ዶብ፡ ዓሌት፡ እምነት ከይዓገቶ ኣብ ቃልሲ ደቡብ ሱዳንን ፍልስጤምን ዝተሰለፈ ኢትዮጵያዊ ዶክተር

"ሰብኣውነት ክንብል እንከለና፡ ካብ ርእሰ ፍትወት ነጻ ኰይኑ ንኻልኦት ዝነብር ማለት እዩ" ዝብል እምነቱ ቀጻሊ መለለይኡ እዩ።

እዚ መትከል እዚ ኣብ ንእስነቱ ካብ ሃገሩ ሓሊፉ ንኻልኦት ህዝብታት ጸረ-ጭቆና ንኽቃለስ ደሪኽዎ።

ብተወሳኺ ኣብ ጐድኒ እቶም ንናጽነቶም ዝተቓለሱ ደቡብ ሱዳናውያንን ከምኡ'ውን ምስቶም ምሉእ ዕድመኦም ኣብ ቃልሲ ዘሕልፉ ዘለዉ ፍልስጤማውያንን ደው ክብል ገይርዎ።

ዶክተር ሰይፈ ታደለ ይበሃል።

በቶም ንዓለምለኸ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተወፈዩ ከም በዓል ቼ ጉቬራ ተጸልዩ እንተዀይኑ ቢቢሲ ሓቲትዎ።

"ኣነ ቼ ጉቬራ ክኸውን ኢለ ኣይፈልጥን፣ ቼ ጉቬራ ክኸውን'ውን ሕልሚ ኣይነበረንን" ይብል።

ኣብ ክንድኡ፡ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣብ ሃገሩ ዝረኣዮ ድኽነትን ሕሰምን፡ ብዅሉ መልክዕ ጭቆና ንኽቃለስ ከምዝደረኾ ይዛረብ።

እዋን ድንግርግር

ዶክተር ሰይፈ "ኣብ 1980ታት ዝወሰድክዎም ኣሳእል ክዕዘብ ከለኹ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ኵነታት፡ ቍጠባዊ ህውከት፡ ማሕበራዊ ቅልውላው፡ ዓሚቝ ድኽነት፡ ፖለቲካዊ ወጥሪ፡ ቀጻሊ ጭቆናን ዘስካሕክሕ ህይወትን ይገርመኒ" ይብል።

ነዚ ግዜ ድማ "እዋን ድንግርግር" ክብል ይገልጾ። እዚ ድማ ገና ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ናብ ናይ ቃልሲ ዓለም ክጽንበር ደሪኽዎ ይኸውን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ቅድሚ ምውዳቑ ሓደ ዓመት፡ ፊት በር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ተወሊዱ። ንእስነቱ ኣብቲ ሕጂ ፍሬንድሺፕ ፓርክ ዝርከበሉ ፊት ንፊት ሆቴል ሸራተን እዩ ኣሕሊፉ።

ዝበዝሐ ግዜ ንእስነቱ ኣብ ዘመነ ደርጊ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኣሰቃቒ ሽግራት እናተዓዘበ ከም ዝዓበየ ይዝክር።

"ህይወት ስድራና ካብ ጽቡቕ ናብራ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ኣብ ዝወረደሉ፡ ህይወትና ዑና ኣብ ዝዀነሉ እዋን ኢና ነይርና። ኣነ ኣብ ዝኸፍአ ድኽነት፣ ሰባት ኣብ ናይ መወዳእታ ኩርናዕ ህይወት ዝነብሩሉ ከባቢ እየ ዝነብር ነይረ።"

"ኣብ ገዛና ዝረኣኹዎ ኵነታት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ጥሜት ዝዝረበሉ እዋን እዩ ነይሩ፤ ብዙሓት ሰባት ካብ ገጠር ናብ ከተማታት ይስደዱ ነይሮም። ሩዝ ከም መግቢ ዝዕደለሉ ዝነበረ እዋን'ዩ፡" ይብል።

እቲ ኣዝዩ መሰረታዊ ኣቑሑት ከይተረፈ ቅንጦት ዝዀነሉ፡ ክርቢትን ሳሙናን ከይተረፈ "ብቀበሌ ዝዕደለሉ ዝነበረ እዋን" ከምዝነበረ ይዛረብ።

"ባኒ ብውሱን እዩ ዝወሃብ ነይሩ፣ ብሪጋ እዩ ዝርከብ፣ ጸባ ጭራሽ ኣይሕሰብን።"

