እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እግሪ ቅድሚ 100 ዓመት ናይ ዝጠፍአ ሓዃሪ ተረኺቡ
ቅድሚ 100 ዓመት ናይ ዝጠፍአ እንግሊዛዊ ሓዃሪ ኣኽራን ምዃኑ ዝእመን እግሪ ኣብ እምባ ኤቨረስት ተረኺቡ።
እዚ: ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ምስጢራት ምሕዃር ኣኽራን ክፈትሕ ዝኽእል ከምዝዀነ ይእመን።
ኣንድሪው ኮሚን ኢርቫይን ኣብ ሰነ 1924 ምስ መጻምድቱ ጆርጅ ማሎሪ ኣብ ኤቨረስት ክድይብ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን እዮም ጠፊኦም።
ኣብ መወዳእታ ሬሳ ጆርጅ ማሎሪ ክርከብ እንከሎ፡ ሬሳ ኢርቫይን ኣሰሩ ኣይተረኽበን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንናሽናል ጂኦግራፊክ ዶክመንታሪ ፊልም ትቐርጽ ዝነበረት ጉጅለ ግን ዝዀነ በረድ ምስ መኸኸ ሓደ ዝተቖርጸ እግሪ ረኺባ።
ነታ ጉጅለ ዝመርሐ ዝነበረ ጂሚ ቺን፡ ነቲ ኣጋጣሚ "ፍሉይን ስምዒታውን ህሞት" ክብል እዩ ገሊጽዎ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ገለ ሰባት ሬሳ ኢርቫይን ክደልዩ ፈቲኖም ነይሮም፤ ንሱን መሻርኽቱን ኣብ ምሕዃር ኤቨረሰት ከምዝተዓወቱ ከረጋግጽ ዝኽእል ካሜራ ሒዙ ከምዝነበረ ይንገር።
ሕጂ ሰበስልጣን ብሪጣንያ ናሙና ዲኤንኤ ተጠቒሞም መንነት ናይቲ እግሪ የረጋግጹ ከምዘለዉ ጸብጻብ ናሽናል ጂኦግራፊ ይሕብር። ቢቢሲ ንቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ፣ ኮመንዌልዝን ልምዓትን ርእይቶ ክህብ ሓቲቱ ነይሩ።
እቲ ፊልም ዝሰርሕ ጉጅለ ግን ናይ ኢርቫይን ምዃኑ ብመጠኑ ርእሰ ተኣማንነት ኣለዎ። ናይዚ ምኽንያት ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ቦት ጫማ ዝተረኽበ ካልሲ "ኤ.ሲ. ኢርቫይን" ዝብል ጽሑፍ ዝተጠልፎ’ዩ ነይሩ።
እታ ጉጅለ ኣብ መንገዳ 1933 ዝብል ዕለት ዝተጻሕፈ ናይ ኦክስጅን ጥርሙዝ እውን ረኺባ እያ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ ኤቨረስት ዝተገብረ ወፍሪ ድማ ንብረት ኢርቫይን ረኺቡ ነይሩ።
በዚ ዝተተባብዐት እታ ጉጅለ፡ ንሓያሎ መዓልታት ኣብቲ በረድ ኣለሻ ኣካይዳ፡ ሓደ ኣባል እታ ጉጅለ ድማ እቲ ቦት ካብቲ ዝመክኽኽ ዝነበረ በረድ ክቕልቐል ተዓዚቡ።
ተወላዲት ኢርቫይን ዝዀነት ጁሊ ሳመርስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ርኽበት ምስ ተነገራ "ንብዓት ከምዝመጻ" ትገልጽ። "ዘይተለምደን ልቢ ዝትንክፍን ህሞት እዩ ነይሩ፡ ክቕጽል'ውን እዩ።"
"ሓደ ሓደ ግዜ፡ ዋላ ኣብ ዘይትእልሸሉ እዋን፡ ኣብ ህይወት ዝዓበዩ ርኽበታት የጋጥሙ’ዮም። እቲ ርኽበት ኣብ መወዳእታ ንኣዝማዱ ናይ ኣእምሮ-ሰላም ዝፈጥር ከምዝኸውን ተስፋ ንገብር" ኢሉ፡ እቲ ተዓዋቲ ኦስካር ዝዀነ ቺን።
ኢርቫይን ኣብ ዝጠፍኣሉ እዋን ወዲ 22 ዓመት እዩ ነይሩ፤ እዚ ማለት እቲ ዝነኣሰ ኣባል ናይቲ ንሓደ ዘመን ንዓለም ምድያብ ኣኽራን ዝፈተነ ወፍሪ እዩ።
እቶም መጻምድቲ ንመወዳእታ ግዜ ብህይወት ዝተራእዩ ብ8 ሰነ 1924 ናብቲ ዝለዓለ ብራኸ እቲ ጐቦ ክብገሱ ከለዉ እዩ ነይሩ።