ዘለንስኪ ምስ ትራምፕ ስምምዕ ማዕድናት ክፍርም ናብ ዋሽንግተን ከምርሕ እዩ

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዓርቢ ኣብ ዋሽንግተን ብምርኻብ ስምምዕ ወፍሪ-ማዕድናት ክፈርም ምዃኑ ትራምፕ ኣፍሊጡ።

ዘለንስኪ ነቲ ክልተኣዊ ስምምዕ 'መባእታዊ' ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንወራር ሩስያ ንምዕጋት 'ውሕስነት ጸጥታ' ኣመሪካ ዘጠቓለለ ተወሳኺ ስምምዓት ክግበር ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ትራምፕ ግን ኣመሪካ፡ እዚ ዝበሃል ዘሎ 'ውሕስነት ጸጥታ' ከም ዘይትህብ ብምግላጽ፡ እቲ ሓላፍነት ኣብ ክንድኡ ኣብ ኢድ ኤውሮጳ ክወድቕ ኣለዎ እዩ ዝብል።

ትራምፕ፡ ዩክረይን ኣባል ኔቶ ክትከውን ዝብል ሓደ ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሕቶ ድማ ኣይቅበሎን።

ትራምፕ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መሬት ዩክረይን ነቲ ማዕድን ዘውጽኡ ኣመሪካውያን ሰራሕተኛታት ምህላዎም ንዩክረይን "ቀጥታዊ ውሕስነት" ክህባ ምዃኑ ገሊጹ።

'ናብ ኔቶ ምጽንባር ዝበሃል ዝሕሰብ ኣይኰነን'

ዩክረይን ናብ ኔቶ ምጽንባር ዝብል ሕልሚ፡ "ክትርስዖ" ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ እቲ ጉዳይ ሓደ ካብቲ ናብ ኲናት ዝደረኹ ረቛሒታት እዩ ዝብል ብሩስያ ዝቐርብ መመኽነይታ፡ ትራምፕ ደጊሙ ኣጋዊሑዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን፡ ምስ'ዚ ኲናት ብዝተኣሳሰር፡ ብሩስያ ዝፍነው ሕሶት ከም ዘለዎ ከቃልሕ ተሰሚዑ እዩ - 'እቲ ኲናት ዝጀመረቶ ዩክረይን እያ' ዝብል ፕሮፖጋንዳ ሩስያ ከይተረፈ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ተዅሲ ደው ምባል ርሑቕ ከም ዘይኰነ ብምዝራብ፡ "ምስ ሩስያን ዩክረይንን ስምምዕ ክንገብር ኢና፡ ሰባት ምቕታል ደው ክብል ኣለዎ፡" ኢሉ።

ዘለንስኪ ግን ብዘይ ውሕስነት ጸጥታ፡ "ተዅሲ ደው ምባል ዝበሃል ነገር ኣይህሉን፡ ዝሰርሕ ነገር ኣይኰነን፡" ኢሉ።

"ብመንገዲ ኔቶ ይዅን ወይ ድማ ካልእ ተመሳሳሊ ነገር ውሕስነት ንደሊ ኢና፡" ኢሉ ኣሎ።

ሩስያ ንሓይልታት ኔቶ ናብ ዶባታ ከይጽጋዕ ብምስጋእ፡ ዩክረይን ኣባል ክትከውን ዝብል ሓሳብ ብቐጻሊ ትቃወሞ።

ትራምፕ ድማ እዚ ዝሕሰብ ኣይኰነን ክብል፡ ንድሌታት ሩስያ ደጊፉ ጠጠው ኢሉ ኣሎ።

ኣብ 2008፡ እቲ ኪዳን፡ ዩክረይን ክትጽንበር ከም እትኽእል ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እንተዀነ፡ ትራምፕ ከም ኣካል ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ኤውሮጳ ኣብ ዩክረይን ክወፍር ከም ዝኽእል ዝሰማመዕ እዩ።

ሩስያ ግን ኣንጻር እዚ ምዃና ትገልጽ፤ ትራምፕ ብወገኑ ብዛዕባ'ዚ ምስ ፑቲን ከም ዝተዘራረቡሉ ግን 'ጸገም ከም ዘይብሉን' እዩ ዝዛረብ።

ኤውሮጳውያንከ እንታይ ይብሉ ኣለዉ?

