ቀይሕ ባሕሪ፡ ፍሉያት ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ንዒላማታት ሑቲ ደብዲበን

ኣመሪካ ኣብ የመን ኣብ ሓሙሽተ ትሕተ ባይታዊ መኽዘን ኣጽዋር ሑቲ ዕዉት መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ገሊጻ።

ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብቲ ስርሒት ቢ2 (B-2) ዝተብሃላ ፍሉያት ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ከምዝተሳተፋን ኣብ ትሕቲ ባይታ ዝተደኰነ መኽዘን ኣጽዋርን ሚሳይልን ሑቲ ከምዝደብደባን ገሊጹ።

እቲ ጸሓፊ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኣመሪካ ክትረኽቦን ክትበጽሖን ኣይትኽእልን’ያ ኢሎም ኣብ ዝሓሰብዎ ቦታታት እንከይተረፈ እቲ ደብዳብ ከምዝተፈጸመ ኣብሪሁ።

እዘን ቢ2 ዝብሃላ ዓይነት ነፈርቲ ውግእ ክሳብ ኒዩለራዊ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ዓቕሚ ዘለወን ኮይነን ሓንሳብ ነዳዲ ምስ መልኣ ክሳብ 9600 ኪሎሜተር ክጉዓዛ ይኽእላ።

ብዘይካ’ዚ እዘን ብኣመሪካ ዝውነና ነፈርቲ ውግእ ካብ ጽፍሒ መሬት ኣዝየን ልዕሊን እናኸዳ ንዝደቐቀ ነገር’ውን ከለሊ ዝኽእል ቴክኖሎጂ ዝዓጠቓ’የን።

ሑቲ ዘመሓድርዋ መደበር ተለቪዥን ኣል ማሲራህ እቲ ደብዳብ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ሰንዓን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ሳዳን ኣብ ሽዱሽተ ቦታታት ከምዝተፈጸመ’ኳ እንተገለጸት ዝወረደ ዕንወት ይኹን ሞት ግን ኣይሓበረትን።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝካየድ ስርሒታት ዝከታተል ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ብወገኑ በቲ ኣመሪካ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ዘርኢ ዝኾነ ነገር ከምዘየለ ሓቢሩ።

እቶም ብተለቪዥን ኣል ማሲራህ ዝተጠቐሱ ቦታታት ወተሃደራውያን መዓስከራት ዘለዉዎም፡ ሑቲ ትሕተ ባይታዊ ወተሃደራውያን መሳለጥያታት ዘካይደሎም ምዃኖም ብሳተላይት ዝተደገፉ መርትዖታት ክቐርቡ ጸኒሖም’ዮም።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ፖሎቲካውያን መራሕቲ ሑቲ ዝኾነ መሓመድ ኣል ቡከሃቲ ኣብ ኤክስ “እዚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንቓዛ ሓጊዝና ነካይዶ መጥቃዕቲ ዝያዳ ንክንደፍኣሉ’ዩ ዝቕስበና” ኢሉ።

ዕጡቓት ሑቲ፡ ካብ ሕዳር 2023 ጀሚሮም ነቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ስርሒታት ዘለዎም ተቓውሞን ንሓማስ ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይን ብቀይሕ ባሕርን ብወሽመጥ ዓደንን ኣብ ልዕሊ ዝሓልፋ ናይ ንግዲ መራኽብ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከካይዱ ጸኒሖም’ዮም።

ክሳብ ሕጂ ከኣ ክልተ መራኽብ ኣቃጺሎም፡ ሓንቲ መርከብ ሒዞም ክልተ ባሕረኛታት ቀቲሎም ኣለዉ።

ሑቲ ዋላ’ኳ ነተን ምስ እስራኤል፡ ዓዲ እንግሊዝን ኣመሪካን ርክብ ዘለወን መራኽብ ኢና ነጥቅዕ ዘለና እንተበሉ ኣብ ባይታ ግን ንዝኾነት መርከብ’ዮም ከጥቅዑ ጸኒሖም።

ብኣመሪካን ብዓባይ ብሪጣንያን ዝምርሓ ሓያለ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ናይ ውግእ መራኽብ ኣዋፊረን’ኳ እንተሃለዋ ነቲ ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ዝፍጽምዎ መጥቃዕትታት ግን ክገትአኦ ኣይክኣላን።

ብሰንኪ’ቲ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ንግዲ መራኽብ ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቃዕትታት ሓያለ መስመር ንግዳውያን መራኽብ ብቀይሕ ባሕርን መትረብ ስወጽን ምሕላፍ ስለዘቋረጻ ብደረጃ ዓለም ቁጠባዊ ሓፍዞቕ ፈጢሩ ይርከብ።

ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብ መግለጺኡ “ብፕረዚደንት ባይደን ብዝተውሃበና መምርሒ ሑቲ ኣብ ቀንዲ መትኒ ንግዳዊ መስመር ዝገብርዎ ዘይርምግጋእ ንምግታእን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኣመሪካ ዝግበር መጥቃዕትታን ንምውጋድን’ዩ ተፈጺሙ” ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ሓላፊ ብምስዓብ “ሑቲ ዝፍጽምዎ ሕጊ-ኣልቦ መጥቃዕቲ ዓቢ ሳዕቤን ከምዘለዎ ከነነጽረሎም ንደሊ” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝነበረት መርከብ ውግእ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ንምፍጻም’ኳ እንተፈተኑ ኩሉ እቲ ዝተተኮሰ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብታ መርከብ ከይበጽሐ ብሰራዊት ኣመሪካ ከምዝበርዓነ ፔንታጎን ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ የመን ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሑቲ ኣካል ኪዳን ናይቶም ብኢራን እናተደገፉ ኣብ ሊባኖስ ዝንቀሳቐሱ ሕዝቦላህን ኣብ ቓዛ ዘለዉ ሓማስን’ዮም።