ኪኖ እቲ ድኽነት፡ ስፍሓትን ዕምቈትን እቲ ጭቆና እውን እፎይታ ዝፈጥር ኣይነበረን።

"እቲ ወጽዓን ድኽነትን ንነፍሰይ የጨንቓ ነይሩ። እዚ ንወዲ ሰብ ዝግብኦ መነባብሮ ኣይነበረን። ዝሓሸ ናብራ ንዝብሎ ፍልጠትን ንጽጽርን እኳ እንተዘይብለይ፡ ከምዚ ዝበለ ጽዩፍ ህይወት ንማንም ካባና ጽቡቕ ከምዘይኰነ ኣብ መደምደምታ በጺሐ። እዚ ባህርያዊ ስምዒት ጸረ-ወጽዓ እዩ" ይብል።

ፖለቲካዊ ተሳትፎ ንእስነት፡ ማእሰርትን ስቓይን

እቲ ዶክተር ከምዝብሎ፡ ደርጊ ክፈርስ ዝጀመረ ኣብ ከባቢ 1979 እዩ። "ሃገርና ክንቅይር ኢና" ዝብል እምነት ዝነበሮም ኣባላት ኢህኣፓን መኢሶንን ብደርጊ ተኣሲሮም ወይ ተቐቲሎም፡ ወይ'ውን ብኻልእ መንገዲ ካብ ሃገር ተሰዲዶም ብሓፈሻ ዝተደምሰሱሉ፡ ህዝቢ ኣብ ዘይዕግበት ዝነበረሉ እዋን እዩ ነይሩ።"

ኣብዚ እዋን እዚ ዶክተር ሰይፈ ኣብ መበል 16 ዓመት ዕድመኡ ናብ 'ኢህዲህ' (Ethiopian People's Democratic Union) ተጸንቢሩ።

"ብዘይፈለጥኩዎ፡ ዶክተር ሃይማኖት ብእትበሃል ሰብ እየ ተመልሚለ። ኣባላት እቲ ውድብ ኣብ ከባቢ ሳር ቤት ከይደ ረኺበዮም፣ መጽሓፍቲ ሂቦምኒ። ብድሕሪኡ ግን ብስሩዕ ክንራኸብ ጀሚርና። ኣብቲ እዋን'ቲ 8ይ ወይ 9ይ ክፍሊ እየ ነይረ" ይብል።

ንሳቶም ገና ቈልዑ እኳ እንተነበሩ፡ እቶም መልመልቶም ግን ንተልእኾ ከም ዘዳልዉዎም ይዝክር።

"እቲ ቀንዲ ብድሕሪ'ዚ ውዳበ ዝነበሩ ሰባት ካብ ትግራይን ኤርትራን ክዀኑ ይኽእሉ እዮም" ይብል ዶክተር ሰይፈ።

እቲ ዝተወሃቦም ተልእኾ ድማ ካብ እንዳ ሓደ በዓል ስልጣን ጸጥታ ደርጊ ሓበሬታ ዝሓዘ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ምውጻእ'ዩ ነይሩ።

ንሱን መሓዙቱን ነዚ ተልእኾ ብዓወት ፈጺሞምዎ፣ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ድማ ተኸፊልዎም። እቲ ዶክተር "ቅድሚ ሕጂ ርኢናዮን ተቐቢሎናዮን ዘይንፈልጥ ገንዘብ" እዩ ነይሩ ይብል።

ንሱን ብጾቱን ነዚ ተልእኾ ድሕሪ ምፍጻሞም ብሰላም ዘሕለፍዎ ግዜ ሓጺር እዩ ነይሩ። ስርሖም ምስ ወድኡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ፡ ኣዳለውቲን ፈጸምትን እቲ ተልእኾ ብሓይልታት ጸጥታ ደርጊ ተጠርኒፎም ናብ ማእከላይ ተወሲዶም፣ ብድሕሪኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓለም በቃኝ ተደርብዮም።

ኣብኡ ድማ ብብዙሕ መከራን ጸበባን ዘሰነዮም ንኣርባዕተ ዓመታት ኣሕለፉ።

"እግርና ብሰንሰለት ተኣሲርና ኢና ንነብር ነይርና። ካራተ ስለዝኽእሉ ዘሊሎም ክጠፍኡ እዮም ተባሂልና ኢና ብሰንሰለት ተኣሲርና። ናብ ሽቓቕ ክንከይድ እንከለና ጥራይ እዮም ዝፈትሑና።"

ኣብ 16 ዓመት ዕድመኡ ናብ ፖለቲካ ክጽንበር መንገዲ ዝኸፈተትሉ ዶክተር ሃይማኖት፡ ድሕሪ ዓመታት ኣብቲ ብዓለም በቃኝ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ረኺብዋ። ብዛዕባ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ብህይወት ምውጻኣ ግን ዝፈልጦ ነገር የብሉን።

