ደቡብ ኮርያውያን: ስለምንታይ'ዮም ኣብ ኣፍደገ ሃገራዊ-ባይቶ ዓሪዶም ውዒሎም?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተጀመረ ተቓውሞታት በርቲዑ ዝቐፀለ ዀይኑ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወተሃደራዊ ሕጊ ዝኣወጀ ፕረዚደንት፡ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ቃልሲ ይካየድ ኣሎ።
እንተዀነ፡ ኣባላት ቤት-ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ነቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዘኽእል፡ ብተቓወምቲ ዝቐረበ እማመ ብድምፂ ንምሕላፍ ዓንቀፍቀፍ ዝገጠሞ ዀይኑ፡ ሰለስተ-ኢድ ድምፂ ብልጫ ክረክብ ኣይከኣለን።
ካብ ሰለስተ ኣባላት ወፃኢ፡ ኩሎም ደገፍቲ እቲ ገዛኢ ውድብ- ኣባላት ቤት ምኽሪ፡ ነቲ መስርሕ ድምፂ ምሃብ ረጊፆም ዝወፅኡ ዀይኖም፡ ገለ ሒደት ድማ ተመሊሶም ድምፆም ክህቦ ተስተውዒሎም።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን: ሃንደበት ወተሃደራዊ ሕጊ ዝኣወጀ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዮል ብወግዒ ንህዘቢ ይቕሬታ ብምሕታት፡ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ደጊሙ ከምዘይፍፅም ቃል ኣትዩ ኣሎ።
እንተዀነ እቲ ይቕረታ ብህዝቢ ተቐባልነት ዝረኸበ ኣይመስልን።
ኣንጊሆም ናብ ኣደባባይ ዝወፅኡ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት፡ ኣብ ኣፍደገ ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ተሰሊፎም 'ውረድ' ዝብል ድምጾም የስምዑ ኣለዉ።
ከምኡ ድማ፡ ኣፍደገ እቲ ቤት ምኽሪ ብምዕፃው፡ ኣባላት እቲ ባይቶ ከይወፅኡ ዓጊቶም ይርከቡ።

ምንጪ ስእሊ, BBC / Tessa Wong
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ምሸት ዝኣወጆ ወተሃደራዊ ሕጊ፡ በቲ ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ቀልጢፉ ምእላዩ ዝዝከር እዩ።
መደረ እቲ ፕረዚደንት ስዒቡ፡ መራሒ ገዛኢ ሰልፊ ህዝባዊ ስልጣን (ፒፒፒ) ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዩን ስሩዕ ስርሑ ንምፍጻም ይጽገም ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሃን ዶንግ-ሁን፡ "ብኣግኡ ካብ ስልጣን ምውራዱ ዘይተርፍ'ዩ" ኢሉ።
ዩን ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዘስምዖ ሓጺር መደረ፡ "ኣዝየ ይቕሬታ እሓትት፡ ነቶም ዝሰንበዱ ሰባት ድማ ካብ ልቢ ይቕሬታ ክሓቶም እደሊ" ኢሉ።
"እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ብምእዋጅ፡ ካብ ዝኾነ ሕጋዊ ይኹን ፖለቲካዊ ሓላፍነት ንነብሰይ ከርሕቕ ኣይክፍትንን እየ።"
ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ደቡብ ኮርያ ኣብ ትሕቲ 'ወተሃደራዊ እዚ' ከምዘላ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኣብ ዘስመዖ ኣብዚ ፈላማይ መደረ፡ብድሌቱ ካብ ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ክገልጽ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።
እንተዀነ ንሱ ከምኡ ኣይገበረን። የግዳስ ነቲ ኩነታት ናይ ምርግጋእ ዕማም ነቲ ገዛኢ ውድቡ ኣረኪቡ ዘሎ ይመስል።
ንዕኡ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ፡ ብዛዕባ ዝቀርቦ ዘሎ ክሲ ብዝምልከት ድማ ኣብ መደርኡ ዋላ ሓንቲ ዘልዐሎ ነገር የለን።
ተቓወምቲ ውድባት እታ ሃገር፡ ነቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ናይ ምእላይ እማመ ድምጺ ክወሃብ ይጓየ ኣለዉ።
ኣብቲ 300 መናብር ዘለዎ ባይቶ፡ እቲ እማመ ንክሓልፍ ክልተ ሲሶ ድምጺ ክረክብ ዝግደድ ኮይኑ፤ ገለ ኣባላት እቲ ገዛኢ ውድብ ድጋፎም ክህቦ ትፅቢት ይግበር ኣሎ።
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሊ ጃይ-ሚዩንግ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ዩ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ተስፋ ዘቑርፅ ዝበሎ ዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቁጠዐን ስምዒታት ክሕደት ከምዝፈጠረ ተዛሪቡ።
