከረም 2025 ኣብ 111 ሕሳባት ኤክስ፡ ን47,000 ጽሑፋት፡ ኣስታት 300,000 ላይክ ኣዋህሊሉ፣ ንልዕሊ 215 ሚልዮን ተጠቀምቲ ዳህሲሱ።

እዞም ሕሳባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ካብ ንሓድሕዶም ዝፍጠሩ ኰይኖም፡ ንኸይልለዩ ኣስማት ተጠቀምቲ ዝቕይሩ፣ ብኪነታዊ-ብልሒ ዝስራሕ ግራፊክስ ዝጥቀሙ፣ ማዕረ ዝተቓነየ ሃሽታግ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ብዙሓት ቋንቋታት ዳርጋ ተመሳሳሊ ጽሑፋት ዝጥቀሙ ኰይኖም፡ እዚ ድማ መርኣያ ዝተዋደደን ዘይሓቀኛን ምዃኑ ተመራመርቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይሕብሩ።

ኣብ ፈይስቡክን ቲክቶክን እውን ቅዳሕ ትሕዝቶ ናይ ገለ ሕሳባት ኣለዉ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጥሩን ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዝለጠፉን ብቝጽሪ ውሑዳትን'ኳ እንተዀኑ፡ እቲ መርበብ ኣብ መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ብኸመይ ከም ዝተኣሳሰረ ዘርኢ ይመስል።

እዚኦም መን እዮም?

እቶም ዝተኸታተልናዮም ሕሳባት ከም ዜጋታት ሶማልያ ወይ እንተ ወሓደ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኰይኖም ዝቐረቡን መብዛሕትኡ ትሕዝቶታቶም ድማ ንመንግስቲ ሶማልያ ዝንእድን ወተሃደራዊ ዓወታቱ ዝጽንብልን ጽሑፋት ዘቃልሑ እዮም። ልጥፎታት፡ ንኣካላዊ ጽባቐ ህዝቢ ሶማልያ፡ ከተማታትን መልክዓ ምድርን እውን ዘጕልሑ እዮም።

እቶም ሕሳባት ዝውቱራት ኣስማት ዓሌታት ሶማልያ ከም ኢሳቕ፡ ኦጋደን፡ ኣጁራን፡ ዲር፡ ዲጊል፡ ዳሮድን ኣኪሾን ዝኣመሰሉ ይጥቀሙ። እዚ ድማ ሓቀኛታት ምዃኖም ንምምሳልን ንሶማላውያን ንምእማንን ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል።

ቢቢሲ ነቲ ኣሳእል ገልቢጡ ድሕሪ ምምርማር፡ ገለ ካብቶም ኣሳእል ናይ ሓቀኛ ሰባት - ህቡባት ሞዴላትን ጸለውትን - ምዃኖም ረኺቡ።

ንሓንቲ ተዓዋቲት ውድድር ጽባቐ ዝነበረት ሶማላዊት፡ ምስላ ዘርኢ ፕሮፋይል ዝገበረ ሕሳብ ፈይስቡክ፡ ንመንግስቲ ሶማልያን ወተሃደራቱን ዝንእድ ትሕዝቶ ክዝርግሕ ከም ዝጸንሐ ሓቢርናያ።

ፈይስቡክ ከም ዘይትጥቀምን ምስቲ መዝገብ እውን ዝዀነ ርክብ ከም ዘይብላን ትዛረብ።

እቲ ሕሳብ ፈይስቡክ፡ ሓሊማ ብዝብል ስም ንጡፍ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዓረብኛ ብዛዕባ ሶማልያ ዝበዝሕ እወታዊ ዜናታት ናብ ዝዝርግሕ መርበብ ሓበሬታ ተቐይሩ። ሜታ፡ ነቲ ሕሳብ ዘይሓቀኛ ባህርያት ብምርኣይ ይምርምሮ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ካልኦት ኣርባዕተ ደቀንስትዮ ድማ ንሰን ከይፈለጣ ስእለን ይጥቀምሉ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጸን።

