'ኣውያት ንኣውያት ገይሮማ' - ሚሳይል ካብ ዝሃረማ ኣውቶቡስ ሰባት ዘድሓነ መንእሰይ

ብሰንበት፡ ክልተ ሚሳይላት ሩስያ ናብ ከተማ ሱሚ ዩክረይን ኣብ ዝሃረመሉ እዋን፡ ወዲ 13 ዓመት ኪሪሎ ኢልያሸንኮ ምስ ኣደኡ ኣብ ኣውቶቡስ ተሰቒሉ ነይሩ።

"ስብርባር ነገራት ምውዳቕ ጀሚሩ" ዝበለ እቲ መንእሰይ፡ ብድሕሪኡ ኣውያትን ድምጺ ጨርባሕባሕ ብርጭቆን ከምዝሰምዐ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቪድዮ ቃለ መሕትት ይዛረብ።

ጨና ንዳድ ነገር ከም ዝሸተቶ ዝገልጽ ካይሪሎ፡ ማዕጾ እታ መኪና ተዓጽዩ ከም ዝነበረ ስለ ዝተረድኦ፡ ብመስኮት ወጺኡ፡ ነቲ ማዕጾ ካብ ደገ ክኸፍቶ ከም ዝኸኣለን፡ እቶም ኣብ ነውጺ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ክሃድሙ ከም ዘኽኣሎምን ይዛረብ።

"ኣብ ስንባደ ስለዝነበሩ ዳርጋ የእውዩ ነይሮም። ገጽ ኣደይ ብደም ተሓጺቡ ስለዝረኣኹ ፈሪሐላ" ኢሉ።

ሰብመዚ ዩክረይን በቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 35 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጾም። እዚ ኣብ ሒደት ደቓይቕ ፍልልይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሰባት ንክርስትያናዊ በዓል ሆሳእና ከብዕሉ ኣብ ዝወጹሉ እዋን እዩ።

ካይሪሎ ዋላ'ኳ ዝከኣሎ ጻዕሪ እንተገበረ ብዙሓት ካብቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ኣብታ ኣውቶቡስ ከምዝሞቱን መራሒ እታ ኣውቶቡስ'ውን ካብቶም ዝሞቱ ሓደ ከምዝዀነ ኩባንያ መጓዓዝያ ኤሌክትሮኣቭቶ ትራንስ ይሕብር።

ካይሪሎ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰደን ሓካይም ካብ ርእሱ ሓደ ፍንጫል ከምዘውጽኡን፡ ካልኦት ክልተ ግን ከውጽኡ ከምዘይከኣሉን ግዝያዊ ከንቲባ እታ ከተማ ኣርተም ኮብዛር ገሊጹ።

እዚ መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር ኣብ ልዕሊ እታ ሰሜናዊት ምብራቕ ከተማ ዝተኻየደ ዝኸበደ መጥቃዕቲ እዩ።

ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሰባት ይንቀሳቐሱ ኣለዉ፣ ኣስማት ምዉታት ክፍለጥ ጀሚሩ ኣሎ። ካብኣቶም ስነጥበባውያን፡ ጠበቓታት፡ ተምሃሮ ሕክምና፡ ሓደ ሙዚቀኛን መምህር ቤት ትምህርትን ይርከብዎም።

ኦሌና ኮሁት ዝተባህለት ተጻዋቲት ኦርጋንን ኣባል ኦርኬስትራን ሓንቲ ካብቶም ዝተቐትሉ እያ።

ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ትያትር ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ጽውጽዋይ ልእልቲን ጓሳ ሓሰማን ዝተመርኮሰ ንህጻናት ዝኸውን ተዋስኦ ንምርኢት መድረኽ ተዳልዩ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚሳይል ናሕሲ እቲ ህንጻ ወቒዑ፣ እቲ ምድሪ ቤት ብፍርስራስ ከምዝተሸፈነ ኣሳእል የርእዩ።

ብሰንበት ኣብታ ናብ ዶብ ሩስያ ዝቐረበት ከተማ ዝተፈጸመ ድርብ መጥቃዕቲ፡ ሰፊሕ ዓለምለኻዊ ውግዘት ኣጋጢምዎ ኣሎ። ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ "ከምዚ ዓይነት ነገር ክገብር ዝኽእል ምሉእ ብምሉእ ዝተበላሸወ ርእሲ ጥራይ እዩ፡" ኢሉ።

ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ሚሳይላት ኣብ ሱሚ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ወተሃደራዊ መኮንናት ዩክረይን ዕላማ ዝገበረ ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ ሰራዊታ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከምዝገበረ ንዝገልጹ ጸብጻባት ነጺግዎ።

ዋላ'ኳ ውዑይ ኵነታት ኣየር እንተሃለወ፡ ነበርቲ እታ ከተማ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ስንባደ ንደገ ንምውጻእ ስግኣት ከምዘለዎም ነባሪ እቲ ከባቢ ኦሌክሲ ሳክኖ ንቢቢሲ ዩክረይን ገሊጹ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብታ ከተማ 50 ኣባይቲ ጉድኣት ወሪድዎም።

ፕረዚደንት ዘለንስኪን ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን ኣብ ዞባ ሱሚ ሓዊሱ ኣብ ገለ ክፋል ምብራቓዊ ዩክረይን ሓድሽ መጥቃዕቲ ሩስያ ከምዝካየድ ከጠንቅቑ ጸኒሖም እዮም።

ሕጂ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብታ ከተማ ንምውጻእ ግዜኡ ድዩ ኣይኮነን፣ ይዘራረቡ ኣለዉ። ጸብጻባት ዜና ከም ዝሕብርዎ፡ ገለ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክወጹ ጀሚሮም ኣለዉ።