እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሑቲ፡ ብኣመንዝራነትን ሓሽሽን ኣሲሩዋ ዝጸንሐ ኢትዮጵያ ዝመበቈላ ሞዴል ፈቲሑ
ሓይልታት ሑቲ፡ ብኣመንዝራነት ከሲሶም ንሓሙሽተ ዓመት ኣሲሮምዋ ዝጸንሑ ኢትዮጵያዊ መበቈል ዘለዋ ሞዴል ፈቲሖም።
ጠበቓኣ ኻልድ ኣልከማልን ምንጪታት ጸጥታን ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሞዴል እንትሳር ሓማዲ ብቕድሚ ትማሊ ከምዝተፈትሐትን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ገዛኣ ከምዘላን ኣረጋጊጾም።
እንቲሳር ኣል ሓማዲ ጓል 23 ዓመት ኢትዮጵያዊ መበቈል ዘለዋ የመናዊት ሞዴልን ተዋሳኢትን እያ።
ኣደ እንቲሳር ኢትዮጵያዊት ኰይና ኣቦኣ ድማ የመናዊ እዩ።
እታ ሞዴል ኣብ የካቲት 2021 ክትስኣል ኣብ እትኸደሉ ዝነበረት እዋን እያ ተታሒዛ።
ጠበቓኣ፡ ምስ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ኣብ ሓንቲ መኪና እንከለዉ ብዕጡቓት ሑቲ ከምዝተታሕዘት ይዛረብ።
ብዝቐረበላ ክሲ ምንዝርና፡ ተጠቃምነት ሓሽሽን ዝሙትን ድማ ንሓሙሽተ ዓመት ክትእሰር ተፈሪዳ። ጠበቓታታን ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ግን እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረበ ክሲ ሓሶትን ናጽነት ደቀንስትዮ ንምዕፋን ዝዓለመን ምዃኑ ይገልጹ።
"እንትሳር ብዝተፈላለዩ ሕማማት ተሳቒያ፡ ብሰንኪ ጸቕጢ ድማ ጥዕናኣ ተሃስዩ" ይብል ጠበቓኣ።
ኣብ 2021 ድማ ፈተነ ነብሰ ቅትለት ገይራ ምንባራ ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።
እንትሳር ሓማዲ፡ ባህላዊ ክዳውንቲ፡ ጅንስ ወይ ሌዘር ጃኬትን፡ እስላማዊ መሸፈኒ ርእሲ ተኸዲና፡ ከምኡ'ውን ከይተኸድነት ዝተፈላለየ ኣሳእል ብምዝርጋሕ ትፍለጥ።
ኣብ ኢንስታግራምን ፌስቡክን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተኸታተልቲ ኣለውዋ።
ኣብቲ ዝተትሓዘትሉ እዋን ምስ ካልኦት ሰባት ከይተራኸበት ን10 መዓልታት ኣብ ጽምዋ ተኣሲራ ምንባራ ይግለጽ።
ጠበቓኣ፡ "ተሌፎና ተመንዚዓ፣ ሞያ ሞዴሊን ከም ዘይስነምግባራዊ ተቘጺሩ፣ ሰበስልጣን ሑቲ ድማ ከም ኣመንዝራ ሓሲቦማ" ይብል።
ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች (HRW) ከምዘመልክቶ፡ እንቲሳር ሓማዲ ንኣርባዕተ ዓመታት ከም ሞዴል ካብ ምስርሓ ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልተ ናይ የመን ተሌቪዥን ድራማታት ተዋሲኣ።
እንቲሳር ሓማዲ ምስተትሓዘት "ገጻ ተሸፊና፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን መጥቃዕቲ ተፈጺሙዋ። ዓሌታዊ ፀርፊ እውን ከምዝወረዳ" ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል የመልክት።
ብተወሳኺ ምጥቃም ሓሽሽን ምንዝርናን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ገበናት ከምዝተሳተፈት 'ተኣሚና ክትናዘዝ' ተገዲዳ።
ኣብ የመን ካብ 2014 ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሑቲ ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጻት ከምዝወሰኸ ይዝረብ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ኣብ የመን ዘጋጥመን በደላት ደቂ ኣንስትዮ ኣሰቃቒ ክብል ይገልጾ።
ሑቲ፡ ነቲ ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ የመን ብምቅዋም ዝቃለስ፡ ሰፊሕ ከባቢታት እታ ሃገር ዝቈጻጸርን ሓይሊ ምዃኑ ይፍለጥ።