ኣደ ሓንቲ ካብተን ደቀንስትዮ፡ ጓላ መዝገብ ኤክስ 9ትዊተር ነበር0 ከም ዘይብላን ኣሳእላ ካልኦት ሰባት ይጥቀምሉ ከም ዘለዉ ከም ዘይትፈልጥን ገሊጻ። ጓላ ምስቲ መርበብ ዝዀነ ምትሕሓዝ ከም ዘይብላን ኣብ ፖለቲካ'ውን ምንም ተገዳስነት ከም ዘይብላን ገሊጻ።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበራ ኣብ ዓውዲ ቍንጅና እትነጥፍን ጸላዊትን ሰብ፡ ስእላ ኣብ ቲክቶክ ብገለ ሕሳባት ይጥቀምሉ ከም ዘለዉ፡ ብመንገዲ ማናጀራ ኣቢላ ገሊጻ፤ ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ምዝመዛ ኣሳእላ ከም ዘይፈልጡን ብኣጠቓቕማኡ ከም ዝተሰናበዱን እውን ሓቢራ።

ወሃቢቓል ቲክቶክ፡ ነታ ህብብቲ ጸላዊት ኣምሲሉ ዝተኸፍተ መዝገብ፡ ምስ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ተመሳሰልቲ መዝገባት ከም ዝተመርመሩን መምርሒታትን ፖሊሲታትን እቲ መርበብ ብምጥሓስ ከም ዝተኣልዩ ገሊጹ።

ቲክቶክ፡ መድረኾም ንተጠቀምቲ ከደናግር ዝኽእል ባህርያት ዘለዎም፡ ከምኡ'ውን ስዉር ጽልዋን ስርሒታት ምክያድን ናይ ካልኦት ኣምሲሎም ዝተኸፍቱን ሕሳባትን ከም ዘየፍቅድ ሓቢሩ።

"ኣብ ቲክቶክ ንዝግበር ሓቀኛ ርክባት ንምድኻም ዝግበር ፈተነታት ኣመና ንቝሓት ኢና፣ ንመታለሊ ባህርያት ንምብርዓን ድማ ምሉእ ግዜ ዝሰርሑ ጕጅለታት ኣለዉና።"

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተመሳሳሊ ወፍሪታትን ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝመርመረ፡ ኣብ ቐጠር ኣብ ዝርከብ ኖርዝዌስተርን ዩኒቨርሲቲ ዝመደበሩ ክኢላ ስኑዕ/ግጉይ ሓበሬታ ማርክ ኦወን ጆንስ፡ እቶም ሕሳባት ብርግጽ ከም (ኣሻንጕሊት ካልሲ - Sock puppet) ኣካል ናይ ሓደ ዝዓበየ መርበብን ምዃኖም ዘጠራጥር ከም ዘየሎ ገሊጹ።

እዞም ኣሻንጉሊት ሕሳባት ንዝተወሰነ ኣረኣእያ ንምድንፋዕ ዝተፈጥሩ ናይ ሓሶት መንነታት ማሕበራዊ መራኸቢታት እዮም፣ ወይ ብድሕሪኦም ዘለዉ ሓቀኛታት ሰባት ብሕቡእ ርእይቶ ንምትላል ዝተፈጠሩ እዮም።

እቶም ሕሳባት ሶማልኛ፡ እንግሊዝኛን ዓረብኛን ሓዋዊሶም እዮም ትሕዝቶታት ዝልጥፉ። ኣጠቓቕማ ክላሲካዊ ዓረብኛ ካብ ተዛረብቲ ዓረብኛ ብፍላይ ድማ ካብ መንእሰያት ተጠቀምቲ እትጽበዮ ፍልይ ዝበለ ስለ ዝዀነ ጐሊሑ ይረአ።

ክላሲካዊ ዓረብኛ ብተለምዶ ንሃይማኖታዊ፡ ስነጽሑፋዊ ወይ ወግዓዊ ኵነታት ዝተሓዝአ ኰይኑ፡ ኣብ ዕለታዊ ዕላላት ኢንተርነት ብዙሕ ዝውቱር ኣይኰነን።

መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ግዳያት ናይዞም ከምዚኦም ዝበሉ መዝገባት ባዕላተን ክሕብራ ከም ዝኽእላ ይገልጹ። ኤክስ፡ እዞም ሕሳባት ንፖሊሲታቱ ጥሒሶም ድዮም ኣይጠሓሱን ኣብ ዝብል ርእይቶ ኣይሃበን።

ስለምንታይ ኣብ ሱዳን የተኵሩ?

