ኣመሪካዊ መንእሰይ ብሰንኪ ዕርቃኑ ዘርእይ ስእሊ ነብሱ ከጥፍእ ዝገበሩ ናይጀርያውያን ኣሕዋት ተፈሪዶም

ጆርዳን (ጸጋም) - ናይጀርያውያን ኣሕዋት (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Nigeria Police/Family

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ንሓደ ወዲ 17 ዓመት ኣመሪካዊ መንእሰይ ብናይ ዕርቃን ስእሊ ዘታለሉ ክልተ ናይጀርያውያን ኣሕዋት ን17 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም።

እቶም ኣብ ሌጎስ ዝነብሩ ኣሕዋት፡ ጆርዳን ደሜይ ንዝተባህለ ኣመሪካዊ ኣብ ኢንተርነት ከም ጓል ኣንስተይቲ ብምምሳል ተላልዮም ዕርቃኑ ስእሊ ክሰደሎም ገይሮምዎ።

ኣመሪካዊ ጆርዳን ምስቶም ኣታለልቲ ኣብ ኢንስታግራም ካብ ዝዘራረብ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰዓታት ንነብሱ ኣጥፊኡ።

ኣብ ኣመሪካ ገበናት ሳይበር እናወሰኸ ይኸይድ ዘሎ ኰይኑ ብፍላይ ናይጀርያውያን በዚ ተግባር ስሞም ይለዓል።

ክልቲኦም ናይጀርያውያን ኣሕዋት ድማ ኣብ ኣመሪካ ብናይ ዕርቃን ስእሊ ምትላል ንፈለማ እዋን ዝተፈርዱ ኮይኖም ኣለዉ።

ስእሊ ጆርዳን ሒዛ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበት ኣዲኡ ጄን ቡታ፡ "ኣዝየ ተሰቢረ [ጉህየ] ኣለኹ" ክትብል ብንብዓት ዝተሰነየ ቃላ ሂባ።

ዋላ እኳ እቶም ገበነኛታት ፍትሒ ምርካቦም ጽቡቕ እዩ እንተበለት፡ ካብዚ ዘሕዝን ፍጻመ ግን ጽቡቕ ነገር ክርከብ ከምዘይክኣል ገሊጻ።

ጆርዳን ደሜይ ኣብ ግዝኣት ሚቺጋን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጽቡቕ ስነምግባር ዝነበሮ ተማሃራይ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወዲ 24 ዓመት ሳሙኤል ኦጎሺ ምስ ወዲ 21 ዓመት ሓዉ ሳምሶን ኦጎሺ ኢንስታግራም ብምጥቃም ኣብ ክሊ ዕድመ ጆርዳን ጽብቕቲ ጓል መሲሎም’ዮም ምስኡ ዕላል ጀሚሮም።

ዕርቃኑ ኰይኑ ስእልታት ምስለኣኸሎም ድማ ገንዘብ ክህቦም እንተዘይክኢሉ ነቶም ኣሳእል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ከምዝዝርግሕዎ ብምግላጽ ብኣማኢት ዝቝጸር ዶላራት ተቐቢሎሞ።

ጆርዳን ዝኸኣሎ ገንዘብ ምስሰደደሎም ነቶም ስእልታቱ ክዝርግሕዎም እንተዀይኖም ግን ነብሱ ከም ዝቐትል ኣጠንቂቕዎም ነይሩ።

እቶም ገበነኛታት ግን ነቲ ናቱ መጠንቀቕታ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ “ጽቡቕ . . ቀልጢፍካ ግበሮ። እንተዘይኮይኑ ቀልጢፍካ ከምእትፍጽሞ ክንገብረካ ኢና" ከምዝበልዎ ተገሊጹ’ሎ።

ኣቦ መዋቲ ዝዀነ ጆን ዳኒኤል ኣብ ሚቺጋን ንዝርከብ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወዱ ኣብ መደቀሲ ክፍሉ ሞይቱ ካብ ዝረኽቦ ጀሚሩ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ከምዝጸንሐ ብምሕባር ንስድራ ካብዚ ዝኽሪ ንምህዳም ብዝብል ከኣ ገዛ ክቕይር ከምዝተገደደ ተዛሪቡ።

እዞም ክልተ ኣሕዋት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ’ውን ኣብ ሚቺጋንን ካልኦት ከተማታት ኣመሪካን ተመሳሳሊ ምትላል ከምዝፈጸሙ ተኣሚኖም ኣለዉ።

38 ኣመሪካውያን ግዳያት ናይዞም መንእሰያት ምዃኖም ክረጋገጽ ከሎ፡ ካብዚኦም እቶም 13 ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም ተፈሊጡ።

እቶም ኣሕዋት ነቲ ገበን ዝፈጸምዎ ብሰንኪ ሓሽሽን ኣብ ናይጀርያ ዘሎ ባህሊ ምትላልን ከምዝዀነ ዓቃቢ ሕጊ ጠቒሱ።

ዳኛ እቲ ፍርዲ፡ እቶም ኣሕዋት ሞት ጆርዳን ድሕሪ ምስምዖም ንኻልኦት ሰባት’ውን ግዳያት ምግባሮም "ንህይወት ሰባት ሽራፍ ሓዘኔታ ከምዘይብሎም ዘርእይ እዩ" ኢሉ።

እቶም ኣሕዋት ንስድራቤት ጆርዳን ይቕሬታ ሓቲቶም ኣለዉ።

ፖሊስ ኣመሪካ ናብ ሌጎስ - ናይጀርያ ብምኻድ’ዩ ነቶም መንእሰያት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦም።

ካልእ ኣብ ሞት ጆርዳን ተሳትፎ ኣለዎ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ ከምኡ’ውን ካልእ ብተመሳሳሊ ገበን ዝተጠርጠረ ሰባት ካብ ናይጀርያ ተታሒዞም ናብ ኣመሪካ ክውሰዱ ምዃኖም ተገሊጹ።

ናይጀርያ ከምዚኦም ዝበሉ ገበናት ምትላል ብስፍሓት ዝፍጸሙላ ሃገር ምዃና ኣኽበርቲ ሕግን ዝተፈላለዩ መጽናዕትታትን የመልክቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ’ውን ሓደ ኣውስትራልያዊ ተማሃራይ ነብሰ ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ ክልተ ናይጀርያውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም።

ከምኡ’ውን ካልኦት ክልተ ናይጀርያውያን ጠንቂ ነብሰ ቅትለት ወዲ 15 ዓመት ኣመሪካዊን ወዲ 14 ዓመት ካናዳዊን ኰይኖም ብዝብል ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ይረኣይ ኣሎ።