ኢትዮጵያ፡ እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ሕማም ዶክተር ዝርከቦም 6 ሰባት ቀቲሉ

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ፡ እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ሕማም ንኽልተ ሰብሞያ ዝርከብዎም ሰባት ከምዝቐተለ ሰብሞያ ሕክምና ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም።

ተወካሊ ሜዲካል ዳይረክተር ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጂንካ፡ ዶ/ር ሰላሙ ታደሰ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓንቲ ነርሰን ሓደ ዶክተርን ዝርከቡዎም፡ ሽድሽተ ሰባት በቲ ሓድሽ ሕማም ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተዛሪቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ትማሊ 12 ሕዳር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ እቲ ሕማም ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጂንካ ከምዝተራእየ ብምጥቃስ፡ ህጹጽ መርመራ ንኽካየድ ምኽንያት ኰይኑ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ሕማም ገና እንታይነቱ ብዕሊ ዘይተፈልጠ ኰይኑ፡ ደም ዝተሓውሶ ሰዓል -ኣብ ሰራውር ደም ወይ ግዳማዊ ምፍሳስ ደም ከስዕብ ዝኽእል 'ቫይረሳዊ' ረኽሲ - ከምዘስዕብ ሰብሞያ ይዛረቡ።

ዶ/ር ሰላሙ ታደሰ፡ "እቶም ተሓከምቲ መጀመርታ ክመፅኡ ከለው ዝነበርዎ ኩነታት፡ ከም ተምልላስ፣ ረስኒ፣ ፍልፀት ርእሲ፣ ቅርፀት ከብድን ውፅኣትን፡ ዝኣመሰሉ ምስ ሕማም ዓሶ ዝመሳሳሉ ምልክታት የርእዩ ነይሮም" ክብል ተዛሪቡ።

"ሚኒሰተር ጥዕና፡ ሓበሬታ ምስ ሰደድናሎም፡ እዚ እዩ ተባሂሉ ዝግለፅ ከምዝይኰነ እዮም ሓቢሮሙልና" ዝበለ ዶ/ር ሰላሙ፡ እቶም ናብ ሆስፒታል ዝመፅኡ ሕሙማት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኩናታት ጥዕነኦም ኣዝዩ ከምዘንቆልቈለን፡ ንኩላሊቶም ቀልጢፉ ብምጉዳእ ካብ ስራሕ ወፃኢ ከምዝገበሮ ተዛሪቡ።

እቲ ሕማም ብግልፂ እንተዘይተፈለክጠ'ኳ፡ ጠንቂ መተሓላሊፊኡ ከም ኢቦላን ኮረና ቫይረስን ዓይነት ስለዝዀነ፡ መተሓላለፊ መንገዶም ፈሊጥካ ኣብ ምክልኻል ትዅረት ገይርካ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ምንጪ እቲ ሕማም ንምፍላጥን ተወሳኺ ምልባዕ ንምክልኻልን ዝዓለመ፡ ላቦራቶራዊ መርመራታት ንምክያድ፡ ቅልጡፍ ምላሽ ዝህብ ጉጅለ ሰብሞያ፡ ናብ ክልል ደቡብ ከተማ ጂንካ ተዋፊሩ ከምዘሎ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ከም ሰዓል ወይ ድማ ምኽንያቱ ዘይተፈልጠ ምፍሳስ ደም ዝኣመሰሉ ምልክታት ዘጋጥሞ ሰብ እንተሃልዩ፡ ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከባ ማእከላት ጥዕና ብቕልጡፍ ከይዱ ሕክምናዊ ሓገዛት ክረክብ እቲ ሚኒስትሪ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ኣብ'ቲ ክልል ዝርከባ ትካላት ጥዕና፡ ምስቲ ሓድሽ ለበዳ ዝሓመመ ሰብ ተተናኺፎም ተባሂሎም ኣብ ዝጥርጠሩ ሰባት፡ መርመራታት ከካይዳ፣ ነዚ ጉዳይ ቀዳምነት ክህባን ሓደሽቲ ርኽበታት ክሕብራን መምርሒ ተዋሂብወን ከምዘሎ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ዶ/ር ሰላሙ ከምዝብሎ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን እቲ ሕማም መጀመርታ ኣብ ሓደ ኮንትራክተር [መሃንዲስ] ከምዝተርኣየ ተዛሪቡ።

"ብዙሓት ኣብ ሆስፒታል ብህይወት ኣይፀንሑን፤ ኣብ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ እዮም ሞይቶም" ኢሉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብቲ ማእከል ሕክምና፡ ምልክት ዘርአዩ ሸሞንተ ሰባት ይናበዩ ከምዘለዉ፡ በቲ ሚኒሰተር ጥዕና ዘቕመጦ ሓድሽ መምርሒ መሰረት፡ ጥርጡራት ናይ ምፍላይን ምእላሽን ስራሕቲ ተጀሚሩ ከምዘሎን ተዛሪቡ።

"መን ምስ መን ተራኺቡ ኢልና፡ ገዛ ን ገዛ ናይ ምእላሽን ምፍላይን ንጥፈታት ንሰርሕ ኣለና፤ ኣብቲ ሆስፒታል ድማ ከምኡ ንገብር ኣለና" ኢሉ።