ወከልቲ ኤውሮጳ ኣብቲ ዋሽንግተን ምስ ሩስያ ዘካየደቶ ናይ መጀመርታ ደረጃ ዝርርብ ኣይተኻተቱን።

በዚ ዝመጽአ ድማ ዘይዕግበታት ኣሎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብመርገጺ ምመሕዳር ትራምፕ ኣብ ውሑስ ኵነት ኣትዮም ይርከቡ።

እቲ ኣመሪካ ብዓብላልነት ክትመርሖ ዝጸንሐት ዞባዊ ወተሃደራዊ ኪዳን-ኔቶ'ውን እንተዀነ፡ ሓድነቱ ይስእን ኣሎ።

ላዕለዋይ ወኪል ጉዳያት ወጻኢን ፖሊሲ ጸጥታን ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ ትማሊ ረቡዕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዝዀነ ዓይነት ኣብ መሬት ኤውሮጳ ስምምዕ ግበራዊ ንክኸውን፡ ኤውሮጳውያን'ውን ክሰማምዕሉ ኣለዎም፡" ኢሉ።

እቲ ስምምዕ ሃብቲ ማዕድናት ንዩክረይን ዝምልከት እንተዀነ'ኳ፡ ምስቲ ወራር ሩስያ ብዝተኣሳሰር ገለ ሕቶታት የልዕል ኣሎ።

ካጃ ካላስ፡ ዝዀነ ዝግበር ስምምዕ ሰላም፡ "ኤውሮጳውያን ክሳተፍዎ ኣለዎም፡" እያ ትብል።

ሚስ ካላስ ትማሊ ረቡዕ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ንምርኻብ ዝነበራ መደብ ድማ ሃንደበት ምስራዙ የዘራርብ ኣሎ።

ስለምንታይ እቲ መደብ ከም ዝተሰረዘ ዛጊት ንጹር ኣይኰነን፣ እንተዀነ፡ ክልቲኦም ወገናት ናይ መደባት ምድርራብ ምዃኑ እዮም ዝጠቕሱ።

ብሰንኪ ትራምፕ ዘርእዮ ዘሎ ባህርታትን፡ ምስ ፑቲን ናይ ምምሕዛውን መንገድታትን፡ ኣብ መንጎኦም ንዘበናት ዝነበረ ጸጥታዊ ሽርክነት እናተባሕጐገ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል።

ንኤውሮጳውያን 'ዓርስኹም ከኣሉ' ዝብል ዘረብኡ ንብዙሓት ዘቐየመ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ቻንስለር ጀርመን ኰይኑ ዝተመርጸ መርዝ፡ 'ኣውሮጳ ካብ ጽግዕተኛነት ኣመሪካ ክትላቐቕ' ከም ዝሰርሕ ተሓንዩ ኣሎ።

ንእንግሊዝ ሓዊሱ፡ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ድማ ድሮ፡ ካብ ዓመታዊ ባጀተን ናብ ጽላት ምክልኻል፡ ክብ ዝበለ ገንዘብ ክስልዓ ጀሚረን ኣለዋ።

ይስማምዑዶ ይዀኑ?

ዘለንስኪ፡ ዕዉትነት ናይቲ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ብመንግስቱ ብወግዒ ዝተደገፈ ስምምዕ ማዕድናት፡ ኣብ ውጽኢት ናይቲ ኣብዚ ሰሙን ምስ ትራምፕ ዝገብርዎ ርክብ ዝምርኰስ ምዃኑ ገሊጹ።

ቁልፊ ዝርዝራት ዛጊት ንህዝቢ ኣይተገልጸን፣ እንተዀነ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ዩክረይን ደኒስ ሽሚሃል፡ ዳግመ ህንጸት ዩክረይን "ወፍሪ" ክህሉ ከም ዝሓስብ ገሊጹ።

እዚ ወፍሪ ማዕድናት፡ ንመጀመርታ ግዜ ብዘለንስኪ ዝሓለፈ ዓመት ዝቐረበ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ንዩክረይ ምድጋፋ ክትቅጽል ጭቡጥ ምኽንያት ንምቕራብ ዝሕግዝ መንገዲ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ መንጎ ትራምፕን ዘለንስኪን ዝነበረ ወጥሪ ኣጋዲድዎ።

ፕረዚደንት ዩክረይን፡ 500 ቢልዮን ዶላር ዝግመት፡ ማዕድናዊ ሃብቲ ንምርካብ ካብ ኣመሪካ ዝቐረበ ሕቶ ነጺግዎ ዝነበረ ኰይኑ፡ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ግን ሕጂ እዚ ጠለብ ከም ዝተቛረጸ ይሕብሩ።

እንተዀነ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስምምዕ ብኸመይ ይገልጽዎ ከም ዘለዉ ፍልልያት ኣሎ።

ዘለንስኪ ኣብ ክንድኡ ተወሳኺ ውዕላት ክግበር ተስፋ ዝገብር "ማዕቀብ ስምምዕ" ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ።

ትራምፕ፡ ክልተኦም መራሕቲ ኣብ ሓድሕዶም ተረርቲ ቃላት ድሕሪ ምልውዋጦም፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮላድሚር ዘለንስኪ ነቲ ስምምዕ ክፍርመሉ ትጽቢት ከም ዝገብር ገሊጹ እዩ።

ትራምፕ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ እኳ እንተ ዘየረጋገጸ፡ ዩክረይን ከም ኣምሳያ ናይቲ ስምምዕ "ናይ ምቅላስ መሰል" ከም እትረክብ ብሰሉስ ገሊጹ።

