'ናይ ሞት በረራ እዩ' - ኣመሪካ ንኻልኣይ ግዜ ጕጅለ ኢራናውያን ሰጒጓ

ምንጪ ስእሊ, ABEDIN TAHERKENAREH/EPA/Shutterstock
ኣመሪካ፡ ካልኣይ ጕጅለ ኢራናውያን ከም ዝሰጐጐት ሰበስልጣን ቴህራን ገሊጾም።
ልዕሊ 50 ኢራናውያን ዝጸዓነት ነፋሪት ብሰንበት ካብ ሜሳ ኣሪዞና ነቒላ ብካይሮን ኩዌትን ኣቢላ ናብ ኢራን ከም ዝኣተወት ጸብጻባት የመልክቱ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቴህራን፡ እቶም ኢራናውያን ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ኣረጋጊጹ። ሰበስልጣን ኢምግሬሽን ኣመሪካ ብጸጥታዊ ምኽንያት ብዛዕባ እቲ በረራ "መረጋገጺ ክህቡ ኮነ ክነጽጉ፡" ኣይከኣሉን።
እታ ቀዳመይቲ ዝተባረሩ ኢራናውያን ሒዛ ዝበረረት ኣብ መስከረም ኰይኑ፡ እዚ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ሳሕቲ ዝርአ ምትሕብባር እዩ።
ሓያሎ ኢራናውያን ናብ ኣመሪካ ክስደዱ ዝግደዱ፡ ኣብ ሃገሮም ስግኣት ስለ ዝስምዖም እዩ።
ኣባል ናይቲ ንስደተኛታት ሓገዝ ዝህብ ማሕበር ኣሕዋት ፍራንቸስካና ዝዀኑ ኣባ ጆሴፍ ባክ፡ ካብቶም ዝተባረሩ ክርስትና ዝተቐበሉ ከም ዝርከቡዎም ሓቢሮም። ብተወሳኺ፡ ገለ ካብኦም ሕደ-ጾታውያን ምዃኖም ዝፍለጡ እዮም።
ክርስትና ዝተቐበሉ ኮነ ሕደ-ጾታውያን ኣብ ኢራን ከቢድ ሕጋውን ማሕበራውን ሳዕቤን እዩ ዘጋጥሞም።
ኣባ ጆሴፍ ነቲ ምስጓግ፡ "ግብረ ክርስትና ዘይኰነ ተግባር፡" ክብሉ ገሊጾም። "ዘፍርሕ እዩ፣ ንዓይ የተሓሳስበኒ እዩ። ጽቡቕ ኣይኰነን፣ ናይ ሞት በረራ እየ ዝብሎ፡" ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።
ሰብመዚ ኢራን ኣብቲ ናይ ምምላስ መስርሕ ተሓጋጊዞም እዮም። ሓደ ቆንስላዊ ብዓል ስልጣን ኢራን፡ እቶም ዝተሰጐጉ ዜጋታት፡ "ኣመሪካ ኣንጻር ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ብሕልፊ እኳ ደኣ ኣብ ልዕሊ ኢራናውያን ኣድሉዎ ዘለዎ ፖሊሲኣ ድሕሪ ምቕጻላ ንኽምለሱ ድልውነቶም ኣፍሊጦም፡" ክብል ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ እሱር፡ ኵሎም እቶም ዝተባረሩ ንኽምለሱ ፍቓደኛታት ዘይምንባሮም ገሊጹ።
ኣብቶም ኣብ ዝርዝር ክጥረዙ ዝኽእሉ ዝኣተወ ሓደ ሰብ፡ ንሱ መጻምድቱን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ካብ ሜክሲኮ ብእግሮም ናብ ኣመሪካ ከም ዝሰገሩ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብቲ ኣብ ኣሪዞና ዝርከብ መዳጐኒ ኢምግረይሽን ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናብ ኢራን እንተ ተመሊሱ ህይወቱ ክስእን ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።
እዚ ካልኣይ ምስጓግ፡ ኣመሪካ ኣብ ንዩክለሳዊ ትካላት ኢራን ድሕሪ ምድብዳባ ዝምድና ክልተአን ሃገራት ኣዝዩ ተባላሽዩ ኣብ ዘለወሉ እዋን ዝተፈጸመ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