ሊ ወሲኹ፡ ነቲ ፕረዚደንት ንምእላይ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ምዃኑ ዝገለፀ ዀይኑ፡ ዛጊድ ብዘሎ ግምታት ተቓወምቲ ነቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ንምእላይ፡ 8 ድመፂ ጥራይ እዩ ዝጐድሎም።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ንደቡብ ኮርያ ዘጋጥማ ዘሎ ዝዓበየ ስግኣት፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ምጽናሕ'ዩ።"
ፕረዚደንት ዝነበሮ እምነት፡ ባዕሉ ከምዘፍረሶ ገሊጹ።
"ከም ፕረዚደንት መጠን ኣዝዩ ዘይብቑዕ ኮይኑ እዩ ዝስመዐኒ፤ ብመሰረቱ ምስ ህዝቢ ዝነበረ እምነት ዘጥፈአ ሰብ ኣብ መንበር ክቕፅል ግቡእ ኣይኰነን።"
ሃን ወሲኹ፡ ፕረዚደንት ዩን ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ከይህቅን ኣጠንቂቑ።
"ፕረዚደንት ኮይኑ ክቕጽል እንተፈቲኑ፡ ኣዝዩ ተስፋ ዘቕብፅ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል'ዩ፤ ምኽንያቱ እቲ ፕረዚደንት ዝፈጸሞ ዘሎ ጌጋ፡ ወተሃደራዊ ሕጊ ምእዋጁ ጥራይ ኣይኮነን።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሃንደበታዊ መግለፂ እቲ ፕረዚደንት ዝተቖጥዑ ግን ፖለቲከኛታት ጥራይ ኣይኮኑን።
ጓል 50 ዓመት መንእሰይ ሶንሲል፡ ወናኒት ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ ሴኡል ዝርከብ ሓደ ቤት መግቢ እያ።
ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ነታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ክትእቱ ዘገድድ ሕጊ ምስ ተኣወጀ፡ ፍርሕን ዘይውሕሱነትን ከም ዝተሰምዓ ንቢቢሲ ገሊጻ።
"ከም ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊኡ [ዮን] ዝነበረኒ እምነት ጠፊኡ ኣሎ፤ ድሕሪ ሕዚ ፕረዚደንተይ መሲሉ ኣይስመዐንን" ኢላ።
ንሳ ወሲኻ፡ "ክሳብ መወዳእታ ክንቃለሶ ኣለና፤ ስልጣን ሒዙ ክቕፅል ክንፈቕደሉ ኣይግባእን"።
ኣብ'ቲ ቤት መግቢ ተጠቃሚ ዝነበረ ዓሚል ወዲ 59 ሃን ጁንግሞ ብወገኑ፡ ፕረዚደንት ዩን 'ይቕሬታ' ምባሉ እኹል ኣይኰነን ካብ ዝብሉ ዜጋታት እታ ሃገር ሓደ እዩ።
"ባዕሉ ፈትዩ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይግባእ ወይ ድማ ብሕጊ ክእለ ኣለዎ" ብምባል፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እቲ

ምንጪ ስእሊ, BBC / Tessa Wong
ብዛዕባ እቲ ወተሃደራዊ ኣዋጅ
ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዝሓለፈ ሰሉስ ሃንደበት ድሕሪ ኣስታት 50 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ኤስያ 'ወተሃደራዊ ሕጊ' ምስ ኣወጀ ነታ ሃገር ስንባደ ኣጥሒልዋ ቐንዩ።
እቲ ተሪር ውሳነ ፕረዚደንት ዩን ሱክ-ዮል ብቴሌቪዥን ኣብ ዝተፈነወ መልእኽቱ፡ "ጸረ-ሃገር ሓይልታት"ን ካብ ሰሜን ኮርያ ዝመጽእ ስግኣትን ነዚ ውሳንኡ ከም ዝደረኾ ጠቒሱ።
ግን ከኣ ብግዳማዊ ስግኣታት ዘይኮነስ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ሽግር ናብዚ ውሳነ ከም ዝተደፋፍአ እዩ ዝግመት።
መግለጺኡ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቓውሞኦም ከስምዑ ኣብ ባይቶ ንክእከቡ ክድርኽ እንከሎ፡ ተቓወምቲ ኣባላት ባይቶ ድማ ካብ ሽዑ ጀሚሮም 'ብህጹጽ ድምጺ' ነቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ክኣልዩ እጓየዩ ኣለዉ።
ብተቓውሞ ህዝብን ፖለቲከኛታትን ዝተሰዓረ ፕረዚደንት ዩን ሱክ-ዮል፡ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ንድምጺ ባይቶ ተቐቢሉ ነቲ ምስ ህፁፅ ኣዋጅ ዝመሳሰል ትእዛዛት 'ወተሃደራዊ ሕጊ' ከልዕል ተገዲዱ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ኣዋጅ ንግዚኡ ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣንሂቡ ዝነበረ ዀይኑ፡ ኣብ ርእሶም ሄልመት ዝገበሩ ሰራዊትን ፖሊስን ናብቲ ሄሊኮፕተራት ኣብ ናሕሲ ክዓልባሉ ዝተራየ ህንጻ ሃገራዊ ባይቶ ተዋፊሮም።
ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ እውን፡ መሸፈኒ ገጽ ዝገበሩን ብረት ዝሓዙን ወተሃደራት ናብቲ ህንጻ ክኣትዉ ከለዉን ሰራሕተኛታት ብመጥፍኢ ሓዊ ክዓግትዎምን ዘርእይ ምስልታት ዘርጊሐን።
ሰራዊት ደቡብ ኮርያ፡ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 23፡00 ብባይቶን ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ዝግበር ተቓውሞን ንጥፈታትን ዝእግድ ኣዋጅ ኣውጺኡ። ንሚድያታት ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ዘእቱ ኣዋጅ ኣዊጁ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