ቀረብ መሳርሒታትን ተተኰስትን ኣመሪካ ናብ ዩክረይን ክቕጽል ድዩ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ "ምናልባት ምስ ሩስያ ውዕል ሰላም ክሳዕ እንገብር። ውዕል ክንገብር ኣለና፣ እንተ ዘየሎ ክቕጽል እዩ፡" ኢሉ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኣብ ዩክረይን "ዓቃቢ ሰላም" ከም ዘድሊ ዝገለጸ ትራምፕ፡ "እዚ ግን ብዅሉ ቅቡል" ምስ ዝኸውን ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።

ድሕሪ`ቲ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንጠለባት ማዕድን ኣመሪካ ምንጻጉ፡ ትራምፕ ንዘለንስኪ፡ "ውልቀ-መላኺ" ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሲጹዎ ነይሩ።

ንሩስያ ሓዲጉ ድማ ዩክረይን ነቲ ኲናት ከም ዝጀመረቶ ወቒሱ።

ትራምፕ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ሞስኮ ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ሃገሩ ኣምሳያ ዝሃበቶ ወተሃደራውን ካልእ ሓገዛትን፡ ማዕድናት ዩክረይን ክትረክብ ከም ዝግብኣ እዩ ክጕስጕስ ጸኒሑ።

ዘለንዝኪ፡ ክንዲ`ቲ ዝበሃል ሓገዛ ካብ ኣመሪካ ከም ዘይተዋህበ ብምምጓት፡ "ንሃገርና ክሸጣ ኣይክእልን እየ፡" ኢሉ።

ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንዩክረይን ካብ 300 ክሳብ 350 ቢልዮን ዶላር ከም ዝሃበታ ብሰሉስ ገሊጹ።

"እቲ ገንዘብ ክንመልሶ ንደሊ ኢና፡" ኢሉ። "ነታ ሃገር ኣብ ጸገማ ንሕግዛ ኣለና። እንተዀነ ሕጂ፡ ከፈልቲ ግብሪ ኣመሪካውያን ገንዘቦም ክምለሰሎም ኣለዎ፡" ይውስኽ።

ዩክረይን ዘለዋ ማዕድናት እንታይ እዩ?

ዓለምና ካብ እትውንኖ "ፍሉይ ማዕድናት" እቲ ኣስታት 5 ሚእታዊት ኣብ ዩክረይን ይርከብ።

ንኣብነት፤19 ሚልዮን ቶን ዝተረጋገጸ ዕቝር ግራፋይት ኣለዋ። እዚ ድማ ነተን ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ንመስርሒ ባትሪአን ይውዕል።

ኣብ መላእ ኤውሮጳ ካብ ዝርከብ ዕቝር ሊትዮም ሲሶ ኣብ ዩክረይን ይርከብ። ኣብዚ ሎሚ እንጥቀመሉ ዘለና ባትሪታት ድማ ወሳኒ ባእታ እዩ።

ምሉእ ወራር ሩስያ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ነቲ ኣብ ምስራሕ ነፈርትን ሓይሊ ኤለክትሪክን ዝውዕል ብዙሕ ዝጥቕሙ ታይታንየም፡ 7 ሚእታዊት ካብ ዩክረይን ዝተረኽበ እዩ ነይሩ።

ብዘይካ`ዚ፡ መሬት ዩክረይን ብዝተፈላለዩ ካልኦት ማዕድናት ሃብታም ኰይኑ፡ ንመስርሕ ኣጽዋር፡ ብንፋስ ዝድፋእ መመንጨዊ ጸዓት፡ ኤለክትሮኒክስን ካልእን ዝውዕል ሃብቲ ዝዓቘረት ሃገር እያ።

ብመሰረት ምኒስተር ቍጠባ ዩክረይን ዩልያ ስቪሪደልኮ፡ 350 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ጸጋታታ ኣብ ትሕቲ ብሩስያ ዝተጐብጠ ግዝኣታት ይርከብ።

ስግኣታት

ገለ ካብቲ ዕቑር ማዕድናት ዝርከበሉ ግዝኣት ዩክረይን ብሩስያ ተታሒዙ ኣሎ።

ብመሰረት ምኒስተር ቍጠባ ዩክረይን ዩልያ ስቪሪደንኮ፡ 350 ቢልዮን ዶላር (277 ቢልዮን ፓውንድ) ዝግመት ሃብቲ ሎሚ እውን ኣብ ዝተጐበጠ ግዝኣታት ይቕጽል ኣሎ።

ርብዒ ስፍሓት መሬት ዩክረይን ነተጉቲ ዝተተኽሎ ኰይኑ፡ ብቐንዱ ኣብቲ ብዂናት ዝተሃስየ ምብራቕ እታ ሃገር ዝተዋህለለ ምዃኑ ይግመት።

ፑቲን፡ ካብ ብሩስያ ዝተጐበጠት ዩክረይን ሓዊሱ ንኣመሪካ ክቡር ማዕድናት ክትረክብ ክፉት ምዃኑ ገሊጹ።