እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣንጻር ሑቲ ዕረፍቲ ኣብ ዘይህብ ውግእ ተጸሚዳ ዘላ ወተሃደራዊት መርከብ ኣሜሪካ
ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘካይድዎ ዘለው መጥቃዕቲ ዕላማ ዝኾና ንግዳውያን መራኽብ ጥራይ ኣይኮናን። ውሕስነት እተን መራኽብ ከረጋግጻ ዝተዋፈራ ወተሃደራውያን መራክብ ኣሜሪካ እውን ከቢድ ሓደጋ እዩ ዝገጥመን ዘሎ።
ኣሜሪካዊት መርከብ ውግእ ዩኤስኤስ ዲዋይት ዲ ኤይዘንኣወር ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብቲ ተልእኾ ካብ እትዋፈር ናብኣ ክበጽሕ ፈላሚ ፍቓድ ዝረኸበ ብሪጣንያዊ መራኸቢ ብዙሓን ቢቢሲ እዩ።
ነተን ነዛ ገዛፍ መርከብ ውግእ ተወሳኺ ሓለዋ ዝገብራ ኣርባዕተ መራኽብ ዝእዝዝ ካፒተን ዴቭ ዎሮ “ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ፡” ይብል።
እታ መርከብ፡ ሑቲ ከም ግብረመልሲ ናይቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ኲናት ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ከጥቅዕ ምዃኑ ምስ ገለጸ እያ ኣብ ሕዳር ናብቲ ከባቢ ተዋፊራ።
ካፒቴን ዎሮ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝገጥሞም ዘሎ ስግኣታት ክዝርዝር እንከሎ፡ ጸረ-መርከብ ሚሳይል፣ ክሩዝ ሚሳይል፣ ሰብ ኣልቦ በረርቲ፣ ሰብ ኣልቦ ጃላቡን ሰብ ኣልቦ ናይ ትሕቲ ማይ መራኽብን ምዃኑን ኩሉ ተባራዒ ዝጸዓነ ምዃኑን ይገልጽ።
ናይ ትሕቲ ማይ ሰብ ኣልቦ መራኽብ (UUV) ኣብ ቀረባ እዋን ብብዝሒ ዝረኣዩ ዘለው ስግኣት እዮም።
ካብታ ዓባይ መርከብ ዝብገሳ ነፈርቲ ውግእ ኤፍ-18 እተን ናይ ትሕቲ ማይ መራኽብ ቅድሚ ምውንጫፈን ከዕንውአን ከምዝኸኣላ ካፒቴን ዎሮ ይዛረብ።
ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ታሪኽ ኣሜሪካ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ዝኸበደ ስግኣት ምፍጣሮም እቲ ካፒቴን ይገልጽ።
“ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ እዚ ዝዓበየ እዩ፡” ይብል።
ነቲ ዝመጽእ መጥቃዕትታት ንምክልኻል፡ ልዕሊ 300 ቦምባታትን ሚሳይልን ቶኲሶም ኣለው።
ኣብታ ኣሜሪካዊት ዓባይ መርከብ ውግእ ኴንካ ብርሑቕ ገለ ዓበይቲ ናይ ጽዕነትን ነዳድን መራኽብ ይረኣያ፤ እንተኾነ ሒደት እየን።
ቀይሕ ባሕሪ 20% ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም ብባሕሪ ዝግበር ንግዳዊ ምልውውጥ ዝሓልፈሉ መስመር እዩ። ብመትረብ ስወጽ ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ኣገዳሲ መስመር እዩ። ንኣሜሪካ ብዙሕ ኣገዳሲ እኳ እንተዘይኮነ፡ ነቲ መስመር ኣብ ምውሓስ ቀንዲ ትዋሳእ ዘላ ግና ንሳ እያ።
እንተኾነ ወላ እቲ ብዓባይ መርከብ ውግእ ኣሜሪካ ዝምራሕ ጉጅለ’ውን እንተተዋፈረ፡ ነቲ ኵነታት ክቈጻጸሮን ነቲ መስመር ውሑስ ክገብሮን ኣይከኣለን ኣሎ።
ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኣብታ መርከብ ኣብ ዝነበሩሉ ኣጋጣሚ፡ ሑቲ ካልእ ባሊስቲክ ሚሳይል ምትኳሶም ተሓበረ።
