እስራኤል ኣብ ሆስፒታል ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ 5 ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም 20 ሰባት ተቐቲሎም

ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐትሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA, AP, Reuters

እስራኤል ኣብ ከሃን ዩኒስ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ናስር ብዘካየደቶ ካልኣይ መጥቃዕቲ፡ ንዓለምለኻዊ ሚድያ ዝሰርሑ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም 20 ሰባት ተቐቲሎም።

እቶም ጋዜጠኛታት ንሮይተርስ፡ ኤፒ፡ ኣልጀዚራን ዘ ሚድል ኢስት ኣይን ዝሰርሑ ምዃኖም እተን ማዕከናት ዜና ኣፍሊጠን።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ጥዕና ከም ዝተቐተሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ዝተዘርግሐ ቪድዮታት፡ በቲ ፈላማይ መጥቃዕቲ ዒላማ ንዝዀኑ ንምርዳእ ናብቲ ሆስፒታል ዘምርሑ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ተኸታቲሉ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግዳያት ክዀኑ የርኢ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ነዚ ክስተት 'ዘሕዝን ስሕተት" ብምባል፡ ወተሃደራዊ ሰብመዚ "ዓሚቝ ምርመራ" የካይዱ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።

እዞም ሕጂ ኣጋጢሞም ዘለዉ ሓደስቲ ቅትለታት፡ ኲናት ቓዛ ካብ ዝውላዕ ካብ 2023 ኣትሒዙ ብእስራኤል ናይ ዝተቐተሉ ጋዜጠኛታት ናብ ኣስታት 200 ኣበሪኽዎ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ናጽነት ፕረስ ንኽሕሎ ዝቃለስ ኮሚቴ ድሕነት ጋዜጠኛታት - ሲፒጄ፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ኲናት ኣብ ታሪኽ ካብ ዝተሰነዱ ግጭታት ዝያዳ ንጋዜጠኛታት ኣዝዩ ቀዛፊ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣብ ቓዛ ከም ዝተቐተሉ ዝሓበረ ሲፒጄ፡ እዚ ድማ ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ዝተቐተሉ ጋዜጠኛታት ዝዛየደ ከም ዝዀነ ኣፍሊጡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኲናት ቓዛ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ዓለምለኻውያን ጋዜጠኛታት ብገዛእ ርእሶም ናብ ወሽመጥ ቓዛ ከይኣትዉ ብእስራኤል ከም ዝተኸልከሉ ይፍለጥ።

ገለ ጋዜጠኛታት ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ምቍጽጻር ሰራዊት እስራኤል ኰይኖም ናብ ቓዛ ክኣትዉ ተፈቒዱሎም እዩ። በዚ ድማ ዓለምለኻውያን ማዕከናት ዜና፡ ንዝበዝሕ ጸብጻባተን ኣብ ከባብያውያን ሪፖርተራት ዝተመርኰሳ እየን።

ብሰኑይ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ነቲ ፈለማ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ዝዓበየ ሆስፒታል ደው ዝበለ ዶክተር ብደም ዝጠልቀዩ ክዳውንቲ ሒዙ ንጋዜጠኛታት ከርኢ ይርአ።

ኣብዚ ህሞት ሃንደበት፡መሳዅቲ ክሕምሸሹ ዝገበረ ነትጕ ኣብ ዝተሰምዓሉ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበሩ ሰባት ውሑስ ቦታ ንምርካብ ተጓይዮም። በቲ ነትጕ ዝተጐድአ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ መሬት እናንፍሓዀ ካብቲ ቦታ መጥቃዕቲ ክወጽእ ክፍትን ይርአ።

ካልእ ብተለቪዥን ኣል-ግሃድ ብቐጥታ ዝተፈነወ ዘስካሕክሕ ቪድዮ ድማ፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት በቲ ፈላማይ መጥቃዕቲ ኣብ ቀዳማይ ደብሪ ሆስፒታል ናስር ንዝተጐድኡ ግዳያት ክረድኡን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ድማ ነቲ ህሞት ክቐርጹን የርኢ።

ጋዜጠኛታት ኵሉ ግዜ ምስልታት ከሃን ዩኒስ ንምቕራጽ ዝጥቀምሉ መደያይቦ ድማ ኣብቲ ቪድዮ ብንጹር ይረአ።

ኣብዚ ህሞት፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤትን ጋዜጠኛታትን ብቐጥታ ዒላማ ዝገበረ ካልኣይ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ነቲ ነትጕ ስዒቡ ትክን ዕምብረ ዶሮናን ናብ ሰማይ ክዓጕግ ተራእዩ። ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ሬሳ ሓደ ዝተቐተለ ሰብ ኣብቲ ቪድዮ ብንጹር ተራእዩ።

ሮይተርስ፡ በዓል ሞያ ካሜራኡ ሑሳም ኣልማስሪ፡ ካብ መንጐ እቶም ዝተቐተሉ ከም ዝዀኑ ኣፍሊጡ። እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ናሕሲ ኰይኑ ቀጥታ ፈነወ ኣብ ዘመሓላልፈሉ እዋን እዩ ተቐቲሉ። ኣብ ልዕሊኡ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድማ እቲ ቀረጻ ተቛሪጹ።

ካልእ በዓል ሞያ ስእሊ ሮይተርስ ሓትም ኻልድ'ውን ኣብቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ከም ዝተጐድአ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።

ሮይተርስ በዚ ክስተት ኣዝዩ ከም ዝሰንበደን ከም ዝሓዘነን ብምግላጽ፡ "ብህጹጽ ተወሳኺ ሓበሬታ" ከም ዝደሊ ሓቢሩ።

ኣሶሸይትድ ፕረስ ብወገኑ፡ ማሪያም ዳጋ ዝተበሃለት ጋዜጠኛኡ ከም ዝተቐተለት ኣፍሊጡ።

እቲ ማዕከን ዜና ብቅትለት ጓል 33 ዓመት ጋዜጠኛኡ "ከም ዝሰንበደን ከም ዝሓዘነን" ኣፍሊጡ።

ጋዜጠኛታት ኣልጀዚራ መሓመድ ሰላማ፣ ግዝያዊ ሰራሕተኛ ሚድል ኢስት ኣይ ኣሕመድ ኣቡ ዓዚዝን በዓልሞያ ስእሊ ሞዓዝ ኣቡ ጣሃን'ውን ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሎም ኣለዉ።