ፍራንክ ካፕሪዮ፡ 'ኣብ ዓለም ዝበለጸ ዳኛ' ኣብ መበል 88 ዓመቱ ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዳኛ ፍሉጣት ሰባት ኣመሪካን ኮኾብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝዀነ ፍራንክ ካፕሪዮ ኣብ መበል 88 ዓመቱ ከም ዝዓረፈ ስድራኡ ኣፍሊጦም።
ንሱ፡ ብመንሽሮ ላልሸ ከም ዝሞተ ኣብ ወግዓዊ ናይ ኢንስታግራም ኣካውንቱ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብኡ ድማ ብልዑል ፍቕርን ሕያውነትን ብዝነበሮ ነቕ ዘይብል እምነትን፡" ተዘኪሩ።
ደቪድ ካፕሪዮ ዝተባህለ ወዱ፡ ኣፍቀርቲ ፍራንክ ንዘርኣዩዎ ፍቕርን ሓልዮትን ብምምስጋን፡ ሰባት ንዝኽሪ ኣቦኡ "ሕያውነት" ንሰባት ከርእዩ ተማሕጺኑ።
ኣብ ቤት ፍርዲ ብዘርኣዮ ርህራሀን ዋዛን ዝፍቶ ዳኛ ካፕሪዮ፡ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት 'Caught in Providence' ዝተሰምየ ፍሉጥ መደቡ፡ ንጕዳያት ቤት ፍርዲ ክመርሕ ከሎ ዘርኢ ቪድዮታት ብቢልዮናት ዝቝጸር ርእይቶታት ብምርካብ "ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ደስ ዝብል ዳኛ" ዝብል መዓርግ ረኺቡ'ዩ።
ኣብ ኢንስታግራም ን3.4 ሚልዮን ተኸታተልቱ ኣብ ዝተዋህበ መግለጺ፡ "ብዘነቓቕሕ ማእለያ ዘይብሉ ተግባራት ሕያውነት፡" ይዝከር ተባሂሉ።
"ሕያዋይነቱ፡ ዋዛኡን ልግሱን ኣብ ኵሎም ዝፈልጥዎ ሰባት ዘይሃስስ ኣሰር ገዲፉ'ዩ፡" ይብል እቲ መግለጺ።
ዳኛ ካፕሪዮ ቅድሚ ሞያ ተሌቪዥን ምጅማሩ፡ ኣብታ ዝዓበየላ ከተማ ፕሮቪደንስ፡ ሮድ ኣይላንድ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ጕዳያት ኣመሓዲሩ ነይሩ።
እቲ ብድሕሪ 'Caught in Providence' ዘሎ ኩባንያ ደብማር-መርከሪ፡ ንዳኛ ካፕሪዮ "ፍሉይ ኣርማ ርህራሀን ልቦናዊ ኣቀራርባን፡" ዝብል ክብሪ ሂቡ።
ፕረዚደንታት ሞርት ማርከስን ኢራ በርንስተይንን ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ "ኣዚና ክንናፍቘ ኢና፡" ኢሎም።
እቲ መደብ፡ ሰለስተ ንሽልማት 'Daytime Emmys' ተሓጽዩ'ዩ፤ ዳኛ ካፕሪዮ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ግዜ ተሓጽዩ።
ኣብ ቲክቶክ ዝተዘርግሐ - ኣስናኑ ምብራሽ፡ መጽሓፉ ምፍራምን ሰባት ብዛዕባ እቶም ዝሰርሖም ቪድዮታት እንታይ ይብሉ ከም ዘለው ምርኣይን - ዝብሉ ናይ ንግሆ ልምድታቱ ዘርኢ ቪድዮ ልዕሊ 5 ሚልዮን ርእይቶታት ረኺቡ።
ዳኛ ካፕሪዮ ኣብ 2019 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ ዘቕርቦ መደብ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ "ኣዝዩ መሳጢ ክፋል ህይወት ሮድ ኣይላንድ ዘርኢ'ዩ፤ ከምኡ'ውን ተመሳሳሊ ሰባት ኣብ መላእ ሃገር ዘጋጥሞም ዘሎ ጕዳያት ዘንጸባርቕ'ዩ፡" ኢሉ ነይሩ።
ኣብ 2023 መንሽሮ ላልሸ ከም ዘለዎ ድሕሪ ፍላጡ፡ "ብዝተኻእሎ መጠን ክቃለስ ምሉእ ብምሉእ ድሉው ምዃኑ፡" ብምግላጽ፡ ሰዓብቱ ንዘርኣዩዎ ደገፍ ኣመስጊኑ'ዩ።
ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ መወዳእታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጸሓፎ ጽሑፋቱ፡ ዳግም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተመልሰ ብምግላጽ፡ ሰዓብቱ ኣብ ጸሎቶም ክዝክርሩዎ ሓቲቱ።
ዳኛ ካፕሪዮ ንኣስታት 60 ዓመታት ምስ በዓልቲ ቤቱ ጆይስ ካፕሪዮ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ሓሙሽተ ደቈም፡ 7 ደቂ ደቈምን ክልተ ደቂ ደቂ ደቈምን ርእዮም'ዮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







