ሱዳናውያን ብሰንኪ ምህማም መሬት ንዝተቐበሩ ግዳያት ንምድሓን ኵዕታ ጀሚሮም

ኣብ ሱዳን ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ዝርከቡ ነበርቲ ብሰንበት ድሕሪ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ምህማስ መሬት ንዝተቐብሩ ግዳያት ንምብጻሕ ብኢዶም ኩዕታ ከምዝጀመሩ ትካል ረድኤት ሴቭ ዘ ቺልድረን ገሊጹ።

"መሳርሒ ይኹን ማሽነሪ ስለዘየለ፡ ሰባት ሬሳ ኣዝማዶም ንምድሓን ብኢዶም ይኹዕቱ ኣለዉ" ይብል ኣብ ሱዳን ምክትል ዳይረክተር ሴቭ ዘ ቺልድረን ፍራንቸስኮ ላኒኖ።

ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ንጹር'ኳ እንተዘይኮነ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዝተረኸበ ሓበሬታ ግን ዛጊት ናይ ክልተ ሰባት ኣስከሬን ከምዝተረኸበ ይገልጽ።

ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ብግዴኡ ብዝሒ ግዳያት እቲ ሓደጋ ክሳዕ ሓደ ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ሴቭ ዘ ቺልድረን ድማ ንስቪልያውን ሰብ መዚ ብምጥቃስ ብውሕዱ 373 ሬሳታት ከምዝተረኸበ ኣፍሊጡ።

ሚስተር ላኒኖ "ብግምት 200 ህጻናት ዝርከብዎም ህይወት ሓደ ሽሕ ክጠፍእ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ሰራሕተኛታት ሴቭ ዘ ቺልድረን ድሕሪ እቲ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ዝተፈጥረ ምህማስ መሬት ዝተራእየ ዕንወታት ኣብሪሆም።

ሚስተር ላኒኖ፡ ኣብቲ ቦታ ተዋፊሮም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል፡ እቲ ምህማም መሬት "ኣብ ታሪኽ እቲ ዞባ ካብ ዘጋጠሙ ኣዝዮም ዘሕዝኑን ሰፊሕን ሓደጋታት ሓደ" ምዃኑ ከምዝኣምኑ ገሊጹ።

ወሲኹ ድማ ኣብቲ ብሓሙሽተ ዓድታት ዝቖመትን ኣመና ዝተሃሰየትን ቁሸት ታርሲን ሓደ ዝፍለጥ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ ጥራይ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ጽልዋ ናይቲ ሓደጋ ብሰንኪ ራሕቒ ናይቲ ከባቢ ብናጻን ዘይሻራውን ኣካል ንምርግጋፅ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

ይኹን እምበር ብትንተና ምስሊ ሳተላይት ቢቢሲ ቨሪፋይ በቲ ሓደጋ ዝደፍና ትሽዓተ ህንጻታትን ዓንድታትን ከለሊ ክኢሉ።

ሰራሕተኛታት ረድኤት ሴቭ ዘ ቺልድረን ካብ ቤት ጽሕፈቶም ናብቲ ዝተጎድአ ከባቢ ንምስጋር ልዕሊ ሽዱሽተ ሰዓታት ወሲዱሎም።

ሰራሕተኛታት ረድኤት ናብቶም ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ንምብጻሕ ብኣድጊ ተጓዒዞም ነይሮም።

ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ'ውን ንጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ዝያዳ በዳሂ ከምዝገበሮ ካልእ ናይ ረድኤት ትካል ዎርልድ ቪዥን ገሊጹ።

ካብቲ ምህማም መሬት ብተወሳኺ ሱዳን ኣብ መንጎ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዒን ሰራዊት እታ ሃገርን ብዝተፈጥረ ውግእ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ዝፍለጥ'ዩ።

ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ዝምልከት ንጹር ሓበሬታ የለን። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ በዓል ስልጣን ኣመሪካ እቲ ኵናት ካብ ዝተጀመረሉ 2023 ጀሚሩ ኣስታት 150 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣሚቱ።

ዓሰርተ ክልተ ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ይርከቡ።