እቲ ሚሳይል ካብ ድምጺ ብሰለስተ ዕጽፊ ብዝበልጽ ፍጥነት እዩ ዝሕምበብ ኔሩ። ኣባላት እታ መርከብ ነቲ ሚሳይል ተኸታቲሎም ከበርዕንዎ ሒደት ደቓይቕ እዩ ኔርዎም። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ሚሳይል ካብ ደረት ወጻኢ ብምንባሩ ኣብቲ ማያት ወዲቑ።
ካልኦት ግና ኣብ ልዕሊ ንግዳውያን መራኽብ ከቢድ ሃስያ ኣውሪዶም እዮም። ብዙሓት ሃሪሞም፣ ንሓንቲ ከጥሕሉ እንከለው ኣብ ካልእ ‘ትሩ ኮንፊደንስ’ ትብሃል መርከብ ከኣ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ቀቲሎም እዮም።
እቲ ብባሕሪ ዝግበር ንግዳዊ ምንቅስቓስ ምቕጻሉ፡ ነቲ ተልእኾ ዕውት ከብሎ ከምዝኽእል ሬር ኣድሚራል ማርክ ሚጉዌዝ ይገልጽ።
እቲ ብብሪጣንያ እናተደገፈ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ዘሎ ስጉምቲ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ሑቲ ብገለ መዳይ ከምዘጉደሎ ይኣምን።
ደው ከብሎ ግና ኣይከኣለን።
ሑቲ ብውሽጣዊ ዓቕሞም ዝገብርዎ ኣይኮነን ዝብል እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ “ኢራን ትድግፎም ኣላ፤ ብኣጽዋርን ቴክኖሎጅን ጥራይ ድማ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ዒላማታት ስልያዊ ሓበሬታታትን ሓገዝን ትህቦም እያ” ይብል።
‘እሞ ንምንታይ እያ ኣሜሪካ ብቐጥታ ንኢራን ክትገጥም ዘይከኣለት?’ ዝብል ብጋዜጠኛ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ከኣ፡ “እዚ ናይ ፖሊሲ ውሳነ እዩ፤ እንተኾነ ሱር ናይዚ ኣብ ኢራን እዩ ዝጅምር” ኢሉ።
ከም ሓቂ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ንመረጻ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ ዓመት፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካልእ ሰፊሕ ግጭት ክውልዕ ድሌት የብሉን።
ኣድሚራል ሚግወዝ “ኣድለይቲ ክሳዕ ዝኾንና ክንጸንሕ ኢና” ይብል።
እንተኾነ ነቲ ወተሃደራዊ ህላወ በዚ ዓቐን ክትቅጽል ኣጸጋሚ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ዘይከም እቶም ኣብ መሬቶም ኣብ ዓዶም ዘለው ሑቲ፡ እቶም ሓሙሽተ ሽሕ ዝበጽሑ ኣሜሪካውያን ዝርከቡሉ ኵነታት ምቹእ ኣይኮነን። ወርሓዊ ንመግቢ ጥራይ 2 ሚልዮን ዶላር የድልዮም።
“እቶም ሰባት ከዕርፉ፣ ናብ ቤቶም ክኸዱ የድልዮም፡” ይብል ዋና ኣዛዚ እታ ዓባይ መርከብ።
እዚ መዓስ ክኸውን እዩ ንጹር ስለዘይኮነ ግና ንሞራልን ተጻዋርነትን ናይቶም ሳሕቲ ጸሓይ ቀትሪ ክርእዩ ዝኽእሉ ኣባላቱ ምሕላው ሓደ ካብ ስርሑ እዩ።
ቀንዲ ተልእኾ መርከብ ውግእ ዩኤስኤስ ዲዋይት ዲ ኤይዘንኣወር እንታይ ኣፍርዩ ኣሎ ንዝብል ምላሽ ንምሃብ ግና ጌና ግዜ ዝደሊ ይመስል።
“ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግጭት ተዓዋትን ተሰዓርን ንምግላጽ ኣጸጋሚ እዩ” ይብል ካፒቴን ሂል።
“ንኹሉ መጥቃዕትታት ሑቲ ደው ክነብል እዩ ድሌትና”
እሞ እዚ ክውን ክኸውን ይኽእል ድዩ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ግና፡ “ክትብሎ ኣጸጋሚ እዩ” ኢሉ።
ዝሰፍሐ መንግስታውን ዓለምለኻውን ጻዕርታት ከምዘድሊ ከኣ የተንብህ።