ኣብ መስርሕ ምክትታል፡ እዞም ንስነት ሶማላውያን ዝተላበሱ መዝገባት፡ ብዛዕባ መንግስቲ ሶማል ካብ ምዝራብ፡ ብኪነታዊ-ብልሒ ዝፈረየ ምስልን ተደጋጋሚ መልእኽትን ተጠቒሞም ናብ ኲናት ሱዳን ኣዘንቢሎም።

ኣብ ነሓሰ፡ ብዙሓት ደቀንስትዮ ፕሮፋይላት ዝገበራ ገጻት፡ ሰራዊት ሱዳን ን27 ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ፣ እቲ ሬሳታት ኣብ ደቡባዊ ሱዳን ኣል ዑበይድ ቀቢርዎም፡ ዝብል ሓበሬታ ብሓንሳብ ደፊአን ነይረን።

እዚ ሓበሬታ ኣብ ዝዀነ ወግዓዊ ምንጪ ክርከብ ኣይተኻእለን፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተሓጽረ ጥራይ ይመስል። ቢቢሲ፡ ኣብ ሱዳን ምስ ዝመደበሩ ሓቅታት ዝምርምር ናጻ ትካል ቢም ሪፖርትስ ተሓባቢሩ ከረጋግጾ ፈተነ ገይሩ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ኳ እንተዀነ፡ ብዛዕባ'ዚ ግን ዝዀነ ዝተሰነደ መርትዖ ወይ ዘረጋግጽ ተኣማንነት ዘለዎ ጸብጻብ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ገሊጾም።

እዚ ጽሑፋት፡ ነቲ ሓይሊ ኣየር ሱዳን ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሓንቲ ኮሎምብያውያን ዕሱባት ሰራዊት ዝጸዓነት ነፋሪት ከም ዘዕነዋ ዝገልጽ ንሰራዊት ሱዳን ደገፍ ብዘለዋ ማዕከን ተለቪዥን ንዝወጽአ ጸብጻባት ንምፍሻል ወይ ንምጽራር ይመስል።

ብሓፈሻ እዞም መዝገባት ንዳዕመ-ሰሪዕን ኢማራት ዓረብን ዝሰማማዕ ዝመስል ትረኻታት ዘሰጕሙ ምዃኖም ክንርዳእ ንኽእል።

ብድሕሪ እዞም መዝገባት ዘሎ ግን መን እዩ?

ነዞም መዝገባት መን ከም ዘካይዶም ብልክዕ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ። ብድሕሪኦም ዘለዉ መንነታት ንምልላይ ዘሎ መርትዖታት ኣዝዩ ውሱን ኣሎ።

ፈለማ ብቐንዱ ናብ ሶማልያ ዘተኰሩ፡ 40% ካብ ጽሑፋት ብቐጥታ ንሶማልያ ዝጠቐሱ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንመንግስታ ዝንእዱ ጽሑፋት እዮም ዝዝርግሑ ነይሮም።

ነቲ ወፍሪ ዘካይድ ትካል ንምልላይ ኣጸጋሚ'ኳ እንተዀነ፡ እቶም መዝገባት ግን ንሶማልያ ዝምልከት፡ ዕላማታት ፖሊሲ ወጻኢ ኢማራት ዓረብ ኣብ ሶማል ኣብ መንጎ ሶማላውያን ሞገስ ንምርካብ ዝጽዕርን መርበብ ምዃኑ ከም ዝኣምን ዶክተር ጆንስ ይገልጽ።