ብዙሓት ግን ከምዝተረሸኑ ሰሚዑ እዩ። ካብቶም ምስኣ ናብቲ ማእከል ዝኣተዉ ዕስራን ሸውዓተን መንእሰያት እቶም ዕስራን ሓደን ተቐቲሎም እዮም። ንሱ'ውን ንሞት ተፈሪዱ፤ መዓልቱ እናተጸበየ ግን ደርጊ ወዲቑ ክፍታሕ ክኢሉ።

ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ ደቡብ ሱዳን ምጽንባር

ዶክተር ሰይፉ ዓለምለኻዊ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ዝጀመረ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ እዩ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ፡ ኣብ ሓደ መሕረዲ ትካል ክሰርሕ ጀሚሩ። ምስ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ፕሮፌሰር መስፍን ወልደማርያም ተላልዩ።

ኣብዚ እዩ ዶክተር ሰይፈ ናብ ወጻኢ ሃገራት ብምኻድ ምስ ኣባላት ፈደረሽን ደሞክራስያውያን መንእሰያት ዓለም ክራኸብ ዕድል ረኺቡ። ነዚ ዕድል'ዚ ተጠቒሙ ናብ ፖርቱጋል ብምኻድ ኣብ ዋዕላ እቲ ውድብ ተሳቲፉ። ኣብኡ ድማ ኣባል ተቘጻጻሪ ኮሚሽን ናይቲ ትካል ኰይኑ ተመሪጹ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ ፖርቱጋል ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ንሱን መሳርሕቱን ኣብ ዓለማዊ ቃልሲ ጸረ-ጭቆና ምጽንባር ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም። ምስ ተጋደልቲ ሓርነት ደቡብ ሱዳን ብምጽንባር ድማ ቃልሶም ክጅምሩ ተሰማሚዖም።

"ኣነ፡ ሓደ ፈረንሳዊ፡ ሓንቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊትን ሓንቲ ህንዳዊትን ነዚ ሓሳብ ኣልዒልና፡ ምንቅስቓስ'ውን ጀሚርና። ቈጸራ ሒዝና ኣብ ናይሮቢ ኬንያ፡ ቤት ጽሕፈት መራሒ ግንባር ሓርነት ደቡብ ሱዳን ጆን ጋራንግ ናብ ዝርከበሉ ቦታ ከይድና። ውድብና ጸረ ሃጸያውያንን ኣኽረርትን ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ'ዩ" ይብል ዶክተር ሰይፈ።

ካብ ጆን ጋራንግ ፍቓድ ድሕሪ ምርካቦም፡ ፍርቂ መንገዲ ካብ ናይሮቢ ኬንያ ብናይ ጽዕነት መኪና፡ ገለ ክፋል መንገዲ ድማ ብፒክኣፕ ተጻዒኖም ናብቲ ካብ ርእሰ ከተማ ጁባ ወጻኢ 100 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ተጓዒዞም።

"ብኻልእ ወገን ግን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ጕጅለታት ናብ ደቡብ ሱዳን የቕንዑ ነይሮም። ኣብኡ ምስ በጻሕና ከም ተቓለስቲ ኢና ንነብር ነይርና" ይብል። ኣብኡ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ መጥቃዕቲ ኣየርን ውግእን የጋጥሞም ነይሩ።

ተራ እቲ ጕጅለ ኣብ ወተሃደራዊ ክንፊ ጐድኒ እቲ ሰራዊት ተሰሊፎም ምቅላስ ዘይኰነስ ኣካል ፖለቲካዊ ቃልሲ ምዃን እዩ ነይሩ። ቀንዲ ዕላማኦም ኣብ ህዝቢ ብዛዕባ ዕላማ እቲ ቃልሲ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓት ምፍጣር እዩ ነይሩ።

"እቲ ቃልሲ ንነዊሕ እዋን ስለዝቐጸለ ህዝቢ ኣዝዩ ተዳኺሙ ነይሩ።"

"ኣብ ዝኸድናዮ ዘልዕልዎ ጉዳይ መግቢ እዩ ነይሩ። ብዙሕ ግዜ 'መግቢ እምበር ፖለቲካ ኣይንደልን' ይብሉ ነይሮም። ብዙሕ ግዜ መግቢ ክንህቦም እዮም ዝጽበዩ ነይሮም" ብምባል ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኵነታት የዘንቱ።

ጉዳይ ምግንጻል ደቡብ ሱዳን "ድሌት ፖለቲከኛታት እዩ ነይሩ። ድሌት ህዝብን ፖለቲከኛታትን ዝተፈላለየ እዩ ነይሩ" ዝብል ዶክተር ሰይፈ፡ "መራሒ ምንቅስቓስ ሓርነት ደቡብ ሱዳን ጆን ጋራንግ ደጋፊ ምግንጻል ኣይነበረን፤ ድሌቱ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ነጻ ክኸውን፡ ባዕሉ ክመሓደር፡ ጸጋታቱ ብማዕረ ምስ ሰሜን ክጥቀምን ብሓባር ክነብሩን'ዩ ነይሩ። ድሌትና እውን እዚ እዩ ነይሩ" ክብል ይገልጽ።

ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተኻየደ ቃልሲ ከምቲ ንሳቶም ዝተመነይዎ ኣይሰመረን። እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ፡ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈን ሚልዮናት ዘመዛበለን ዕጥቃዊ ግጭት ኣብ 2011 እዩ ኣብቂዑ።

'ኣብ ፍልስጤም እምኒ ኣይደርበይኩን'

"ቀጺሉ ተሳትፎ ቃልስና ኣብ ራማላህ ፍልስጤም እዩ ነይሩ" ይብል ዶክተር ሰይፈ።

ናብቲ ግጭት ዘይፍለዮን ኣቓልቦ ዓለም ዝስሕብን ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ምግዓዝ ሓሳብ ኣብ ተመሳሳሊ ዓለማዊ ፈደረሽን መንእሰያት ከምዝተለዓለ ይዝክር።

ፍልስጤማውያን እውን ኣብ መሪሕነት እቲ ፈደረሽን ስለዝነበሩ፡ ዶክተር ሰይፈን ካልኦት መንእሰያትን ነቲ ዘይተረድኦም ቃልሲ፡ ከምኡ'ውን ጠንቂ ቅትለት ብዙሓት ዝዀነ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝነበረ ግጭት ምስ ኣረድእዎም፡ ነቲ ቃልሲ ንምድጋፍ ናብ ፍልስጤም ግዒዞም።

"ኣምላኽ እስራኤል ተባሂሉ ኣብ ዝጽለየላ ሃገር እኳ እንተዓበኹ፡ ፍልስጤም ኣዝዩ ውጹዕ ህዝቢ ምዃኑ ስለዝኣመንኩ፡ ኣብ ጎኖም ደው ኢለ ተቓሊሰ። ሓደ ሰብ ኣብ ከመይ ዝበለ ሃገር እዩ ክነብር ኢለ ይሓትት ነይረ። እዚ እዩ ንቃልሶም ክድግፍ ዝደረኸኒ። ብገንዘብ ዝደገፈኒ ሰብ ኣይነበረን፡ ገንዘበይ ኣዋህሊለ እየ ናብኡ ከይደ።"

ኣብ ጻንሖቱ "ክልተ ግዜ ኣብ ኢንቲፋዳ (ናዕቢ ፍልስጤም) ተሳቲፈ'የ። ናብ ጎደናታት ምስኦም ወጺአ እምኒ ክድርብዩ ከለዉ ምስኦም ነይረ፤ ዘንብዕ ጋዝ ክተኩሱሎም ከለዉ ምስኦም ነይረ" ይብል።

ምስቶም ዝተመደቡሎም ስድራቤታት እውን ገዛ ንገዛ እናዞረ ይዘራረብ ነይሩ።

"ኣብ ጻንሖተይ ንሸውዓተ ስድራቤታት በጺሐ። ምስቶም ዝተመደቡልና ስድራ ክሳብ ሰለስተ መዓልቲ ንጸንሕ ነይርና። እናዞርና ብዛዕባ እቲ ቃልሲ ንምህሮምን ሞራላዊ ደገፍ ንህቦምን ነይርና። ዓለም ንቃልሶም ብኸመይ ከም እትርእዮ እውን ንነግሮምን በይኖም ከምዘይኮኑ ድማ ነፍልጦምን ነይርና" ይብል ዶክተር ሰይፈ።

ዶብ፡ ዓሌት፡ ሕብሪ ከይዓገቶ ንውጹዓት ሰባት ድምጺ ብምዃን፡ ስቓዮም ብምክፋል፡ ብኣካል ኣብ ጐድኖም ደው ኢሉ እውን ሓድነቶም ብምርኣዩ ዕግበት ይስምዖ።

"ኣብ እዋን ስቓዮም ኣብ ጐኖም ደው ብምባል ሓላፍነተይ ፈጺመ እየ። ዋላ እንተ ሞትኩ ኣይጣዓስን እየ። ንደቂ ሰባት ከበርክት ኣለኒ ኢለ ካብ ቀደመይ እየ ዝኣምን" ይብል ዶክተር ሰይፈ።

ዶክተር ሰይፈ ታደለ ኪዳነ ኣብዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪካ ሓላፊ ማእከል መጽናዕቲ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ኰይኑ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት 6 መጻሕፍቲ ኣሕቲሙ እዩ።