እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ብዛዕባ ሕቶ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ እንታይ ኢሉ?
ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፡ ብቐዳም ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ገይሩ ናብ ሃገሩ ከም ዝተመልሰ ይዝከር።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ እንከሎ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ድሙቕ ኣቀባብላ ክግበረሉ ተራእዩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልትኣውን ዞባውን ጕዳያት ከም ዝተዘራረቡ ድማ ተገሊጹ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ፈረንሳ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምሕዳስን ጥንታዊ ኣብያተ ክርስቲያናት ላሊበላ ጽገና ንክግበረሎምን ንዝገበረቶ ሓገዝ ንኢዱ።
እዚ ኤጀንሲ ልምዓት መንግስቲ ፈረንሳ ብዝገበሮ ሓገዝ 25 ሚልዮን ዩሮ ዝተሃነጸ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ቀረባ ንህዝቢ ክፉት ከም ዝኸውን ትጽቢት ይግበር።
ኣብዚ ሕዳሰ ፈረንሳውያን ሰብ ሞያ ስነ-ህንጻትን ካልኦትን ከም ዝተሳተፉ ተገሊጹ።
ብዛዕባ ኣፍ ደገ ባሕሪ እንታይ ተባሂሉ?
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ካልኦት መድረኻትን ኣብ ዘስምዖም ዘረባታት፡ ጕዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ብተደጋጋሚ ከልዕል ተራእዩ ኣሎ።
ንሱ፡ ብዝሒ ህዝብን ቁጠባን እታ ሃገር እናዓበየ ይመጽእ ብምህላው፡ ናይ ግድን ኣፍ ደገ ባሕሪ ክትረክብ ኣለዋ ዝብል መርገጺ ከም ዘለዎ ክዛረብ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ኣባላት ባይቶ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሕቶ ኣፍደገ ቀይሕባሕሪ 'ምኽኑይን ፍትሓውን' ምዃኑ ኣቢይ ደጊሙ ኣረጋጊጹ ነይሩ።
"ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ነቕ ዘይብል ሃገራዊ ረብሓ [ሕቶ] ኣለዋ፤ ናብ ቀይሕ ባሕሪ መውጽኢ ሰላማዊ መንገዲ ከም ዘድልያ ጻውዒት ዓለም ትሰምዕ እያ ዘላ። ኣብዚ ጕዳይ ንዋዘ ዘለና መሲሉ ዝስመዖ ወይ ድማ ዕሽሽ እንብሎ ዝመስሎ እንተሎ ጌጋ እዩ" ብምባል መሊሱ መርገጺ መንግስቱ ኣስሚሩሉ።
ነዚ ድልየት ንምዕዋት ይሕግዝ'ዩ ዝበሎ ድማ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2024 ዓ.ም ምስታ ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሶማልያ ተነጺላ ርእሰ ምሕደርኣ ዝኣወጀት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፡ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ዝዓለመ'ዩ ዝተባህለ ሰነድ ስምምዕ ፈሪማ ከም ዝነበረት ይዝከር።
እዚ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘይምርድዳእ ዘስዓበ ስምምዕ ምስ ተፈረመ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ኣይውዓለን።
ሶማልያ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ጥርዓን ካብ ምቕራባ ብተወሳኺ፡ ምስታ ብሰንኪ ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክትዕ እትርከብ ግብጺ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምግባር ኣብ ዘኽእላ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሓ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት እናገደደ ከይዱ።
እዚ ምትፍናን፡ ኣብ መፋርቕ እዚ ወርሒ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ድሕሪ ዝገበሮ ሽምግልና፡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣንካራ ብኣካል ብምርኻብ ምኽንያት እቲ ወጥሪ ኣብ ዝዀኑ ዛዕባታት ብሰላማውን ብምትሕብባርን ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑ ይዝከር።
ብቐዳም፡ ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝሃቦ ሓበራዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዋ ድልየት ደጊሙ ብምልዓል፡ ከም ፈረንሳ ዝበላ መሓዙት ሃገራት ብምጥቃም ብሰላማዊን ዲፕሎማሲያውን መገዲ ኣፍ ደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ክትሰርሕ እያ ኢሉ።
ፕረዚደንት ማክሮን ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብምዝርራብን ዓለምለኻዊ ሕጋጋት መሰረት ብምግባርን ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ጻዕሪ ከም ዝሕግዝ ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ሉእላውነት ጐረባብቲ ሃገራት ብምኽባር ዝግበር ጻዕሪ ከም ዝድግፍ ኣመልኪቱ።
ብመንጐኝነት ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን ኣብ ቱርኪ ዝተራኸቡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን'ውን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት 'ንሓድሕዶም ልኡላዊ ግዝኣታቶም ብምክብባር' ዘለዎም ጸገማት ንኽፈትሑ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጾም ነይሮም።
ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ኣብ ርእሰ ከተማ ኣንካራ ብኣካል ዝተራኸብሉ ዝርርብ "ታሪኻዊ ስምምዕ" ኢሉዎ።
ብመሰረት ኣብ መንጐ ኣብይ ኣሕመድን ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ዝተበጽሐ ሰምምዕ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝመጽእ ለካቲት 'ቴክኒካዊ ዝርርብ' ክገብሩ እዮም።
ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከኣ ኢትዮጵያ ንልኡላውነት ሶማልያ ብዘኽብር ኣገባብ ተጠቃምነት ወደብ ንኽትረክብ "ንክልተኣዊ ረብሓታት ዘማእከለ ንግዳዊ ምትዕርራይ" ክገብሩ ከም ዝዀኑ ተፈሊጡ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብወገኑ፡ ኣብ ኣንካራ ዝተበጽሐ ስምምዕ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ፍልልይ ደው ዘብል'ዩ ብምባል "ምስ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ድልዋት" ከም ዝዀኑ ኣመልኪቱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ፡ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ቀዳምነት ከምዝህቦ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
እዚ ኵነታት'ዚ ከኣ፡ ኣብ ሶማልያ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ግብጽን ኢትዮጵያን ግጭት ከይፍጠር ዘስግእ ሓድሽ ወጥሪ ፈጢሩ ነይሩ።
እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዙሕ ጽልዋ ዘይጸንሓ ግብጺ ብመገዲ ሶማልያ ኣቢላ ኣጽዋራታን ሰራዊታን ሒዛ ኣብ ኣፍደገ ኢትዮጵያ መጺኣ።
ኤርትራ፡ ሶማልያን ግብጽን'ውን ኣብ ኣስመራ ብቕልውላው ሱዳን፡ ሶማልያን ጸጥታዊ ኵነታት ቀይሕ ባሕርን ባብ-ኤልመንደብን "ዓሚቚ ምይይጥ" ኣካይዶም ኣብ ስሉሳዊ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ኣዊጆም።
ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ፖለቲካዊ ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።