"እቲ ልሙድ ኣገባብ ኣብ ኵሉ መርበባት ሓደ'ዩ፤ ብሓፈሻ መንእሰያት፡ ጸለውቲ ሰባት ካብታ ኣብቲ ዞባ ምስ ኣድላይነት ፖሊሲ ወጻኢ ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ዞባ ዝዛመድ እዩ። እዚ ናይ ሶማል ኵነታት እዩ። ግን ኣብ ሞሪታንያ፡ ኣልጀርያ፡ ሞሮኮ'ውን ተመሳሳሊ ኣገባባት ርእየ እየ፡" ኢሉ።

ኣብ ኢማራት ዓረብ ኣመልኪቱ ክዝረብ እንከሎ፡ እቶም ትሕዝቶታት ነታ ሃገር ዝንእዱ እዮም - ይብል ዶክተር ጆንስ። "ፖለቲካውን ቍጠባውን ስትራተጂ ምትሕውዋስ ኣሎ። እቲ ዝቐርብ መዛረቢ ነጥብታት ኣብ ረብሓታት ኢማራት ዓረብ ኣብታ ሃገር ይምርኰስ።"

እቶም ገጻት፡ "ኢማራት ዓረብ ንሶማልያ ትድግፍ" ዝብል ጽሑፍ ዘሰነዩ፡ ብኢማራት ዓረብ ዝተገብረ ረድኤት መግቢ ዘርእዩ ኣሳእል ይዝርግሑ።

እዚ ኣገዳስነት ዘለዎ ቍጠባዊ ዝምድና ብሰንኪ'ቲ ኢማራት ንዝተፈላለያ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለወን ዞባታት ሶማልያ እትህቦ ፋይናንሳዊ ደገፍ - ዝቃወምዎ ሶማላውያን ብርክት ዝበሉ ስለ ዝዀኑ - ብእኡ ክጽሎ ጸኒሑ እዩ።

ኢማራት ዓረብ፡ ኣብታ ናጽነታ ባዕላ ዝኣወጀት ሪፓብሊክ ሶማሊላንድን፡ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳርን ዘሎወን ፑንትላንድን ጁባላንድን ናይ ትሕተ-ቕርጺ፡ ጸዓት፡ መጓዓዝያን ጸጥታን ወፍሪታት ኣለዋ፤ ወተሃደራት ንምስልጣንን ንመኸተ ኣንጻር ኣልሸባብን ጕጅለ እስላማዊ መንግስትን ምወላ ትገብር እያ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነጥፍ ናጻ ተንታኒ ሓሶት/ስኑዕ ሓበሬታ ኣሌሳንድሮ ኣኮርሲ ከም ዝበሎ፡ እቲ ንኣቡዳቢ ዝድግፍ ጽልዋ 'ኢኮ-ሲስተም' ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ኩባንያታት ህዝባዊ ርክባት ስለ ዝምርኰስ፡ ንትረኻ ፖሊሲ ወጻኢ እታ ሃገር ዝድግፉ ጐስጓሳት ናብቲ መንግስቲ ኣተኣሳሲርካ ክትረኽቦ ኣጸጋሚ እዩ።

"መብዛሕትኡ ግዜ ብውልቀሰባት ብዝግበር ውዕላት ምስ ኩባንያታት ህዝባዊ ርክባትን ጽልዋ ዝፈጥራ ናይ ስርሒት ኩባንያታትን ኣቢሉ ስለ ዝካየድ ቀጥታዊ ተቓላዕነት ክህሉ ከቢድ እዩ፡" ይብል።

መንግስታት ኢማራትን ሶማልያን ንሕቶታት ቢቢሲ መልሲ ኣይሃቡን።

ትንተና ናይቲ ትሕዝቶ ጥራይ ነዞም ገጻት መን ይመርሖም ከም ዘሎ ናብ መደምደምታ ከብጽሕ ኣይክእልን፡ እተን ደቀንስትዮ ብሓቂ መን ኣሳእለን ከም ዝወሰደ ንምፍላጥ እውን ኣጸጋሚ እዩ።